ብሕትመት ይርከብ

ግብሪ ሃዋርያት 4 FHB Father's Heart Bible™

ኣብ ቀዳማይ ትእዛዝኩም 15% ቅናሽ →
መፅሓፍ

ብዛዕባ ትንሳኤ ስለ ዝሰበኹ ተኣሰሩ

ጴጥሮስን ዮሃንስን፥ ኣቦና ንሓደ ምዉት ከም ዘተስኦ ስለ ዝበሉ፥ ሓደ ለይቲ ኣብ ማእሰርቲ ሓደሩ። በቲ ናይ ሊቀ ካህናት ባይቶ ተጠይቖም፥ ናብቲ ኣብኡ ደው ኢሉ ዘሎ ዝሓወየ ሰብ ኣመልከቱ። ኣቋርፁ ተባሂሎም ግና ኣበዩ፥ ናብ ገዛ ኸይዶም ፀለዩ፥ እቲ ቦታ ድማ ተናወፀ።

ምዕራፍ 4።

ጴጥሮስን ዮሃንስን ነቶም ህዝቢ ክዛረቡ እንተለዉ፥ እቶም ካህናትን ሓለቓ ቤተ መቕደስን ሰዱቃውያንን ናባታቶም መፁ፥ ነቶም ህዝቢ ስለ ዝምህሩን፥ ብኢየሱስ ድማ ትንሳኤ ካብ ምዉታን ስለ ዝሰበኹን፥ የመና ተቘጢዖም ነበሩ። ምሸት ኮይኑ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ሒዞም ክሳዕ ንፅባሒቱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም። ካብቶም እቲ ቃል ዝሰምዑ ግና ብዙሓት ኣመኑ፤ ቑፅሪ እቶም ሰብኡት ድማ ኣስታት ሓሙሽተ ሺሕ በፅሐ።

ንፅባሒቱ ድማ ገዛእቶምን ዓበይቶምን መምህራን ሕግን ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣከቡ፥ ሃና ሊቀ ካህናት፥ ቀያፋ፥ ዮሃንስ፥ እስክንድሮስ፥ ምስቶም ካብ ዓሌት ሊቀ ካህናት ዝነበሩ ዅሎም ከዓ ኣብኡ ነበሩ። a a v6 ሃና ቅድሚ ብዙሕ ዓመት ሊቀ ካህናት ኮይኑ ኣገልጊሉ ነበረ፤ ክሳዕ ሕዚውን ዓብዪ ፅልዋ ነበሮ፤ ቀያፋ ኸዓ እቲ ናይ ሽዑ ወግዓዊ ሊቀ ካህናት ነበረ። ኣብ ማእኸል ኣቘሞም እሞ፥ “በየናይ ሓይሊ ወይ በየናይ ስም ነዙይ ገበርኩምዎ?” ኢሎም ጠየቕዎም።

ሽዑ ጴጥሮስ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ገዛእቲ ህዝብን ዓበይትን፥ ሎሚ ብዛዕባ እቲ ንሓደ ሕሙም ሰብ ዝተገበረ ሰናይ ተግባር፥ ከመይ ከም ዝሓወየ እንተ ተጠየቕና፥ ኵላትኩምን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን እዙይ ፍለጡ፦ በቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ፥ ኣቦና ኸዓ ካብ ምዉታን ዘተስኦ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ክርስቶስ ስም፥ ብእኡ እዝ ሰብኣይ እዙይ ጥዑይ ኮይኑ ኣብ ቅድሜኹም ቆይሙ ኣሎ። እዝ ኢየሱስ እዙይ፥ “እታ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዓቕኩምዋ፥ ርእሲ መኣዝን ዝኾነት እምኒ” እዩ። b b v11 ካብ መዝሙር 118፥22 ዝተወስደ ጥቅሲ። ምድሓን ብኻልእ ሓደኳ የለን፤ ንሕና ኽንድሕነሉ ዝግባእ፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ኣብ ማእኸል ሰባት ዝተውሃበ ኻልእ ስም የለን።”

ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረአዩ፥ ዘይተማህሩን ተራ ሰባትን ምዃኖም ምስ ፈለጡ ኸዓ ተገረሙ፤ ምስ ኢየሱስ ከም ዝነበሩን ኣለልዩ። ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ምሳታቶም ደው ኢሉ ምስ ረአዩ፥ ዝብልዎ ኣይረኸቡን። ስለዙይ ካብ ባይቶ ክወፁ ኣዘዝዎም እሞ፥ ሽዑ ንሕድሕዶም ተዘራረቡ፥ ከምዙይ ድማ በሉ፦ “ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ንግበሮ? ፍሉጥ ምልክት ብኣኣቶም ተገይሩ እዩ፤ ንኵሎም እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ድማ ግልፅ እዩ፤ ክንክሕዶ ኸዓ ኣይንኽእልን። ግና እዙይ ኣብ ማእኸል ህዝቢ መሊሱ ኸይሰፍሕ፥ ደጊሞም በዝ ስም እዙይ ንሓደኳ ኸይዛረቡ ነጠንቅቖም።” ፀዊዖም ድማ፥ ፈፂሞም ብስም ኢየሱስ ከይዛረቡን ከይምህሩን ኣዘዝዎም። ጴጥሮስን ዮሃንስን ከዓ ኸምዙይ ኢሎም መለሱሎም፦ “ካብኡ ንላዕሊ ንኣኻትኩም ምስማዕ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ቅኑዕ እንተ ኾይኑ፥ ባዕልኹም ፍረዱ። ንሕና ነቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮ ካብ ምዝራብ ክንቃጠብ ኣይንኽእልን ኢና እሞ።”

