ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ንምህለላ ሴዴቅያስ ይምልስ

ንጉስ ሴዴቅያስ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ተኣምራት ተስፋ እናገበረ ልኡኻት ይሰድድ። እቲ መልሲ ግና ግልባጥ እዩ — ኣቦና ኣብ ልዕሊ ገዛእ ከተማኡ ክዋጋእ እዩ። ክልተ መንገዲ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ተነቢሩ፦ ኣብ ውሽጢ እቲ መንደቕ ምማት፥ ወይ ኢድካ ሂብካ ምንባር። እቲ ንጉሳዊ ቤት ድማ ብቕንዕና ክፈርድ ኣለዎ።

ምዕራፍ 21።

እቲ ንጉስ ሴዴቅያስ ንጳስሁር ወዲ መልክያን ንሶፎንያስ ወዲ መዓሴያ እቲ ኻህንን ናብኡ ምስ ለኣኸ፥ ካብ ኣቦና ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቃል እዙይ እዩ፦ “ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን የጥቅዓና ኣሎ እሞ፥ በይዛኻ ንኣቦና ለምነልና። ምናልባሽ እቲ ፀላኢ ካባና ምእንቲ ኽለቅቕ፥ ኣቦና ከም ኵሉ እቲ ዝገበሮ ተኣምራት ይገብረልና ይኸውን።”

ኤርሚያስ ድማ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ንሴዴቅያስ ከምዙይ በልዎ፦

ኣቦ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ፥ ነቲ ንጉስ ባቢሎን ምስቶም ኣብ ወፃኢ መንደቕ ዝኸበኩም ባቢሎናውያን እትዋግኡሉ፥ ኣብ ኢድኩም ዘሎ ኣፅዋር ውግእ ክመልሶ፥ ናብ ማእኸል እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ክእክብ እየ። ኣነ ባዕለይ ድማ ብዝርግሕቲ ኢድን ብሓያል ቅልፅምን፥ ብዂራን ብንዴትን ብዓብዪ ቝጥዓን ክዋግኣኩም እየ። ነቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝነብሩ፥ ሰብ ኮነ እንስሳ ክወቕዖም እየ፤ ብዓብዪ መዓት ድማ ክሞቱ እዮም። ድሕሪዙይ ድማ፥ ይብል ኣቦና፥ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንሓሻኽሩ ነቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኻብ መዓትን ካብ ሰይፍን ካብ ጥሜትን ዝደሓኑ ህዝብን፥ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ናብ ኢድ እቶም ንህይወቶም ዝደልዩ ፀላእቶም ኣሕሊፈ ክህቦም እየ። ንሱ ኸዓ ብስሕለት ሰይፊ ክወቕዖም እዩ፤ ኣይርህርሆምን፥ ኣይናሕስየሎምን፥ ኣይምሕሮምን እዩ።’

ነዝ ህዝቢ እዚ ድማ ኣቦና ከምዙይ ይብል ኢልካ ንገሮም፦ እንሆ፥ ኣነ መንገዲ ህይወትን መንገዲ ሞትን ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረ ኣለኹ። እቲ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተርፍ ብሰይፍን ብጥሜት ብመዓትን ክመውት እዩ፤ እቲ ወፂኡ ናብቶም ዝኸብብዋ ዘለዉ ባቢሎናውያን ኢዱ ዝህብ ግና፥ ህይወቱ ኸም ዘመተ ረኺቡ ብህይወት ክነብር እዩ። ገፀይ ንኽፉእ እምበር ንፅቡቕ ዘይኮነ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣንቢረ ኣለኹ፤ ይብል ኣቦና። ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትወሃብ እያ፤ ንሱ ኸዓ ብሓዊ ከቃፅላ እዩ።

ቃል ኣቦ ናብ ቤት ዳዊት

ነቲ ቤተ መንግስቲ ይሁዳ ድማ ከምዙይ በሎም፦ ቃል ኣቦና ስምዑ።

ኦ ቤት ዳዊት፥ ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ንጉሆ ንጉሆ ብቕንዕና ፍረዱ፤ ነቲ ዝተዘምተ ኸዓ ካብ ኢድ ገፋዒኡ ኣናግፍዎ፤ እንተዘይኮይኑ ብሰሪ ክፉእ ግብርኹም ቝጥዓይ ከም ሓዊ ይውላዕ፥ ዘጥፍእ ዘይብሉ ኸዓ ይነድድ። እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ለሰ እትነብሪ፥ ኣብ ጐልጐል ዘለኺ ኰዅሒ፥ ኣነ ኣባኺ እየ፤ ይብል ኣቦና፤ ንስኺ፥ ‘መን እዩ ናባና ዝወርድ? ናብ ማሕደርና ኸ መን እዩ ዝኣቱ?’ እትብሊ ኢኺ። a a v13 ኢየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ እቲ ኸቢብዋ ዝነበረ ለሰታት፥ ኣብ ልዑል ጎቦ ተቐሚጣ ነበረት፤ እዙይ ድማ ነቶም ህዝባ እታ ኸተማ ዘይትስዐር ምዃና ናይ ሓሶት ምትእምማን ሃቦም። ከምቲ ግብርኹም ዝግብኦ ኽቐፅዐኩም እየ፥ ይብል ኣቦና። ኣብ ዱራ ድማ ሓዊ ከንድድ እየ፤ ነቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ዅሉ ኸዓ ክበልዕ እዩ።”