ዳዊት ኣብ በዓቲ ተዓቝበ
ኣብ ዕዳ፥ ኣብ ፀበባ ወይ ኣብ መረረ ዝነበረ ዅሉ ኣብ በዓቲ ናብ ዳዊት ተኣከበ፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኣይ። ሳኦል ኣብ ትሕቲ ተምሪ ኾፍ ኢሉ ቅርሕንቱ እናዓቀበ፥ ንዶይቅ ነቶም ሰማንያን ሓሙሽተን ካህናት ኣቦናን ንብዘላ ኸተማ ኖብን ከጥፍኦም ገበረ። ሓደ ወዲ ኣምለጠ፥ ዳዊት ድማ ንሞቶም ኣነ ኣምፂአዮ በለ።
22 1ዳዊት ካብኡ ወፂኡ ናብ በዓቲ ዓዱላም ኣምለጠ፤ ኣሕዋቱን ብዘሎ ስድራ ቤት ኣቦኡን ድማ ሰሚዖም ናብኡ ወረዱ። 2ኣብ ፀበባ ዘሎ ዅሉ፥ ዕዳ ዘለዎ ዅሉ፥ ወይ ብመንፈሱ ዝመረረ ዅሉ ናብኡ ተኣከቡ፤ ንሱ ኸዓ ሓለቓኦም ኮነ፤ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኣይ ድማ ነበሩ። 3ዳዊት ካብኡ ናብ ምፅጳ ሞኣብ ከደ፤ ንንጉሳ ኸዓ “በይዛኻ፥ እቲ ኣቦና ንኣይ ዝገብረለይ ክሳዕ ዝፈልጥ፥ ኣቦይን ኣደይን መፂኦም ምሳኻ ይቀመጡ” በሎ። 4ኣብ ቅድሚ ንጉስ ሞኣብ ከዓ ገደፎም፤ ዳዊት ኣብ ዕርዲ እንተሎ ድማ፥ ኵሉ እቲ ዘመን ምስኡ ተቐመጡ። 5ጋድ እቲ ነቢይ ድማ ንዳዊት “ኣብ ዕርዲ ኣይትቀመጥ፤ ተልዒልካ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ” በሎ። ሽዑ ዳዊት ተሲኡ ናብ ዱር ሔሬት ከደ።
ሳኦል ንካህናት ኣቦና ቐተሎም
6ሳኦል ድማ ዳዊትን ሰባቱን ከም ዝተረኽቡ ሰምዐ። ኣብ ጊብዓ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ በሪኽ ዘላ ተምሪ፥ ዂናት ኣብ ኢዱ ሒዙ ተቐሚጡ ነበረ፤ ኵሎም ኣገልገልቱ ኸዓ ኣብ ዙርያኡ ደው ኢሎም ነበሩ። 7ሳኦል ድማ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኣገልገልቱ ከምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ደቂ ብንያም፥ ስምዑ! ወዲ እሴይ ንዅልኹም ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ክህበኩም ድዩ? ንዅልኹምከ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ክገብረኩም ድዩ፥ 8ኵልኹም ኣብ ልዕለይ ክትሽጠሩ? ወደይ ምስ ወዲ እሴይ ኪዳን ከም ዝኣተወ ዝነግረኒ የለን። ካባኻትኩም ሓደ እኳ ዝድንግፀለይ የለን፤ ወደይ ንሓሽከረይ ኣብ ልዕለይ ኣተሲኡ፥ ከምቲ ሎሚ ዝገብሮ ዘሎ፥ ምእንቲ ክፀናትወኒ ዝነግረኒ ድማ የለን።”
9ዶይቅ እቲ ኤዶማዊ ኸዓ፥ ኣብ ጥቓ ኣገልገልቲ ሳኦል ደው ኢሉ ዝነበረ፥ ከምዙይ በለ፦ “ወዲ እሴይ ናብ ኖብ፥ ናብ ኣቢሜሌክ ወዲ ኣኪጡብ ክመፅእ ርእየዮ። 10ኣቢሜሌክ ድማ ንእኡ ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ፤ ስንቂ ኸዓ ሃቦ፤ ሰይፊ ጐልያድ እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ሃቦ።”
