ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ፂቅላግ ተወረረት ቤተሰብ ድማ ተማረኸ

ዳዊት ተቓፂላ ናብ ዘላ ፂቅላግ ተመሊሱ፥ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ኸዓ ተማሪኾም፤ ሰባቱ ድማ ብእምኒ ኽቕጥቅጥዎ ተዛረቡ፤ ንሱ ግና ብኣቦና ርእሱ ኣበርትዐ። ሓደ ብጥሜት ዝነበረ ግብፃዊ ባርያ ኸዓ ናብቶም ወረርቲ መርሖ። ኵሉ ተመልሰ፤ እቶም ዝደኸሙ ኣብ ድሕሪት ዝተረፉ ሰባት ድማ ማዕረ ተማቐሉ።

ምዕራፍ 30።

ዳዊትን ሰባቱን ድማ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ፂቅላግ በፅሑ፤ ኣማሌቃውያን ከዓ ንደቡብን ንፂቅላግን ወሪሮም፥ ንፂቅላግ ወቒዖም ብሓዊ ኣንደድዋ፤ ነተን ኣንስትን ኣብኡ ዝነበሩ ዅሎም ንኣሽቱን ዓበይትን ማረኹ፤ ሓደ እኳ ኣይቀተሉን፥ ወሲዶም ድማ መንገዶም ከዱ። ዳዊትን ሰባቱን ናብታ ኸተማ ምስ በፅሑ፥ እንሆ፥ ብሓዊ ተቓፂላ ነበረት፤ ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከዓ ተማሪኾም ነበሩ። ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝብን ድማ ቃሎም ዓው ኣቢሎም በኸዩ፥ ንምብካይ ሓይሊ ክሳዕ ዝሳኣኑ በኸዩ። ኣኪናሆም በዓልቲ ኢይዝራኤልን ኣቢግያ መበለት ናባል በዓል ቀርሜሎስን ዝኾና ክልቲአን ኣንስቲ ዳዊትውን ተማሪኸን ነበራ። ዳዊት ድማ የመና ተጨነቐ፤ ነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ ኣወዳቱን ኣዋልዱን ነፍሱ ስለ ዝተመረረት፥ እቶም ህዝቢ ብእምኒ ኽቕጥቅጥዎ ተዛረቡ፤ ዳዊት ግና ብኣቦና ርእሱ ኣበርትዐ።

ዳዊት ድማ ንኣብያታር ካህን ወዲ ኣሒሜሌክ “ነቲ ኤፎድ ኣምፅአለይ” በሎ። ኣብያታር ከዓ ነቲ ኤፎድ ናብ ዳዊት ኣምፅኦ።

ዳዊት ድማ ንኣቦና “ነዞም ወረርቲ እዚኣቶም ክስዕቦምዶ? ክረክቦምዶ?” ኢሉ ሓተተ። ንሱ ኸዓ “ስዓቦም፤ ብርግፅ ክትረኽቦም፥ ንዅሉ ኸዓ ከተድሕን ኢኻ” በሎ።

ስለዙይ ዳዊትን እቶም ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባቱን ናብ ሩባ ቤሶር መፁ፤ ኣብኡ ኸዓ ገሊኦም ተረፉ። ዳዊት ድማ ምስ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰባት ሰዓበ፤ ክልተ ሚእቲ ኸዓ ንሩባ ቤሶር ክሰግሩ ስለ ዝደኸሙ ተረፉ። ኣብ መሮር ከዓ ሓደ ግብፃዊ ረኸቡ፤ ናብ ዳዊት ኣምፅእዎ፤ እንጀራን ማይን ድማ ሃብዎ። ሓደ ቍራስ ጎጎ በለስን ክልተ ዘለላ ዘቢብን ድማ ሃብዎ። በሊዑ ኸዓ ሓይሉ ተመልሰሉ፤ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን እንጀራ ኣይበልዐን፥ ማይውን ኣይሰተየን ነይሩ። ዳዊት ድማ “ናይ መን ኢኻ? ካበይከ ኢኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ኣነ መንእሰይ ግብፃዊ፥ ባርያ ሓደ ኣማሌቃዊ እየ። ኣነ ስለ ዝሓመምኩ፥ ጐይታይ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ሓደገኒ።

ንሕና ንደቡብ ኪሬታውያንን ንምድሪ ይሁዳን ንደቡብ ካሌብን ወረርና፤ ንፂቅላግ ከዓ ብሓዊ ኣንደድናያ” በለ።

ዳዊት ድማ “ናብዛ ጭፍራ ወረርቲ እዚኣ ተውርደኒዶ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ከም ዘይትቐትለንን ናብ ጐይታይ ከም ዘይተሕልፈንን በእግዚኣብሄር ምሓለለይ፥ ኣነ ድማ ናባቶም ከውርደካ እየ” በለ።

