ስርቅን ካሕሳን
ብዛዕባ ስርቅን ካሕሳን ዝተለቅሐ እንስሳን ምጥባርን ዝተውሃበ ፍርድታት፥ ድሕሪኡ ኸዓ ምልዋጥ ዘረባ፦ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ንስደተኛ ኣይትግፍዕዎ። ንመበለት ወይ ንዘኽታም ኣይተበሳብሱ፤ እንተ ኣእወዩ፥ ኣቦና ይሰምዕ። ክዳን ድኻ ቅድሚ ፀሓይ ምዕራብ መልሶ፥ ብእኡ ይድቅስ እዩ እሞ።
22 1“ሓደ ሰብ ብዕራይ ወይ በጊዕ ሰሪቑ እንተ ሓረዶ ወይ እንተ ሸጦ፥ ክንዲ እቲ ብዕራይ ሓሙሽተ ኣላሕም፥ ክንዲ እቲ በጊዕ ድማ ኣርባዕተ ኣባጊዕ ይኽሓስ። 2ሰራቒ ገዛ ክሰብር እንተ ተረኽበ እሞ ተወቒዑ እንተ ሞተ፥ ዕዳ ደም የብሉን። 3ፀሓይ ኣብ ልዕሊኡ እንተ ወፂኣ ግና፥ ዕዳ ደም ኣለዎ። ክኸሓስ ድማ ኣለዎ፤ ዝኸፍሎ እንተ ዘይብሉ ኸዓ፥ ስለ እቲ ዝሰረቖ ይሽጥ። 4እቲ ዝተሰርቐ እንስሳ፥ ብዕራይ ኮነ ኣድጊ ወይ በጊዕ፥ ብህይወቱ ኣብ ኢዱ እንተ ተረኺቡ፥ ዕፅፊ ይኽሓስ።
5“ሓደ ሰብ እንስሳኡ ለቒቑ ኣብ ግራት ወይ ኣብ ወይኒ ካልእ ሰብ እንተ ኣብለዐ፥ ካብ ብሉፅ ግራቱ፥ ከምኡ ኸዓ ካብ ብሉፅ ወይኑ ይኽሓስ።
6“ሓዊ ተላቢዑ ኣብ እሾዅ እንተ ለኸፈ እሞ፥ ኵልሳሳት ወይ ዘይዕፁድ እኽሊ ወይ እታ ግራት እንተ ነደደ፥ እቲ ነቲ ሓዊ ዘንደዶ ምሉእ ብምሉእ ይኽሓስ።
7“ሓደ ሰብ ንብፃዩ ብሩር ወይ ኣቑሑ ክሕልዎ እንተ ሃቦ እሞ፥ ካብ ቤት እቲ ሰብ እንተ ተሰርቀ፥ እቲ ሰራቒ እንተ ተረኺቡ ዕፅፊ ይኽሓስ። 8እቲ ሰራቒ እንተ ዘይተረኺቡ ግና፥ እቲ በዓል ቤት ኣቑሑ ብፃዩ ወሲዱ እንተ ኾይኑ ንምፍላጥ፥ ናብ ኣቦና ይቕረብ። 9ብዛዕባ ዝኾነ ክርክር፥ ብዛዕባ ብዕራይ ወይ ኣድጊ ወይ በጊዕ ወይ ክዳን ወይ ዝጠፍአ ነገር፥ ‘ናተይ እዩ’ እንተ ተባሂሉ፥ ነገር ክልቲኦም ናብ ኣቦና ይቕረብ፤ እቲ ኣቦና ዝዅንኖ ኸዓ ንብፃዩ ዕፅፊ ይኽሓስ።
10“ሓደ ሰብ ንብፃዩ ብዕራይ፥ ኣድጊ፥ በጊዕ ወይ ካልእ ዝኾነ እንስሳ ክሕሉ እንተ ሃቦ እሞ፥ እቲ እንስሳ እንተ ሞተ ወይ እንተ ተጐድአ ወይ ሰብ እንተይረአየ እንተ ተወሰደ፥ 11ኣብ መንጎ ክልቲኦም ብቕድመይ ይምሕሉ፦ እቲ ሓላዊ ኣብ ኣቑሑ ብፃዩ ኢዱ ኣይዘርግሐን። እቲ ዋና ድማ ይቀበሎ፤ ካሕሳ ኸዓ የብሉን። 12ካብኡ ብሓቂ እንተ ተሰርቐ ግና፥ ንዋናኡ ይኽሓሶ። 13ኣራዊት ዝሰላልዖ እንተ ኾይኑ ግና፥ ንምስክር ኣምፂኡ የርእዮ፤ ነቲ ኣራዊት ዝሰላልዖ እንስሳ ኸዓ ኣይኽሓስን።
