ከውሐይ፥ መዕቘብየይ
ናይ ዳዊት።
ዳዊት ነእዳዉ ንውግእ ዝሰልጠነ ኾይኑ ይጅምር፥ ብኡብኡ ኸዓ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ዘይረብሕ ምዃኑ ይእመን—ከም እስትንፋስ፥ ከም ዝሓልፍ ፅላሎት። ንኣቦኡ ሰማይ ኣድኒኑ ክወርድ፥ ካብ ሓሰውቲ ድማ ከናግፎ ይልምን፥ ድሕሪዙይ ነቲ ዝደልዮ ሰላም ይገልፅ፦ ዝመልአ ማዕኸንን ዝዓብዩ ደቅን።
144 1ነእዳወይ ውግእ፥ ንኣፃብዐይ ድማ ኲናት ዝመሃረን ኣቦይ ከውሐይ ብሩኽ ይኹን፥ 2ምሕረተይን እምባይን፥ ዕርደይን መናገፍየይን፥ እቲ ዝዕቘቦ ዋልታይ፥ ኣብ ትሕተይ ንህዝብታት ዘግዝእ እዩ።
3ኦ ኣቦይ! ሰብ ብእኡ ኽትግደስ እንታይ እዩ? ወዲ ሰብከ ብዛዕባኡ ኽትሓስብ እንታይ እዩ? 4ሰብ ከም እስትንፋስ እዩ፤ መዓልቲታቱ ከም ዝሓልፍ ፅላሎት እየን።
5ኦ ኣቦይ! ሰማያትካ ኣድኒንካ ውረድ፤ ነቶም እምባታት ተንክኣዮም እሞ ክተኩ እዮም። 6መብረቕካ ኣብሪቕካ በትኖም፤ ፍላፃታትካ ወርዊርካ ሃውኾም። 7ካብ ላዕሊ ኢድካ ዘርጊሕካ፥ ካብቲ ብርቱዕ ማያትን ካብ ኢድ ደቂ ባዕድን ኣድሕነኒ ኣናግፈኒውን፤ 8ኣፎም ሓሶት ዝዛረቡ፥ የማናይ ኢዶምውን ብሓሰት ዝምሕል እዮም።
9ኦ ኣቦይ! ሓዱሽ መዝሙር ክዝምረልካ እየ፤ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ድማ ክቕነየልካ እየ፥ 10ንነገስታት ዓወት ንዝህብ፥ ንዳዊት ባርያኡ ካብ ጨካን ሰይፊ ንዘናግፍ።
11ካብ ኢድ ደቂ ባዕዲ ኣድሕነኒ ኣናግፈኒውን፤ ኣፎም ሓሶት ዝዛረቡ፥ የማናይ ኢዶምውን ብሓሰት ዝምሕል እዮም።
12ሽዑ ኣወዳትና ኣብ ንእስነቶም ከም ነዊሑ ዝዓበየ ተኽሊ፥ ኣጓላትና ድማ ከም ንቤተ መንግስቲ ዝተቐርፀ መኣዝናዊ ኣዕማድ ክኾኑ እዮም። 13ማዕኸንና ብዅሉ ዓይነት እቶት መሊኡ ክህብ እዩ፤ ኣባጊዕና ኣብ ገራሁና ብሽሕን ብእልፍን ክበዝሓ እየን፤ 14ኣሓና ዝፀነሳ፥ ቅፅሪ ከይፈረሰ፥ ናብ ምርኮ ከይተማረኽና፥ ኣብ ኣደባባያትና ድማ ኣውያት ጭንቂ ከይተሰምዐ። 15ከምዙይ ዝበለ ዘለዎ ህዝቢ ብፁእ እዩ፤ ኣቦና ናቱ ዝኾነ ህዝቢ ብፁእ እዩ።