ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ንነገስታት ናብ ፍትሒ ይፅውዕ

ኣቦና ንኤርሚያስ ናብቲ ቤተ መንግስቲ ባዕሉ ይሰዶ። ኢዮስያስ ነቶም ድኻታት ተኸላኺሉ፥ ድማ ሰሚሩሉ፤ ደቁ ግና ብፅሕዲ፥ ዓስቢ ብዘይብሉ ዕዮ ይሃንፁ። ሻሉም ፈፂሙ ዓዱ ኣይክርእን እዩ፥ ኢዮኣቄም ከም ኣድጊ ይቕበር፥ ኢኮንያን ድማ ከም ቀለበት ማሕተም ይምሓዝ።

ምዕራፍ 22።

ኣቦና ከምዙይ ይብል፦ ናብ ቤት ንጉስ ይሁዳ ውረድ፥ ኣብኡ ድማ ነዝ ቓል እዙይ ተዛረብ፥

ከምዙይ ድማ በል፦ ኦ ንጉስ ይሁዳ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት እትቕመጥ፥ ንስኻን ኣገልገልትኻን ነዞም ኣፍ ደገታት እዚኣቶም እትኣትዉዎም ህዝብኻን፥ ቃል ኣቦና ስምዑ። ኣቦና ከምዙይ ይብል፦ ፍትሕን ፅድቅን ግበሩ፤ ነቲ እተዘምተ ኻብ ኢድ እቲ ዝገፍዖ ኣናግፉ። ንስደተኛ ኾነ ንደኽታምን ንመበለትን ኣይተበድሉ፤ ዓመፅ ድማ ኣይትግበሩሎም፤ ኣብዝ ቦታ እዙይ ንፁህ ደም ኣይተፍስሱ። እዙይ ብሓቂ እንተ ገበርኩም፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታት፥ ንሳቶም ንጉስን ኣገልገልቱን ህዝቡን፥ ኣብ ሰረገላን ፈረስን ተቐሚጦም በዞም ኣፍ ደገታት እዚኣቶም ክኣትዉ እዮም። ነዞም ቓላት እዚኣቶም እንተ ዘይሰማዕኩም ግና፥ ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፥ ይብል ኣቦና፤ እዛ ቤት እዚኣ ዑና ክትከውን እያ።

ኣቦና ብዛዕባ ቤት መንግስቲ ይሁዳ ከምዙይ ይብል፦ ንስኻ ንኣይ ገለዓድ፥ ርእሲ ሊባኖስ ኢኻ፤ ግናኸ ምድረ በዳ፥ ሰብ ዘይነብረለን ከተማታት ክገብረካ እየ። ኣብ ልዕሌኻ ኣጥፋእቲ ኸዳሉ እየ፥ ነፍሲ ወከፎም ምስ ኣፅዋሩ፤ ንሳቶም ድማ ነቲ ብሉፃት ፅሕድታት ቘሪፆም ናብ ሓዊ ክድርብይዎም እዮም።

ብዙሓት ኣህዛብ በዛ ኸተማ እዚኣ ክሓልፉ እዮም፤ ነንሕድሕዶም ድማ “እግዚኣብሄር ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣ ስለ ምንታይ ከምዙይ ገበራ?” ኢሎም ክሓትቱ እዮም።

ከምዙይ ኢሎም ድማ ክምልሱ እዮም፦ “ንኪዳን ኣቦኦም ሓዲጎም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣምሊኾም፥ ኣገልጊሎምዎም እዮም እሞ።”

ኣቦ ብዛዕባ ሻሉም ይዛረብ

ንምዉት ኣይትብከዩ፥ ኣይትሕዘኑሉውን፤ ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ደኣ መሪር ብኽያት ብከዩሉ፤ ንሱ ፈፂሙ ኣይምለስን እዩ እሞ፥ ንምድሪ ትውልዱ ኣይክርእያን እዩ።

ኣቦና ብዛዕባ ሻሉም ወዲ ኢዮስያስ፥ ንጉስ ይሁዳ፥ እቲ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዝነገሰ፥ ካብዝ ቦታ እዙይ ዝወፀ፥ ከምዙይ ይብል፦ ፈፂሙ ኣይምለስን እዩ። ኣብቲ ዝማረኽዎ ቦታ ኽመውት እዩ፤ ነዛ ምድሪ እዚኣ ድማ መሊሱ ኣይክርእያን እዩ።

ነቲ ቤቱ ብዘይፅድቂ፥ ደርብታቱ ኸዓ ብዓመፅ ዝሃንፅ፥ ንብፅሑ ብናፃ ዘስርሕ፥ ዓስቡ ድማ ዘይህቦ ወይለኡ! እቲ “ገፊሕ ቤት፥ ስፍሕ ዝበለ ደርብታት ክሃንፀለይ እየ” ዝብል፥ ሰፋፊሕ መሳዅቲ ዝገብረሉ፥ ብፅሕዲ ዝለብጣ፥ ብቐይሕ ቀለም ዝቐብኦ።