14“ሓደ ሰብ ካብ ብፃዩ እንስሳ እንተ ተለቅሐ እሞ፥ ዋናኡ ኣብ ዘይብሉ እንተ ተጐድአ ወይ እንተ ሞተ፥ ምሉእ ካሕሳ ይኽሓስ። 15ዋናኡ ምስኡ እንተ ነይሩ ግና፥ ኣይኽሓስን፤ እቲ እንስሳ ብክራይ እንተ ተወሲዱ ነይሩ፥ እቲ ክራዩ ካሕሳኡ ይኸውን።
ክብሪ ሓንቲ መንእሰይ ጓል
16“ሓደ ሰብ ዘይተሓፅየት ድንግል ኣታሊሉ ምስኣ እንተ ደቀሰ፥ ገዝሚ ኸፊሉ ይምርዓዋ። a a v16 ገዝሚ፥ በቲ መርዓ ዝግበረሉ ጊዜ ንኣቦ መርዓት ዝኽፈል ልሙድ ክፍሊት እዩ። 17ኣቦኣ ንእኡ ኽህባ ፈፂሙ እንተ ኣበየ ግና፥ ክንዲ ገዝሚ ደናግል ዝኣክል ብሩር ይምዘን።
18“ንጠንቋሊት ብህይወት ኣይተትርፋ።
19“ምስ እንስሳ ዝድቅስ ኵሉ ብርግፅ ይቀተል።
20“ብዘይ ንኣይ በይነይ፥ ንኻልእ ኣምላኽ ዝስውእ፥ ፈፂሙ ይጥፋእ።
21“ንስደተኛ ኣይትበድልዎ ወይ ኣይትግፍዕዎ፤ ንስኻትኩም ኣብ ምድሪ ግብፂ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ።
22“ንዝኾነት መበለት ወይ ንዝኾነ ደኽታም ኣይትግፍዑ። 23እንተ ገፋዕኹሞም እሞ ናባይ እንተ ጠርዑ ግና፥ ኣውያቶም ብርግፅ ክሰምዕ እየ። 24ቍጥዓይ ክነድድ እዩ፤ ብሰይፊ ኸዓ ክቐትለኩም እየ፤ ኣንስትኹም መበለታት፥ ደቅኹም ድማ ደኽታማት ክኾኑ እዮም።
25“ነቲ ኣብ ማእኸልኩም ዘሎ ድኻ፥ ነቲ ህዝበይ ገንዘብ እንተ ኣለቃሕኹሞ፥ ከም መለቅሒ ኣይትኹኑ፤ ሃረፃ ኸዓ ኣይትውሰዱ። 26ክዳን ብፃይኩም ብትሕጃ እንተ ወሰድኩም፥ ፀሓይ ከይዓረበት ናብኡ ምለስዎ፤ 27ንሱ ንሰብነቱ ዝኸውን እንኮ ክዳኑ እዩ እሞ። ብምንታይ ደኣ ኽድቅስ እዩ? ናባይ ምስ ጠርዐ ኸዓ ክሰምዖ እየ፤ ኣነ መሓሪ እየ እሞ።
28“ንኣቦና ኣይትፅርፍዎ፤ ንሹም ህዝብኻ ድማ ኣይትረግሞ።
29“ምልኣት እኽልኻ፥ ከምኡ ኸዓ ፅሟቕካ ንምሃብ ኣይትደናጐ፤ በዅሪ ኣወዳትካ ንኣይ ሃበኒ። 30ከምኡ ኸዓ ንብዕራይካን ንበጊዕካን ግበር፦ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ኣዲኡ ይፀንሕ፤ በታ ሻሙነይቲ መዓልቲ ኸዓ ንኣይ ሃበኒ።
31“ንኣይ ቅዱሳት ህዝቢ ኹኑ። ኣብ መሮር ኣራዊት ዝሰላልዖ ስጋ ኣይትብልዑ፤ ነኽላባት ደርቢይዎ።”