ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣሳፍ ብፀልማት ይጠርዕ

ንመራሒ ዜማ፥ ከም ኣገባብ ይዱቶን። መዝሙር ኣሳፍ።

ኣሳፍ ክድቅስ ኮነ ክዛረብ ኣይከኣለን፥ ሰባት ክሓትዎ ዝፈርሁ ድማ ይሓትት፦ ፍቕሪ ኣቦኡ ተወዲኡ ድዩ፥ ፀጋ ምግባር ረሲዑ ድዩ? ብዘይ ዝኽሩ ዝልወጥ የለን። ነታ ባሕሪ ብፍላጥ ይዝክር፥ ኣብኣ እታ መንገዲ ሓቀኛ ነበረት፥ ኣሰር እግሪ ግና ኣይተራእየን።

ምዕራፍ 77።

ድምፀይ ዓው ኣቢለ ናብ ኣቦና እጠርዕ፤ ክሰምዐኒ ድማ ድምፀይ ናብ ኣቦና ይዓርግ። ብመዓልቲ መከራይ ንጐይታ ኣቦ ደለኽዎ፤ ብለይቲ ኢደይ ተዘርጊሓ ኣይደከመትን፤ ነፍሰይ ክትፅናናዕ ኣበየት። ንኣቦና እዝክሮ እሞ እግዕር፤ አስተንትኖ ኣለኹ እሞ መንፈሰይ ይደክም።

ንቆብ ኣዒንተይ ክፉት ገበርካ፤ ተሸቢረ ኽዛረብ ከዓ ኣይከኣልኩን። ነተን ናይ ጥንቲ መዓልቲታት ሓሰብኩ፥ ነተን ካብ ነዊሕ ዝሓለፈ ዓመታት። ንመዝሙረይ ዘከርኩ ኣብ ለይቲ፤ ብልበይ አስተንተንኩ፥ መንፈሰይ ከዓ መርመሮ፦ “ጐይታ ኣቦ ንዘለኣለም ዶ ይድርቢ፥ ደጊምከ ፀጋ ኣየርእን ድዩ? ምሕረቱ ንዘለኣለም ተወዲኡ ድዩ? ተስፋኡ ንዅሉ ወለዶ ኣብቂዑ ድዩ? ኣቦና ፀጋ ምግባር ረሲዑ ድዩ? ብቝጥዓ ርህራሄኡ ኸልኢዑ ድዩ?”

ሽዑ ድማ “እዝ ልማኖይ እዩ፦ እተን ናይ የማናይ ኢድ እቲ ልዑል ዓመታት” በልኩ። a a v10 እቲ ልማኖ ናብተን ሓያል ኢድ እቲ ልዑል ንህዝቡ ብሓይሊ ዝሰርሓለን ዝሓለፋ ዓመታት እዩ። ንግብርታት ኣቦና ኽዝክር እየ፤ እወ፥ ነቲ ናይ ጥንቲ ተኣምራትካ ኽዝክር እየ። ንዅሉ ግብርኻ ኸስተንትኖ እየ፤ ንሓያል ግብርታትካውን ክሓስቦ እየ። ኦ ኣቦና፥ መንገድኻ ቅዱስ እዩ። ከም ኣቦና ዓብዪ ኣምላኽ ዳኣ መን ኣሎ? ንስኻ ተኣምራት እትገብር ኣቦና ኢኻ፤ ሓይልኻ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣፍለጥካ። ብቕልፅምካ ንህዝብኻ ተቤዘኻዮም፥ ንደቂ ያእቆብን ዮሴፍን።

ኦ ኣቦና፥ እቲ ማያት ረአየካ፤ እቲ ማያት ረአየካ እሞ ተጨነቐ፤ እቲ መዓሙቕ ድማ ብሓቂ ኣንቀጥቀጠ። እቲ ደመና ማይ ኣፍሰሰ፤ ሰማያት ነጐድጓድ ኣስምዐ፤ ፍላፃታትካ ናብ ኵሉ ወገን በረቑ። ድምፂ ነጐድጓድካ ብንፋስ ኣውሎ ተሰምዐ፤ መባርቕትኻ ንዓለም ኣብርሆ፤ ምድሪ ተናወፀትን ኣንቀጥቀጠትን። መንገድኻ ብባሕሪ እዩ ነይሩ፥ መገድኻ ድማ ብዓብዪ ማያት፤ ኣሰር እግርኻ ግና ኣይተራእየን። ንህዝብኻ ኸም መጓሰ መራሕኻዮም ብኢድ ሙሴን ኣሮንን።