ናብ ቲቶስ፥ ናይ ብሓቂ ወደይ
ኣብ ደሴት ቀርጤስ ሽማግለታት ብዛዕባ ምሻምን ጥዑይ ትምህርቲ ብዛዕባ ምምሃርን ንቲቶስ ዝተውሃበ ትእዛዛት።
1 1ጳውሎስ፥ ኣገልጋሊ ኣቦናን ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ንእምነት ሕሩያት ኣቦናን ናብ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘብፅሕ ናይ ሓቂ ፍልጠትን፥ 2ብተስፋ እታ ኸቶ ዘይሕሱ ኣቦና ቅድሚ ዘመናት ዝተስፈዋ ናይ ዘለኣለም ህይወት፥ 3ኣብ ጊዜኡ ድማ፥ በቲ ብትእዛዝ ኣቦና መድሕንና ንኣይ ዝተኣመነ መልእኽቲ ገይሩ፥ ቃሉ ገለፆ። 4ናብ ቲቶስ፥ በቲ ሓባራዊ እምነት ናይ ብሓቂ ወደይ፦ ካብ ኣቦናን ካብ መድሕንና ክርስቶስ ኢየሱስን ፀጋን ሰላምን ይኹን።
ባህርይ ኣቦ ዘንፀባርቑ ሽማግለታት
5ነዝ ዝተረፈ ክትውድእን ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ኣብ ኵላ ኸተማ ሽማግለታት ክትሹምን ኢለ፥ በዝ ምኽንያት እዙይ ኣብ ቀርጤስ ገዲፈካ። 6ሽማግለ ነውሪ ዘይብሉ፥ በዓል ሓንቲ ሰበይቲ፥ ብሕሱር ኣነባብራ ወይ ብዓመፅ ዘይክሰሱ እሙናት ውሉድ ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ። 7ተቖፃፃሪ ኸም መጋቢ ኣቦና ነውሪ ዘይብሉ ክኸውን ኣለዎ እሞ፥ ዕቡይ ዘይኮነ፥ ቀልጢፉ ዘይኹሪ፥ ሰካር ዘይኮነ፥ ገፋዒ ዘይኮነ፥ ስለ ሕሱር ረብሓ ዘይስስዕ፥ 8እኳ ደኣ፥ ተቐባሊ ጋሻ፥ ፅቡቕ ዘፍቅር፥ ርእሱ ዝገዝእ፥ ቅኑዕ፥ ቅዱስ፥ ተግሳፅ ዘለዎ ይኹን። 9ነቲ ኸም ዝተምሃሮ እሙን ቃል ፅኒዑ ይሓዞ፤ ከምዙይ ጌሩ በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ከተባብዕን ነቶም ዝቃወሙ ኸዓ ክረትዕን ይኽእል።
10ብዙሓት ዓመፀኛታት፥ ከንቱ ዝዛረቡ ንኻልኦት ዘስሕቱን ኣለዉ እሞ፥ ኣውራ ኸዓ እቶም ናይ ግርዘት ወገን። a a v10 እቲ ‘ናይ ግርዘት ወገን’ ዝብል፥ ነቶም ኣህዛብ ዝኾኑ ኣመንቲ ብሓቂ ምእንቲ ክድሕኑ ክግረዙ ኣለዎም ኢሎም ኣጥቢቖም ዝዛረቡ ኣይሁዳዊ መበቆል ዝነበሮም መምህራን እዩ ዘመልክት። 11ንሳቶም ዘይግብኦም ነገር ስለ ሕሱር ረብሓ እናመሃሩ፥ ንምሉእ ኣባይቲ የበላሽዉ ኣለዉ እሞ፥ ኣፎም ክዕፀው ኣለዎ። 12ካብ ነብያቶም ሓደ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ “ሰብ ቀርጤስ ኵሉ ጊዜ ሓሰውቲ፥ ክፉኣት ኣራዊት፥ ሃካያት ስሱዓት እዮም።” 13እዝ ምስክርነት እዙይ ሓቂ እዩ። ስለዙይ ብእምነት ጥዑያት ምእንቲ ክኾኑ፥ ኣበርቲዕካ ገንሓዮም፤ 14ነቲ ናይ ኣይሁድ ፅውፅዋይን ናይቶም ንሓቂ ዝነፅጉ ሰባት ትእዛዛትን ድማ ከየቕልቡ። 15ነቶም ንፁሃት ኵሉ ንፁህ እዩ፤ ነቶም ርኹሳትን ዘይኣምኑን ግና ዝንፁህ የለን፤ ኣእምሮኦምን ሕሊናኦምን ረኺሱ እዩ። 16ንኣቦና ኸም ዝፈልጥዎ ይዛረቡ፥ ብግብሮም ግና ይኽሕድዎ፤ ፅዩፋትን ዘይእዙዛትን ንዝኾነ ፅቡቕ ግብሪ ዘይበቕዑን እዮም።