ንፅጉማት ዝዘምቱ ሕግጋት
ኣሶር እታ ኣብ ኢድ ኣቦና ዘላ በትሪ እያ፥ ንሱ ግና ኣይፈልጦን — ከምታ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝገብር ዘለዋ ዝምካሕ ማሕፀ — ስለዙይ ትዕቢት እቲ ኣቕሓ ድማ ይፍረድ። ጒዕዞ እቲ ወራሪ ኸተማ ብኸተማ ይስኣል፥ ክሳዕ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ኢዱ ዘወዛውዝ።
10 1ወይለኦም ነቶም ዓመፀኛ ሕግጋት ዝገብሩ፥ ነቶም ጨቋኒ ሕጊ ዝፅሕፉ ፀሓፍቲ፥ 2ንድኻታት ፍርዶም ንምኽልካል፥ ነቶም ኣብ ህዝበይ ዘለዉ ፅጉማት መሰሎም ንምዝማት፥ ንመበለታት ምርኮኦም ንደኽታማትውን ግዳዮም ይገብሩ። 3በታ መዓልቲ መቕሰፍቲ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፥ እቲ ጥፍኣት ካብ ርሑቕ ክመፅእ እንተሎ? ንረዳኤት ናብ መን ክትሃድሙ ኢኹም? ሃብትኹምከ ኣበይ ክትገድፉ ኢኹም? 4ኣብ ማእኸል ምሩኻት ካብ ምድናን፥ ወይ ኣብ ማእኸል ቅቱላት ካብ ምውዳቕ ሓሊፉ ዝተርፍ የለን። ምስ እዙይ ኵሉ ግና ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱ ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
ኣሶር፥ እታ ኣብ ኢዱ ዘላ በትሪ
5“ወይለኣ ንኣሶር፥ በትሪ ቍጥዓይ፥ እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዘንጊ ነድረይ! 6ናብ ዓመፀኛ ህዝቢ እሰዶ፤ ናብ ህዝቢ ቍጥዓይ፥ ምርኮ ንኽማርኽ ዘመተውን ንኽወስድ እእዝዞ፥ ከም ጭቃ መንገዲ ኸዓ ንኽረግፆም።”
7ንሱ ግና ከምዙይ ኣይሓስብን፤ ልቡ ኸዓ ከምዙይ ኣይሓስብን። ሓሳቡ ንምጥፋእ፥ ህዝቢ ድሕሪ ህዝቢ ንምቍራፅ እዩ። 8ንሱ ኸዓ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኵሎም ሓለቓታተይ ነገስታት ደዮም? 9ካልኖዶ ኸም ካርከሚሽ ኣይኮነትን? ሓማትዶ ኸም ኣርጳድ ኣይኮነትን? ሰማርያዶ ኸም ደማስቆ ኣይኮነትን? 10ከምቲ ኢደይ ንመንግስታት ጣኦታት ዝሓዘት፥ ቅርፂ ምስልታተን ከዓ ኻብ ናይ ኢየሩሳሌምን ሰማርያን ዝበለፀ ነበረ፤ 11ከምቲ ንሰማርያን ንጣኦታታን ዝገበርኩ፥ ንኢየሩሳሌምን ንምስልታታን ኣይገብረንዶ?”
12እቲ ልዑል ኣቦ ኣብ እምባ ፅዮንን ኢየሩሳሌምን ዘለዎ ኵሉ ግብሩ ምስ ወድአ፥ ነቲ ፍረ ትዕቢተኛ ልቢ ንጉስ ኣሶርን ነቲ ዕቡይ ትዕቢት ዓይኑን ክቐፅዖ እየ።
13ንሱ ኸዓ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብሓይሊ ኢደይ እዙይ ገይረ፥ ብጥበበይውን፥ ኣስተውዓልኩ እሞ፤ ዶባት ኣህዛብ ኣልዓልኩ፥ መዛግብቶም ድማ ዘመትኩ፤ ነቶም ኣብ ዙፋን ዝተቐመጡ ኸም ሓያል ኣውረድኩዎም። 14ኢደይ ከም ናብ እንዳ ዒፍ ናብ ሃብቲ ኣህዛብ በፅሐት፤ ከምቲ ሰብ ዝተሓደገ እንቍላሊሕ ዝእክብ፥ ንብምሉኣ ምድሪ ኣከብክዋ። ክንፊ ዘንቀሳቐሰ፥ ወይ ኣፉ ኸፊቱ ዝጭውጭወ ሓደ እኳ ኣይነበረን። 