ምእንቲ እቲ ቓል ብናፅነት ክጐዪ ፀልዩ
ጳውሎስ ቃል ኣቐዲሙ ኽጐዪ ፀሎት ይልምን፤ ድሕሪኡ ናብ ሓደ ፀገም ይምለስ፦ ገሊኦም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ስራሕ ሓዲጎም፥ ኣብ ነገር ካልኦት ዝኣትዉ ኾይኖም፥ ብናይ ካልኦት ይነብሩ። ነቲ ናይ ባዕሉ ለይትን መዓልትን ድኻም ይጠቅስ። ነቲ ኸምዙይ ዝበለ ኣስተብህሉሉ፥ ምስኡ ኣይትሕበሩ፥ ከም ፀላኢ ግና ኣይትቍፀርዎ፥ ከም ሓው ጌርኩም ደኣ ኣጠንቅቕዎ።
3 1ኣብ መወዳእታ፥ ኣሕዋተይ፥ ቃል ጐይታና ኢየሱስ ከምቲ ኣባኻትኩም ዝኾነ፥ ክጐዪ ድማ ክኸብር፥ ምእንታና ፀልዩ፤ 2ካብ ጠዋያትን ክፉኣትን ሰባት ድማ ክንድሕን ፀልዩ፤ ኵሉ ሰብ ኣማኒ ኣይኮነን እሞ። 3ጐይታ ግና እሙን እዩ፤ ንሱ ኸዓ ከፅንዓኩምን ካብ እቲ ክፉእ ክሕልወኩምን እዩ። 4ነቲ ዝኣዘዝናኩም ትገብርዎ ኸም ዘለኹም፥ ገና ድማ ክትገብርዎ ኸም ዝኾንኩም፥ ብጐይታ ንተኣማመን ኣለና። 5ጐይታ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ ኣቦናን ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስን ይምራሕ።
ብዛዕባ ህኩይነት ዝወሃብ መጠንቀቕታ
6ኣሕዋተይ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዙይ ኢልና ንእዝዘኩም ኣለና፦ ካብ ነፍሲ ወከፍ ብህኩይነት ዝነብር፥ ነቲ ካባና ዝተቐበልኩምዎ ስርዓት ዘይስዕብ ሓው ረሓቑ። 7ንሕና ኣባኻትኩም ህኩያት ኣይኮንናን እሞ፥ ክትመስሉና ኸም ዝግብአኩም፥ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 8ናይ ሓደ ሰብ እንጀራ እኳ ብናፃ ኣይበላዕናን፤ ንሓደ እኳ ኻባኻትኩም ከይነኽብድ ደኣ፥ ለይትን መዓልትን ብድኻምን መከራን ሰራሕና። 9መሰል ዝሰኣንና ኣይኮነን፤ ክትመስሉና ንባዕልትና ኣብነት ክንገብረልኩም ደኣ እምበር። 10ምሳኻትኩም እንተለና እኳ፥ “ዝኾነ ሰብ ክሰርሕ እንተ ኣበየ፥ ኣይብላዕ” ኢልና ኣዚዝናኩም ኔርና። 11ገሊኣቶም ካባኻትኩም ብስራሕ ዘይተሓዙ፥ ኣብ ነገር ካልኦት ዝኣትዉ ደኣ ኮይኖም፥ ብህኩይነት ከም ዝነብሩ ንሰምዕ ኣለና እሞ። 12ነዞም ከምዙይ ዝበሉ ሰባት፥ ስቕ ኢሎም ሰሪሖም ናይ ባዕሎም እንጀራ ክበልዑ፥ ብጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ንምዕዶምን ኣለና። 13ንስኻትኩም ግና ኣሕዋተይ፥ ፅቡቕ ኣብ ምግባር ኣይትሰልክዩ። 14ዝኾነ ሰብ ነቲ ኣብዛ መልእኽቲ ዝኾነ ቃልና እንተ ዘይተኣዘዘ፥ ምእንቲ ኽሓፍር፥ ኣስተብህሉሉ እሞ ምስኡ ኣይትሕበሩ። 15ግናኸ ከም ፀላኢ ኣይትቍፀርዎ፤ ከም ሓው ጌርኩም ደኣ ኣጠንቅቕዎ።
ሰላም፥ ሰላምታን ፀጋን
16ባዕሉ እቲ ጐይታ ሰላም፥ ኵልሻዕ ብዅሉ መገዲ ሰላም ይሃብኩም። ጐይታ ምስ ኵላትኩም ይኹን።
17ኣነ ጳውሎስ፥ ነዛ ሰላምታ እዚኣ ብናይ ባዕለይ ኢድ እፅሕፋ ኣለኹ፤ እዙይ ከዓ ነፍሲ ወከፍ ካባይ ዝኾነት መልእኽቲ ሓቀኛ ምዃና ዘመልክት ምልክት እዩ፤ ኣፅሓሕፋይ ከምዙይ እዩ። 18ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኵላትኩም ይኹን።