ኣቦይ፥ ንጉሰይ
መዝሙር ምስጋና። ናይ ዳዊት።
ብፊደል ዝተሰርዐ፥ እናሰፍሐ ዝኸይድ ናይ ዳዊት ምስጋና፦ ሓደ ወለዶ ንኻልእ ወለዶ ግብርታት ኣቦኡ ይነግር፥ ንሱ ኢዱ ምስ ከፈተ ኵሉ ፍጡር ይምገብ፥ ዝወድቕ ዅሉ ኸዓ ይድገፍ። ርህራሄኡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ዝገበሮ ሓዲሩ ኣሎ ይብል።
145 1ኦ ኣቦይ፥ ንጉሰይ፥ ልዕል ልዕል ከብለካ እየ፤ ንስምካውን ንዘለኣለመ ኣለም ክባርኾ እየ።
2መዓልቲ መዓልቲ ክባርኸካ እየ፤ ንስምካውን ንዘለኣለመ ኣለም ከመስግን እየ። 3ኣቦና ዓብዪ እዩ፥ ኣዝዩ ኽውደስ ዝግብኦ ድማ እዩ፤ ዕቤቱ ዝምርምሮ የለን።
4ሓደ ወለዶ ንኻልእ ወለዶ ግብርታትካ ይውድስ፤ ሓያል ግብርታትካውን ይነግር። 5ነቲ ዝኸበረ ክብሪ ግርማኻ ከስተንትኖ እየ፤ ንዘደንቕ ግብርታትካውን ከስተንትኖ እየ። 6ብዛዕባ ሓይሊ ዝፍርሑ ግብርታትካ ይነግሩ፤ ኣነ ድማ ዕቤትካ ክእውጅ እየ። 7ብዝና እቲ ብዙሕ ሕያዋይነትካ ይውሕዙ፤ ብፅድቅኻውን እናተሓጐሱ ይዝምሩ።
8ኣቦና ለጋስን መሓርን እዩ፤ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ምሕረቱ ድማ ዝበዝሐ እዩ። 9ኣቦና ንዅሉ ሕያዋይ እዩ፤ ርህራሄኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ዝገበሮ ሓዲሩ ኣሎ። 10ኵሎም ግብርታትካ ኦ ኣቦና ከመስግኑኻ እዮም፤ እሙናትካ ድማ ክባርኹኻ እዮም። 11ብዛዕባ ኽብሪ መንግስትኻ ይዛረቡ፥ ብዛዕባ ሓይልኻን ይነግሩ፤ 12ንደቂ ሰብ ሓያል ግብርታትካን ዝኸበረ ክብሪ መንግስትኻን ምእንቲ ኸፍልጥዎም። 13መንግስትኻ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ፤ ግዝኣትካ ድማ ንውሉድ ወለዶ ይነብር። ኣቦና ብዅሉ ቓላቱ እሙን እዩ፤ ብዅሉ ግብርታቱ ድማ ለጋስ እዩ። a a v13 እዝ መስመር እዙይ ኣብ ዝበዝሑ ናይ እብራይስጢ ኢደ ፅሑፋት የለን፥ ኣብቲ ናይ ባሕሪ ሙት ጥቕልላትን ኣብቲ ጥንታዊ ግሪኽን ግና ኣሎ። እዝ መዝሙር እዙይ ብፊደላት እብራይስጢ ይኸይድ፥ ብዘይ እዝ መስመር እዙይ ከዓ ሓደ ፊደል ይጎድል።
14ኣቦና ንዅሎም ዝወድቑ ይድግፎም፤ ንዅሎም እተደፍኡ ድማ የተስኦም። 15ኣዒንቲ ዅሉ ናባኻ ይጥምታ፤ ንስኻ ድማ ብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም። 16ኢድካ ትኸፍት፤ ባህጊ ኵሉ ህያው ፍጡር ድማ ተፅግብ።
17ኣቦና ብዅሉ መንገድታቱ ፃድቕ እዩ፤ ብዅሉ ግብርታቱ ድማ እሙን እዩ። 18ኣቦና ንዅሎም ዝፅውዕዎ፥ ንዅሎም ብሓቂ ዝፅውዕዎ ቀረባ እዩ። 19ባህጊ እቶም ዝፈርሕዎ ይፍፅም፤ ኣውያቶም ሰሚዑ ድማ የድሕኖም። 20ኣቦና ንዅሎም ዘፍቅርዎ ይሕልዎም፤ ንዅሎም ሓጢኣተኛታት ግና ከጥፍኦም እዩ።
21ኣፈይ ምስጋና ኣቦና ክዛረብ እዩ፤ ኵሉ ህያው ፍጡር ድማ ነቲ ቅዱስ ስሙ ንዘለኣለመ ኣለም ይባርኾ።