እቲ ግብፃዊ ድማ ንዳዊት ኣውረዶ፤ እንሆ ኸዓ፥ በቲ ኻብ ምድሪ ፍልስጥኤምን ምድሪ ይሁዳን ዝወሰድዎ ብዙሕ ምርኮ እናተሓጐሱ፥ እናበልዑ እናሰተዩን፥ ኣብ ኵሉ እታ ምድሪ ፋሕ ኢሎም ነበሩ። ዳዊት ድማ ካብ ምሸት ክሳዕ ናይ ፅባሒቱ ምሸት ወቕዖም፤ ኣብ ኣግማል ተወጢሖም ዝሃደሙ ኣርባዕተ ሚእቲ መንእሰይ ጥራሕ እዮም ዘምለጡ። ዳዊት ድማ ኵሉ እቲ ኣማሌቃውያን ዝወሰድዎ ኣምለሶ፤ ክልቲአን ኣንስቱውን ኣድሓነን። ካብ ንእሽቶ ክሳዕ ዓብዪ፥ ኣወዳት ኮነ ኣዋልድ፥ ምርኮ ኾነ ዝተወስደ ዝኾነ ነገር፥ ሓደ እኳ ኣይጐደሎምን፤ ዳዊት ንዅሉ ኣምለሶ። ዳዊት ድማ ኵሉ ኣባጊዕን ኣሓን ወሰደ፤ ሰቡ ኸዓ “እዝ ናይ ዳዊት ምርኮ እዩ” እናበሉ፥ ቀቅድሚ እቲ ኻልእ እንስሳ ነድድዎ።

ዳዊት ድማ ናብቶም ደድሕሪኡ ኽኸዱ ስለ ዝደኸሙ ኣብ ሩባ ቤሶር ዝተረፉ ክልተ ሚእቲ ሰባት መፀ፤ ንሳቶም ከዓ ንዳዊትን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝብን ክቕበልዎም ወፁ፤ ዳዊትውን ተቓሪቡ ደሓን ምህላዎም ጠየቖም። ካብቶም ምስ ዳዊት ዝኸዱ ዅሎም እቶም እኩያትን ከንቱን ሰባት ግና “ምሳና ስለ ዘይከዱ፥ ካብቲ ዘምለስናዮ ምርኮ ዋላ ሓደ ኣይንህቦምን፤ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ሰበይቱን ደቁን ጥራሕ ይውሰድ እሞ ይኺድ” በሉ።

ዳዊት ግና ከምዙይ በለ፦ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ በቲ ኣቦና ዝሃበና ኸምዙይ ኣይትግበሩ። ንሱ ሓለወና፤ ነቶም ናባና ዝመፁ ወረርቲ ኸዓ ኣብ ኢድና ሃበና። በዙይ መን እዩ ዝሰምዓኩም? እቲ ናብ ውግእ ዝወፍርን እቲ ምስ ኣቑሑ ዝተርፍን ማዕረ እዩ ዝማቐሉ።” ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ኸዓ፥ ዳዊት እዙይ ንእስራኤል ሕግን ፍርድን ጌሩ ኣቖሞ፤ ክሳዕ ሎሚ ድማ ፀኒሑ ኣሎ።

ዳዊት ድማ ናብ ፂቅላግ ምስ በፅሐ፥ ካብቲ ምርኮ ናብ ዓበይቲ ይሁዳ፥ ናብ ኣዕርኽቱ ለኣኸ፤ “እንሆ ኻብ ምርኮ ፀላእቲ ኣቦና ንኣኻትኩም ህያብ” ኢሉ ለኣኸ። ናብቶም ኣብ ቤትኤል፥ ናብቶም ኣብ ራሞት ደቡብ፥ ናብቶም ኣብ የቲር ዘለዉ ለኣኸ፤ ናብቶም ኣብ ዓሮዔር፥ ናብቶም ኣብ ሲፍሞት፥ ናብቶም ኣብ ኤሽትሞዓ ዘለዉ፤ ናብቶም ኣብ ራካል፥ ናብቶም ኣብ ከተማታት የራሕምኤላውያን፥ ኣብ ከተማታት ቄናውያን ዘለዉ፤ ናብቶም ኣብ ሔርማ፥ ናብቶም ኣብ ቦርዓሻን፥ ናብቶም ኣብ ዓታክ ዘለዉ፤ ናብቶም ኣብ ኬብሮንን ናብ ኵለን እተን ዳዊትን ሰባቱን ዝዛወሩ ዝነበሩ ቦታታት ዘለዉ ለኣኸ።