ብፅሕዲ ካብ ካልኦት ስለ ዝበለፅካ ዲኻ እትነግስ? ኣቦኻ በሊዑን ሰትዩን፥ ፍትሕን ፅድቅን ግና ገበረ፤ ሽዑ ድማ ፅቡቕ ኮነ።

ንጉዳይ እቶም ድኻታት ፅጉማትን ተኸላኸለሎም፤ ሽዑ ድማ ፅቡቕ ኮነ። እዙይዶ ንኣይ ምፍላጥ ማለት ኣይኮነን? ይብል ኣቦና። ዓይንኻ ልብኻን ግና ኣብ ስስዐኻ ጥራሕ፥ ንፁህ ደም ኣብ ምፍሳስ፥ ግፍዕን ዓመፅን ኣብ ምግባር ድማ ኣተኵሮም ኣለዉ።

ስለዙይ ኣቦና ብዛዕባ ዮያቄም ወዲ ኢዮስያስ፥ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ይብል፦ “ኣየ ሓወይ!” ወይ “ኣየ ሓብተይ!” ኢሉ ዝሕዘነሉ የለን፤ “ኣየ ጐይታ!” ወይ “ኣየ ግርማኡ!” ኢሉ ዝሕዘነሉ የለን። ከም ቀብሪ ኣድጊ ኾይኑ ክቕበር እዩ፤ ተጓቲቱ ናብ ወፃኢ ኣፍ ደገታት ኢየሩሳሌም ክድርበ እዩ። ናብ ሊባኖስ ደይቢ እሞ ጨድሪ፤ ኣብ ባሳን ድምፅኺ ዓው ኣብሊ፤ ካብ ዓብሪም ጨድሪ፤ ኵሎም ፍቁራትኺ ተደምሲሶም እዮም እሞ። a a v20 ዓብሪም ኣብ ምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ጥቓ ጐላጕል ሞኣብ ዝርከብ ሰንሰለት እምባ እዩ። ብፅቡቕ ጊዜኺ እንተለኺ ተዛረብኩ፥ ንስኺ ግና “ኣይሰምዕን እየ” በልኪ። እዙይ ካብ ንእስነትኺ ጀሚሩ መንገድኺ እዩ ነይሩ፤ ድምፀይ ኣይሰማዕክን። “ንፋስ ንዅሎም ጓሶትኺ ክጓስዮም እዩ፤ ፍቁራትኺ ድማ ናብ ምርኮ ክኸዱ እዮም፤ ሽዑ ብዅሉ ክፍኣትኺ ክትሓፍርን ክትሓነኽን ኢኺ። ኣቲ ኣብ ሊባኖስ እትነብሪ፥ ኣብ ማእኸል ፅሕድታት ዝሰፈርኪ፥ ሕማም ሕርሲ ምስ መፀኪ፥ ከም እትወልድ ሰበይቲ ዝኾነ ቅልውላው ሒዝኪ ክንደይ ክትግዕሪ ኢኺ!”

ህያው እየ፥ ይብል ኣቦና፤ ኮንያ ወዲ ዮያቄም፥ ንጉስ ይሁዳ፥ ኣብ የማነይቲ ኢደይ ዘላ ቀለበት ማሕተም እኳ እንተ ዝኸውን፥ ካብኣ ምመንቀልኩኻ ነይረ። “ናብ ኢድ እቶም ንህይወትካ ዝደልዩ፥ እቶም እትፈርሖም፥ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ናብ ኢድ ባቢሎናውያንን ኣሕሊፈ ክህበካ እየ። ንኣኻን ነታ ዝወለደትካ ኣዴኻን ናብ ካልእ ምድሪ፥ ክልተኹም ናብ ዘይተወለድኩምላ ምድሪ ክድርብየኩም እየ፤ ኣብኡ ኸዓ ክትሞቱ ኢኹም። ናብታ ክምለሱ ዝብህግዋ ምድሪ ግና ፈፂሞም ኣይክምለሱን እዮም።”

እዝ ሰብኣይ ኮንያ ዝተናዓቐ ዝተሰብረ ሻኽላዶ፥ ዝኾነ ሰብ ዘይደልዮ ኣቕሓ እዩ? ንሱን ደቁን ስለ ምንታይ ተወርዊሮም፥ ናብ ዘይፈልጥዋ ምድሪ ድማ ተደርብዮም? ኣቲ ምድሪ፥ ምድሪ፥ ምድሪ፥ ቃል ኣቦና ስምዒ!

ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነዝ ሰብኣይ እዙይ ውሉድ ዘይብሉ፥ ብዘመኑ ዘይቐንዖ ሰብኣይ ኢልኩም ፃሓፍዎ፤ ካብ ዘርኡ ሓደ እኳ ኣይቐንዕን እዩ እሞ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጥ ሓደ እኳ የለን፤ ኣብ ይሁዳ መሊሱ ዝገዝእ ከዓ የለን።