ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ

መዝሙር ዳዊት።

ተሰጒጉ ናብ ምድሪ ተጨፍሊቑ እንተሎ፥ ናብ ፍርዲ ኸይምፃእ ይልምን፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ፃድቕ ዝኾነ ህያው ሰብ የለን እሞ። ነቲ ናይ ጥንቲ ግብሩ እናዘከረ ነዚ ናይ ሕዚ ዘሎ ይፃወር፥ ክልተ ነገር ድማ ይልምን፦ ብጊሓት ዝስማዕ ቃልን፥ ሰጥ ዝበለ ምድርን።

ምዕራፍ 143።

ኦ ኣቦይ፥ ፀሎተይ ስማዕ፤ ምህለላ ምሕረተይ ስማዕ፤ ብሓቅነትካን ብፅድቅኻ መልሰለይ። ንባርያኻ ናብ ፍርዲ ኣይተምፅኦ፤ ኣብ ቅድሜኻ ፃድቕ ዝኾነ ህያው ሰብ የለን እሞ። a a v2 ጳውሎስ ብዛ ቃል እዚኣ ተጠቒሙ፥ ሓደ እኳ ብናይ ባዕሉ ግብሪ ምስ ኣቦና ፅዱቕ ከም ዘይኸውን፥ ብምእማን ኢየሱስ ጥራሕ ደኣ ከም ዝኸውን መሃረ። እቲ ፀላኢ ንነፍሰይ ሰጒጉ እዩ እሞ፤ ንህይወተይ ናብ ምድሪ ጨፍለቓ፤ ከምቶም ካብ ነዊሕ ዝሞቱ ኣብ ፀልማት ከም ዝነብር ገይሩኒ። መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ደኸመ፤ ልበይ ድማ ኣብ ውሽጠይ ሰንበደ። ነተን ናይ ጥንቲ መዓልቲታት እዝክረን ኣለኹ፤ ንዅሉ ዝገበርካዮ አስተንትኖ ኣለኹ፤ ብዛዕባ ግብሪ ኣእዳውካ እሓስብ ኣለኹ። ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ ኣለኹ፤ ነፍሰይ ከም ንቑፅ ምድሪ ንኣኻ ፀምአት።

ኦ ኣቦይ፥ ቀልጢፍካ መልሰለይ፤ መንፈሰይ ይሓልቕ ኣሎ። ገፅካ ካባይ ኣይትሰውር፤ እንተ ዘይኮነ ከምቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ክኸውን እየ። ብጊሓት ምሕረትካ ኣስምዓኒ፥ ብኣኻ ተኣሚነ እየ እሞ። እታ ዝኸዳ መንገዲ ኣርእየኒ፥ ነፍሰይ ናባኻ ኣልዒለ እየ እሞ። ኦ ኣቦይ፥ ካብ ፀላእተይ ኣናግፈኒ፤ ክዕቆብ ኢለ ናባኻ ሃዲመ እየ። ፍቓድካ ክገብር መሃረኒ፥ ንስኻ ኣቦይ ኢኻ እሞ፤ እቲ ሰናይ መንፈስካ ናብ ሰጥ ዝበለ ምድሪ ይምርሓኒ። ኦ ኣቦይ፥ ምእንቲ ስምካ ኢልካ ንህይወተይ ኣድሕና፤ ብፅድቅኻ ንነፍሰይ ካብ መከራ ኣውፅኣ። ብምሕረትካ ድማ ንፀላእተይ ክትቍርፆም ኢኻ፤ ንዅሎም ተፃረርቲ ነፍሰይ ድማ ክተጥፍኦም ኢኻ፥ ኣነ ባርያኻ እየ እሞ።