ሃሌ ሉያ
ብመሳፍንቲ ተስፋ ኣይትግበሩ፥ መደባቶም ምስኣቶም በታ ዝሞትላ መዓልቲ ይጠፍኡ እዮም እሞ። እቲ ኻልእ ኣማራፂ ኣቦና እዩ፥ በቲ ብግብሪ ዝገብሮ ዝተዘርዘረ፦ ንግፉዓት ፍትሒ፥ ንጥሙያት እንጀራ፥ ንእሱራት ሓርነት፥ ንስደተኛታትን ንደኽታምን ንመበለትን ምሕላው።
146 1ሃሌ ሉያ! ኦ ነፍሰይ፥ ንኣቦና ኣመስግኒ።
2ብህይወተይ ክሳዕ ዘለኹ ንኣቦና ከመስግን እየ፤ ትንፋሰይ ክሳዕ ዘላ ድማ ንኣቦና ክዝምረሉ እየ።
3ብመሳፍንቲ ኣይትተኣመኑ፤ ከድሕነኩም ብዘይክእል መዋቲ ሰብውን ኣይትተኣመኑ። 4መንፈሱ ይወፅእ፥ ናብ ምድሪ ድማ ይምለስ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ መደባቱ ይጠፍኡ። 5ብፁእ እዩ እቲ ኣምላኽ ያእቆብ ሓጋዚኡ ዝኾነ፥ ኣብ ኣቦና ድማ ተስፋ ዝገበረ።
6ንሱ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኵሉ ኣብኣቶም ዘሎን እዩ፤ ንዘለኣለምውን ሓቂ ይሕሉ። 7ነቶም ግፉዓት ፍትሒ የውፅኣሎም፤ ንጥሙያት ድማ እንጀራ ይህብ። ኣቦና ንእሱራት ሓራ የውፅእ። 8ኣቦና ኣዒንቲ ዕዉራት ይኸፍት፤ ኣቦና ነቶም ዝተድነኑ የልዕል፤ ኣቦና ንፃድቃን የፍቅር። 9ኣቦና ንስደተኛታት ይሕሉ፤ ንደኽታምን ንመበለትን ይድግፍ፤ መንገዲ ሓጥኣን ግና የጥፍእ።
10ኣቦና ንዘለኣለም ክነግስ እዩ፤ ኦ ፅዮን፥ ኣቦኺ ንዅሉ ወለዶ ክነግስ እዩ። ሃሌ ሉያ!