ኣቦ ንዳዊት ካብ ውግእ የርሕቖ
እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ዳዊት ብድሕሪት ምሳታቶም ክወፅእ ኣበዩ፥ ኣብ ማእኸል ውግእ ናብ ጐይታኡ ናይ ቀደም ሞገስ ክመልስ ኢሉ ኣብ ልዕሊኦም ከይምለስ ጠርጠሩ። ኣንኩስ ብምሉእ ዝኣመኖ ድማ ይቕረታ እናሓተተ ናብ ዓዱ ሰደዶ። ዳዊት ተማጎተ፥ ኣቦና ኸዓ ካብ ውግእ እስራኤል ከልከሎ።
29 1ፍልስጥኤማውያን ኵሉ ሰራዊቶም ኣብ ኣፌቅ ኣከቡ፤ እስራኤል ከዓ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ኢይዝራኤል ዘሎ ዓይኒ ማይ ሰፈሩ። 2እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን በብሚእትን በብሽሕን እናወፁ እንተለዉ፥ ዳዊትን ሰቡን ከዓ ምስ ኣንኩስ ኮይኖም ብድሕሪት ወፁ።
3እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ድማ “እዚኣቶም ዕብራውያን ኣብዙይ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ?” በሉ። ኣንኩስ ከዓ “እዙይ ዳዊት፥ ኣገልጋሊ ሳኦል ንጉስ እስራኤል እዩ። እዝ መዓልቲታት እዚኣ፥ ኣይፋሉን እዝ ዓመታት እዚኣ ምሳይ ፀኒሑ፤ ካብታ ናባይ ዝመፀ መዓልቲ ኣትሒዙ ድማ ክሳዕ ሕዚ ሓንቲ በደል ኣይረኸብኩሉን” በሎም።
4እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ግና ተቘጥዕዎ፤ ከምዙይ ድማ በሉ፦ “ነቲ ሰብኣይ ናብታ ዝሃብካዮ ቦታ መልሶ። ምሳና ናብ ውግእ ኣይእቶ፤ ኣብቲ ውግእ እንተለና ከይቃወመና። ብርእሲ እዞም ሰባትናስ ናብ ጐይታኡ ሞገስ ክመልስዶ ኣይሐይሽን? 5እዙይ እቲ ‘ሳኦል ሺሕ ቐተለ፥ ዳዊት ድማ እልፊ’ ኢለን እናሳዕስዓ ዝደረፋሉ ዳዊትዶ ኣይኮነን?”
6ኣንኩስ ድማ ንዳዊት ፀዊዑ ከምዙይ በሎ፦ “ብህያው እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ቅኑዕ ኢኻ፤ ምሳይ ኣብ ሰፈር ክትወፅእን ክትኣቱን ድማ ባህ ምበለኒ። ካብታ ናባይ ዝመፃእካላ መዓልቲ ኣትሒዙ ክሳዕ ሕዚ ሓንቲ በደል ኣይረኸብኩልካን። እቶም ኣሕሉቕ ግና ባህ ኣይበሎምን። 7ሕዚ ተመሊስካ ብሰላም ኪድ፤ ነቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ዘቕይም ነገር ከይትገብር።”
8ዳዊት ድማ “እንታይ ደኣ ገይረ? ናብ ፀላእቲ ጐይታይ ንጉስ ከይደ ከይዋጋእ፥ ካብታ ናባኻ ዝመፃእኩላ መዓልቲ ኣትሒዝካ ክሳዕ ሕዚ ኣብ ኣገልጋሊኻ እንታይ ረኺብካ?” ኢሉ ተማጎተ።
9ኣንኩስ ድማ ንዳዊት “ንስኻ ኣባይ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር ፅቡቕ ምዃንካ እፈልጥ እየ። ኮይኑ ግና እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ‘ምሳና ናብ ውግእ ኣይደይብ’ ኢሎም። 10ስለዙይ ንስኻን እቶም ምሳኻ ዝመፁ ኣገልገልቲ ጐይታኻን ንግሆ ኣንጊህኹም ተስኡ፤ ኣንጊህኹም ተሲእኹም ድማ ምስ በርሀ ኪዱ።”
11ዳዊትን ሰቡን ድማ ኣጋ ወጋሕታ ናብ ፍልስጥኤም ክምለሱ ኣንጊሆም ተስኡ፤ እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ናብ ኢይዝራኤል ደየቡ።