ሳኦልን ደቁን ኣብ ውግእ ወደቑ
እቲ ኣብ ጊልቦዓ ዝነበረ ውግእ በርትዐ። ዮናታንን ኣሕዋቱን ተቐትሉ፤ ሳኦል ብቀስተኛታት ተቘሰለ፤ ኣፅዋሩ ዝስከም ከዓ ኽውግኦ ኣበየ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ሰይፉ ባዕሉ ወደቐ። ፍልስጥኤማውያን ንሬሳኡ ብሽንካር ኣብ መንደቕ ሰቐልዎ፤ እቶም ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ዝነብሩ ሰባት ከዓ ኣውረድዎ።
31 1ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ተዋግኡ፤ ሰብ እስራኤል ድማ ካብ ቅድሚኦም ሃዲሞም ኣብ እምባ ጊልቦዓ ሞይቶም ወደቑ። 2ፍልስጥኤማውያን ንሳኦልን ንደቁን ኣርከብዎም፤ ፍልስጥኤማውያን ድማ ንዮናታንን ነኣሚናዳብን ሜልኪሳን፥ ደቂ ሳኦል፥ ቀተልዎም። 3እቲ ውግእ ኣብ ልዕሊ ሳኦል ከበዶ። እቶም ቀስተኛታት ድማ ረኸብዎ፤ የመና ድማ ኣቝሰልዎ። 4ሳኦል ድማ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ “ሰይፍኻ መዚዝካ ውግኣኒ፤ እንተ ዘይኮነ እዞም ዘይግሩዛት መፂኦም ይውግኡንን የሳቕዩንን” በሎ። እቲ ኣፅዋሩ ዝስከም ግና ፈሪሑ ኣበየ። ስለዙይ ሳኦል ሰይፉ ወሲዱ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ። 5እቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ ድማ ሳኦል ከም ዝሞተ ምስ ረአየ፥ ንሱውን ኣብ ልዕሊ ሰይፉ ወዲቑ ምስኡ ሞተ። 6ከምዙይ ድማ ሳኦል በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ምስ ሰለስተ ደቁን ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይን ኵሎም ሰቡን ሞተ።
7ሰብ እስራኤል፥ እቶም ብሸነኽ ማዕዶ ለሰን ማዕዶ ዮርዳኖስን ዝነበሩ፥ ሳኦልን ደቁን ከም ዝሞቱ ሰራዊት እስራኤልውን ከም ዝሃደመ ምስ ረአዩ፥ ከተማታቶም ሓዲጎም ሃደሙ። ፍልስጥኤማውያን ድማ መፂኦም ኣብኣተን ተቐመጡ። 8ንፅባሒቱ ኸዓ ፍልስጥኤማውያን ነቶም ምዉታት ክገፍፉ መፂኦም፥ ንሳኦልን ሰለስተ ደቁን ኣብ እምባ ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም። 9ርእሱ ቘሪፆም ኣፅዋሩ ገፈፉ፤ ኣብ ቤት ጣዖታቶምን ኣብ ማእኸል ህዝብን ምእንቲ ክንገር ድማ ናብ ኵላ ፍልስጥኤም ልኡኻት ሰደዱ። 10ኣፅዋሩ ኣብ ቤት ጣዖት ኣስታሮት ኣቐመጥዎ፤ ሬሳኡ ድማ ኣብ መንደቕ ቤትሳን ሰቐልዎ። a a v10 ኣስታሮት ከነዓናዊት ኣምላኽ ኣንስተይቲ ነበረት፤ ኣፅዋር ሳኦል ኣብ ቤት ጣዖታ ምቕማጦም ከዓ፥ ፍልስጥኤማውያን ነቲ ዓወት ንኣማልኽቶም ዝውፍዩሉ መገዲ እዩ ነይሩ።
11እቶም ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ዝነብሩ ድማ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ምስ ሰምዑ፥ 12ኵሎም እቶም ጀጋኑ ሰባቶም ምሉእ ለይቲ ተጓዒዞም፥ ሬሳ ሳኦልን ሬሳታት ደቁን ካብ መንደቕ ቤትሳን ወሲዶም፥ ናብ ኢያቢስ ኣምፂኦም ኣብኡ ኣንደድዎም። 13ኣዕፅምቶም ድማ ወሲዶም ኣብ ኢያቢስ ኣብ ትሕቲ እታ ተምሪ ቐበርዎም፤ ሸውዓተ መዓልቲ ኸዓ ፆሙ።