መሊሶም ምስ ኣፈራርሕዎም፥ ብምኽንያት እቲ ህዝቢ ዝቐፅዑሉ መንገዲ ስለ ዝሰኣኑ፥ ፈትሑዎም፤ ዅሉ ሰብ ብዛዕባ እቲ ዝተፈፀመ ነገር ንኣቦና የኽብር ነበረ እሞ። እቲ እዝ ናይ ምሕዋይ ምልክት እዙይ ዝተገበረሉ ሰብኣይ፥ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ዝገበረ ነበረ እሞ።

እታ ስድራ ብሓባር ፀለየት

ምስ ተፈትሑ ድማ፥ ናብ ገዛእ ሰቦም ከዱ፤ እቶም ሊቃነ ካህናትን ዓበይትን ዝበልዎ ዅሉ ኸዓ ነገርዎም። እዙይ ምስ ሰምዑ ድማ፥ ብሓባር ናብ ኣቦና ድምፆም ዓው ኣቢሎም ከምዙይ በሉ፦ “ኦ ልዑል ኣቦ፥ ንስኻ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኵሉ እቲ ኣብኣቶም ዘሎን ዝገበርካ ኢኻ። ንስኻ ብመንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ኣቦና ዳዊት ባርያኻ ከምዙይ ኢልካ ተዛሪብካ ኢኻ፦ ‘ኣህዛብ ንምንታይ ተቘጥዑ? ህዝብታት ንምንታይ ከንቱ ነገር ሓሰቡ? ነገስታት ምድሪ ተላዓሉ፤ ገዛእትውን ኣብ ልዕሊ ኣቦናን ኣብ ልዕሊ መሲሑን ብሓባር ተኣከቡ።’

ብሓቂ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ፥ ሄሮድስን ጶንጥዮስ ጲላጦስን ምስ ኣህዛብን ህዝብታት እስራኤልን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ንስኻ ዝቐባእካዮ ቅዱስ ባርያኻ ኢየሱስ፥ ተኣከቡ፥ ኢድካን ምኽርኻን ኣቐዲሞም ክኸውን ኢሎም ዝወሰንዎ ዅሉ ምእንቲ ክገብሩ። ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ኣቦ፥ ነቲ ምፍርራሖም ተመልከት፤ ባሮትካ ድማ ቃልካ ብዅሉ ትብዓት ክዛረቡ ሃቦም፤ ንምሕዋይ ኢድካ እናዘርጋሕካ፥ ምልክታትን ተኣምራትን ድማ ብስም ቅዱስ ባርያኻ ኢየሱስ ክኾኑ።”

ምስ ፀለዩ ድማ፥ እቲ ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ ቦታ ተናወፀ፤ ኵላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ፥ ቃል ኣቦና ብትብዓት ተዛረቡ።

ሓደ ልቢ፥ ሓደ ስድራ

እቶም ኣመንቲ ዅላቶም፥ ሓደ ልብን ሓደ ነፍስን ነበሩ፤ ሓደኳ ኻብ ጥሪቱ ናተይ እዩ ዝብል ኣይነበረን፤ ኵሉ ነገር ደኣ ናይ ሓባር ነበሮም እምበር። እቶም ሃዋርያት ድማ ብዓብዪ ሓይሊ፥ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታ ኢየሱስ መስከሩ፤ ኣብ ኵላቶም ከዓ ዓብዪ ፀጋ ነበረ። ኣብ ማእኸሎም ድኻ ሓደኳ ኣይነበረን፤ መሬት ወይ ኣባይቲ ዝነበሮም ዅሎም፥ ሸይጦም፥ ዋጋ እቲ ዝሸጥዎ ኣምፅኡ፥ ኣብ እግሪ እቶም ሃዋርያት ድማ ኣንበርዎ፤ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ዘድልዮ ኸዓ ተመቐለ።

ዮሴፍ ዝበሃል ሓደ ኻብ ቆጵሮስ ዝመፀ ሌዋዊ፥ እቶም ሃዋርያት በርናባስ ዝበልዎ፥ (ትርጕሙ ወዲ ምፅንናዕ ማለት እዩ)፥ ሓደ ዝነበሮ ግራት ሸይጡ፥ ነቲ ገንዘብ ኣምፂኡ፥ ኣብ እግሪ እቶም ሃዋርያት ኣንበሮ።