15ማሕፀዶ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝሰብረሉ ሰብ ርእሱ የልዕል? መጋዝዶ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝጥቀመሉ ይምካሕ? በትሪ ነቲ ዘልዕሎ ኸም ዘንቀሳቕሶ፥ ዘንጊ ኸዓ ነቲ ዕንፀይቲ ዘይኮነ ኸም ዘልዕሎ ኮይኑ!” 16ስለዙይ እቲ ልዑል ኣቦ፥ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ዘማስን ሕማም ክሰድድ እዩ ኣብ ማእኸል ሓያላት ተዋጋእቱ፤ ኣብ ትሕቲ ኽብሩ ኸዓ ሓዊ ኸም ዝነድድ ሃልሃልታ ክውላዕ እዩ። 17ብርሃን እስራኤል ሓዊ ክኸውን እዩ፥ እቲ ቅዱስና ድማ ሃልሃልታ፤ ብሓንቲ መዓልቲ ኸዓ ንእሾዅን ተዀርባኡን ኣንዲዱ ክበልዖ እዩ። 18ክብሪ ዱሩን ፍርያም ግራቱን፥ ነፍስን ስጋን ኣቦና ከጥፍኦ እዩ፤ ከምቲ ሕሙም ሰብ ዝመክኽ ከዓ ክኸውን እዩ። 19እቶም ዝተረፉ ኣእዋም ዱሩ የመና ውሑዳት ክኾኑ እዮም፥ ክሳዕ ቈልዓ ክቘፅሮም ዝኽእል።
ከም ብሓድሽ ናብ ኣቦና ምፅጋዕ
20በታ መዓልቲ እቲኣ ተረፍ እስራኤልን ዝደሓኑ ቤት ያእቆብን ኣብ ልዕሊ እቲ ዝወቕዖም ደጊም ኣይፅግዑን፤ ናብ ኣቦና፥ ናብ እቲ ቅዱስ እስራኤል፥ ብሓቂ ደኣ ይፅግዑ እምበር። 21ተረፍ ክምለስ እዩ፥ እቲ ተረፍ ያእቆብ ናብ እቲ ሓያል ኣምላኽ ክምለስ እዩ። 22ህዝብኻ እስራኤል ከም ሑፃ ባሕሪ እኳ እንተ ኾኑ፥ ተረፎም ጥራሕ ክምለስ እዩ። ጥፍኣት ተወሲኑ ኣሎ፤ ብፅድቂ ከዓ ዝተመልአ እዩ። 23እቲ ልዑል ኣቦ፥ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ነቲ ዝተወሰነ ጥፍኣት ኣብ ኵላ ምድሪ ክፍፅም እዩ እሞ።
24ስለዙይ እቲ ልዑል ኣቦ፥ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ፅዮን እትነብሩ ህዝበይ፥ ከምቲ ግብፂ ዝገበሮ ብበትሪ ዝወቕዓኩምን ምርኵሱ ኣብ ልዕሌኹም ዘልዕልን ካብ ዝኾነ ኣሶር ኣይትፍርሑ። 25ድሕሪ ኣዝዩ ቍሩብ እዋን ነድረይ ክውዳእ እዩ፤ ቍጥዓይ ከዓ ናብ ጥፍኣቶም ክቕየር እዩ።” 26ኣቦ ሰራዊት ሰማይ መግረፊ ከልዕለሎም እዩ፥ ከምቲ ኣብ ኰዅሒ ሔሬብ ንምድያም ዝወቕዐ፤ ነቲ ምርኵሱ ከዓ ከምቲ ኣብ ግብፂ ዝገበሮ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ከልዕል እዩ። a a v26 ኰዅሒ ሔሬብ እታ ሰራዊት ጌዴዎን ንሹመኛታት ምድያም ዝቐተሉላ ቦታ እያ ነይራ (መሳፍንቲ 7፥25)። 27በታ መዓልቲ እቲኣ ፆሮም ካብ ማእገርካ ክልዓል እዩ፥ ኣርዑቶም ከዓ ካብ ክሳድካ፤ እቲ ኣርዑት ክስበር እዩ።
28ናብ ዓያት ይመፅእ፥ ብመጌዶል ይሓልፍ፥ ኣብ ሚክማስ ኣቑሑ የቐምጥ። 29ነቲ መሳገሪ ይሳገሩ፦ “ኣብ ጌባ ክንሰፍር ኢና።” ራማ ትርዕድ ኣላ፤ ጊብዓ ሳኦል ትሃድም ኣላ። 30ኣቲ ጓል ጋሊም፥ ዓው ኢልኪ ኣእውዪ! ኣቲ ላይሻ፥ ስምዒ! ኣቲ ምስኪን ኣናቶት! 31ማድሜና ትሃድም ኣላ፤ ሰብ ጌቢም ተሓቢኦም ኣለዉ። 32ልክዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኖብ ደው ይብል፥ ኢዱ ናብ እምባ ጓል ፅዮን፥ ናብ ኰረብታ ኢየሩሳሌም እናወዝወዘ። 33እንሆ እቲ ልዑል ኣቦ፥ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ነቲ ጨናፍር ብዘፍርሕ ሓይሊ ክቘርፅ እዩ፤ እቶም ነዋሕቲ ኣእዋም ክወድቁ፥ እቶም ልዑላትውን ክዋረዱ እዮም። 34ነቲ ጥቕቕ ዝበለ ዱር ብማሕፀ ክቘርፆ እዩ፥ ሊባኖስ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ግሩም ክወድቕ እዩ።