ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ዳዊትን እቲ ቅዱስ ሕብስትን

ዳዊት እናሃደመን ብዘይ ኣፅዋርን ኮይኑ፥ ነቲ ኣብ ኖብ ዝነበረ ካህን ሓሰወሉ፥ ሰይፊ ጎልያድን ካብ ቅድሚ ኣቦና ዝተወስደ እንጀራን ሒዙ ኸዓ ከደ። ዶይቅ እቲ ኤዶማዊ ነዙይ ዅሉ ረአዮ። ድሕሪኡ ኣብ ጌት ምስ ተፈለጠ፥ ዳዊት ኣብ ማዕፆ ደገ እናሓንኰተ ምራቑ ናብ ፂሕሙ እናኣፍሰሰ ነፍሱ ኣድሓነ።

ምዕራፍ 21።

ዳዊት ድማ ናብ ኣቢሜሌክ ካህን ኣብ ኖብ መፀ። ኣቢሜሌክ ከዓ እናንቀጥቀጠ ተቐበሎ፥ “ስለምንታይ ሓደ እኳ ዘይብልካ በይንኻ ኴንካ?” ኢሉ ጠየቖ። ዳዊት ድማ ንኣቢሜሌክ ካህን ከምዙይ በሎ፦ “እቲ ንጉስ ‘በቲ ዝልእከካ ዘለኹ ጉዳይ ኮነ በቲ ዝኣዘዝኩኻ፥ ሓደ እኳ ገለ ነገር ኣይፍለጥ’ ኢሉ ኣዘዘኒ። ነቶም መንእሰያተይ ድማ ናብ ሓደ ፍሉጥ ቦታ ክኸዱ ኣዚዘዮም። እምበኣር እንታይ ኣለካ? ሓሙሽተ እንጀራ፥ ወይ ዝረኸብካዮ ሃበኒ።”

እቲ ካህን ድማ ንዳዊት “ልሙድ እንጀራ የብለይን፤ ቅዱስ እንጀራ ጥራሕ እምበር፤ እቶም መንእሰያት ካብ ኣንስቲ ዝተቖጠቡ እንተ ኾይኖም ጥራሕ እዩ” በሎ።

ዳዊት ድማ ነቲ ካህን ኢሉ መለሰሉ፦ “ኣነ ክወፅእ እንተለኹ ከምቲ ኵልሻዕ ዝኸውን፥ ኣንስቲ ኻባና ተኸልኪለን እየን። ሰብነት እቶም መንእሰያት ኣብ ልሙድ ጉዕዞ እኳ ቅዱስ እዩ፤ ሕዚ ደኣ ሰብነቶም ክንደይ ኣብሊፁ ቅዱስ ዘይኸውን?” ሽዑ እቲ ካህን ነቲ ቅዱስ እንጀራ ሃቦ፥ ኣብኡ ብዘይ እቲ ሕብስቲ ቝርባን ካልእ ስለ ዘይነበረ፤ እዙይ ከዓ በታ ዝልዓለሉ መዓልቲ ትኩስ እንጀራ ምእንቲ ኽትካእ፥ ካብ ቅድሚ ኣቦና ዝተላዕለ እዩ። a a v6 እቲ ሕብስቲ ቝርባን፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኣብ ቅዱስ ቦታ ዝቕመጥን ሰሙን ሰሙን ዝልወጥን ዓሰርተ ኽልተ ሕብስቲ ነበረ፤ ብልሙዱ ነዙይ ክበልዑ ዝፍቀደሎም ካህናት ጥራሕ እዮም ነይሮም።

በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሓደ ኻብ ኣገልገልቲ ሳኦል ኣብ ቅድሚ ኣቦና ተታሒዙ ኣብኡ ነበረ፤ ንሱ ኸዓ ዶይቅ እቲ ኤዶማዊ፥ ሓለቓ ጓሶት ሳኦል እዩ ነይሩ።

ዳዊት ድማ ንኣቢሜሌክ “ኣብዙይ ዂናት ወይ ሰይፊ ኣለካ? ትእዛዝ እቲ ንጉስ ህፁፅ ስለ ዝነበረ፥ ሰይፈይ ኮነ ኣፅዋር ኣይተማላእኩን” በሎ።

እቲ ካህን ድማ “ሰይፊ ጎልያድ እቲ ፍልስጥኤማዊ፥ እቲ ኣብ ለሰ ኤላ ዝቐተልካዮ ጎልያድ፥ ኣብ ድሕሪ እቲ ኤፉድ ብዓለባ ተጠቕሊሉ ኣብዙይ ኣሎ። እንተ ደሊኻ ውሰዶ፤ ብዘይ እዙይ ኣብዙይ ካልእ የለን” በለ። ዳዊት ድማ “ከምኡ ዝበለ የለን፤ ሃበኒ” በለ።

ዳዊት ናብ ጌት ሃደመ

በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ዳዊት ተሲኡ ካብ ሳኦል ሃደመ፤ ናብ ኣንኩስ ንጉስ ጌት ከዓ መፀ። ኣገልገልቲ ኣንኩስ ግና “እዙይ ዳዊት ንጉስ እታ ምድሪ ኣይኮነን? እዙይስ እቲ ብሳዕስዒተን ‘ሳኦል ሽሕ፥ ዳዊት ግና እልፊ ቐተለ’ ኢለን ዝደረፋሉ ኣይኮነን?” በልዎ።

ዳዊት ድማ ነዚ ዘረባ እዚ ኣብ ልቡ ሓዞ፥ ንኣንኩስ ንጉስ ጌት ከዓ ኣዝዩ ፈርሐ። ሽዑ ኣብ ቅድሚኦም ኣካይዳኡ ለወጠ፥ ኣብ ማእኸሎም ከዓ ዕቡድ መሰለ፤ ኣብ መዓፁ እቲ ደገ ሓንኰለ፥ ምራቑ ድማ ናብ ጭሕሙ ኣፍሰሰ። ኣንኩስ ድማ ንኣገልገልቱ ከምዙይ በሎም፦ “እንሆ፥ እዝ ሰብኣይ ዕቡድ ምዃኑ ትርእዩ ኣለኹም። ስለምንታይከ ናባይ ኣምፃእኩምዎ? ኣነ ዕቡዳት ይጎድሉኒዶ ኣለዉ፥ ነዙይ ኣብ ቅድመይ ክዕብድ ዘምፃእኩምዎ? እዙይከ ናብ ቤተይ ክኣቱ ይግብኦ?”