11እቲ ንጉስ ድማ ንካህን ኣቢሜሌክ ወዲ ኣኪጡብ፥ ንብዘሎ ስድራ ቤት ኣቦኡ፥ ነቶም ኣብ ኖብ ዝነበሩ ካህናትን ፀውዖም፤ ኵላቶም ድማ ናብቲ ንጉስ መፁ። 12ሳኦል ከዓ “ኣታ ወዲ ኣኪጡብ፥ ሕዚ ስማዕ” በሎ። ንሱ ድማ “እኒሆ ኣለኹ፥ ጐይታይ” ኢሉ መለሰሉ።
13ሳኦል ከዓ “ንስኻን ወዲ እሴይን ስለ ምንታይ ኣብ ልዕለይ ተመሓሓልኩም? እንጀራን ሰይፍን ሃብካዮ፤ ንእግዚኣብሄር ከዓ ኢልካ ጠየቕካሉ፤ ስለዙይ ከምቲ ሎሚ ዝገብሮ ዘሎ፥ ኣብ ልዕለይ ክትንስእን ክፀናትወንን እዩ” በሎ።
14ኣቢሜሌክ ድማ ንንጉስ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ካብ ኵሎም ኣገልገልትኻ ኸም ዳዊት እሙን መን ኣሎ? ንሱ ሰብ ጓል ንጉስ፥ ሓለቓ ዘብዐኛታት ናትካ፥ ኣብ ቤትካ ድማ ዝኸበረ እዩ። 15ሎሚ ንእኡ ኢለ ንኣቦና ክጥይቕ ጀሚረ ድየ? እዙይስ ካባይ የርሕቆ! ንጉስ ኣብ ልዕሊ ሓሽከሩን ኣብ ልዕሊ ብዘሎ ስድራ ቤት ኣቦይን ገለ ነገር ኣይፅዓን፤ ሓሽከርካ ኻብ እዙይ ኵሉ ንእሽተይ ኮነ ዓብዪ ነገር ሓደ እኳ ኣይፈልጥን ነበረ እሞ።”
16እቲ ንጉስ ግና “ኣታ ኣቢሜሌክ፥ ንስኻ ምስ ኵሉ ስድራ ቤት ኣቦኻ ሞት ክትመውት ኢኻ” በለ። 17እቲ ንጉስ ድማ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ዘብዐኛታት “ግልፅ ኢልኩም ንካህናት ኣቦና ቕተልዎም፤ ኢዶም ከዓ ምስ ዳዊት እዩ ዘሎ፤ ከም ዝሃደመ እናፈለጡ ኣይነገሩንን እዮም” በሎም። ኣገልገልቲ ንጉስ ግና ኣብ ልዕሊ ካህናት ኣቦና ኢዶም ከልዕሉ ኣይፈተዉን።
18እቲ ንጉስ ድማ ንዶይቅ “ንስኻ ግልፅ ኢልካ ንካህናት ውግኣዮም” በሎ። ዶይቅ እቲ ኤዶማዊ ኸዓ ግልፅ ኢሉ ንእኣቶም ወግኦም፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ናይ ፍታል ኤፉድ ዝለበሱ ሰማንያን ሓሙሽተን ሰባት ቀተለ።
19ንኖብ እታ ኸተማ ካህናት ድማ ብሰይፊ ወግኦ፤ ሰብኡትን ኣንስትን ቆልዑን ህፃናትን ኣብዑርን ኣእዱግን ኣባጊዕን ድማ ብዘሎ ብስሕለት ሰይፊ ቀተለ። 20ካብ ደቂ ኣቢሜሌክ ወዲ ኣኪጡብ ግና ኣብያታር ዝስሙ ሓደ ወዲ ኣምለጠ፤ ናብ ዳዊት ድማ ሃደመ። 21ኣብያታር ከዓ ሳኦል ንካህናት ኣቦና ኸም ዝቐተሎም ንዳዊት ነገሮ።
22ዳዊት ድማ ንኣብያታር ከምዙይ በሎ፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ ዶይቅ እቲ ኤዶማዊ ኣብኡ ስለ ዝነበረ፥ ንሳኦል ከም ዝነግሮ ፈሊጠ ነይረ። ኣነ ንዅሉ ሰብ ቤት ኣቦኻ ንሞት ኣሕሊፈ ዝሃብክዎም እየ። 23ምሳይ ተቐመጥ፤ ኣይትፍራሕ፤ ንህይወተይ ዝደሊ ንህይወትካውን ይደሊ እዩ እሞ። ምሳይ ብደሓን ኢኻ።”