ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ምዝማር ምስጋና ኽንደይ ፅቡቕ እዩ

ኣቦና ንኸዋኽብቲ ይቖፅሮም፥ ንነፍሲ ወከፎም በብስሞም ይፅውዖም፥ ነቶም ልቦም ዝተሰብረ ድማ ይእስር፤ በረድን ኣስሓይታን ይሰድድ፥ ደሓር ከዓ ነቲ ዘመክኽ ቃል። ባህ ዘብሎ ሓይሊ ፈረስ ወይ ጕልበት ሰብ ዘይኮነ፥ በቲ ምሕረቱ ተስፋ ዝገብሩ ሰባት እዮም።

ምዕራፍ 147።

ሃሌሉያ! ንኣቦና ምዝማር ኽንደይ ፅቡቕ እዩ፤ ንእኡ ምምስጋን ክንደይ ዘሐጕስን ዝግባእ እዩ።

ኣቦና ንኢየሩሳሌም ይሃንፃ፤ ነቶም ዝተበተኑ ህዝቢ እስራኤል ይእክቦም። ነቶም ልቦም ዝተሰብረ ይፍውስ፤ ቑስሎምውን ይእስር። ንከዋኽብቲ ይቖፅሮም፤ ንነፍሲ ወከፎም በብስሞም ይፅውዖም። ጐይታና ኣቦ ዓብዪ ብሓይሉውን ብርቱዕ እዩ፤ ምስትውዓሉ መጠን የብሉን። ኣቦና ንትሑታት ልዕል የብሎም፤ ንሓጥኣን ግና ናብ ምድሪ የውድቖም።

ንኣቦና ብምስጋና ዘምሩ፤ ብበገና ቕነዩሉ። ንሰማያት ብደመና ይኸድኖ፤ ንምድሪ ዝናም ይሰደላ፤ ኣብ እምባታት ሳዕሪ የብቍል። ነቶም እንስሳታት ምግቦም ይህቦም፤ ነቶም እናኣእወዩ ዘለዉ ጨቓዊት ኳዃትውን። ባህ ዘብሎ ብሓይሊ ፈረስ ኣይኮነን፤ ባህ ዘብሎውን ብኣእጋር ሰብ ኣይኮነን። ልቢ ኣቦና በቶም ዝፈርሕዎ፥ በቶም ብምሕረቱ ተስፋ ዝገብሩ ይሕጐስ።

ኦ ኢየሩሳሌም፥ ንኣቦና ኣመስግኒ! ኦ ፅዮን፥ ንኣቦኺ ኣመስግኒ! ንጋድማት ደገታትኺ የፅንዖም እዩ እሞ፤ ነቶም ኣብ ውሽጢ ቕፅርኺ ዘለዉ ደቅኺ ይባርኮም። ንወሰናትኺ ሰላም ይገብረሎም፤ ብዝበለፀ ስርናይ የፅግበኪ። ትእዛዙ ናብ ምድሪ ይሰድድ፤ ቃሉ ቐልጢፉ ይጐዪ። ንበረድ ከም ፀምሪ ይህብ፤ ንኣስሓይታ ኸም ሓሙዅሽቲ ይበትን። ንበረዱ ኸም ፍርፋር ይድርብዮ፤ ኣብ ቅድሚ ዛሕሉ መን ደው ክብል ይኽእል? ቃሉ ሰዲዱ ነቲ በረድ የመክኾ፤ ንፋሱ የናውፅ፤ ማያትውን ይፈስሱ። ቃሉ ንያእቆብ ይነግሮ፤ ሕግጋቱን ፍርድታቱን ንእስራኤል። ነዝ ንዝኾነ ካልእ ህዝቢ ኣይገበረን፤ ንፍርድታቱ ኣይፈልጥዎን እዮም። ሃሌሉያ!