ትእዛዛት ኣቦ፥ ህይወት ወዲ
ምዕዶ ንሓደ ወዲ፥ መብዛሕትኡ ብዛዕባ ምትእምማን፦ ኣብ ናትካ ኣእምሮ ኣይትፅገዕ፥ ንኣቦና ብእቶትካ ኣኽብሮ፥ ንተግሳፁ ኣይትፀላእ። ሽዑ ጥበብ ካብ ብሩር ንላዕሊ ዝተመነት፥ ንፁር ሕግጋት ብፃይ ድማ፥ ዕዳኻ ጽባሕ ዘይኮነስ ሎሚ ምኽፋል ሓዊሱ።
3 1ወደይ፥ ትምህርተይ ኣይትረስዕ፤ ልብኻ ግና ነቲ ትእዛዛተይ ይሓልዎ፥ 2ነዊሕ ዕድመን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ክውስኹልካ እዮም እሞ። 3ምሕረትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለዩ፤ ኣብ ክሳድካ እሰሮ፥ ኣብ ሉሕ ልብኻ ፅሓፎም። 4ከምኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦናን ኣብ ቅድሚ ሰብን፥ ሞገስን ሰናይ ስምን ክትረክብ ኢኻ።
5ብምሉእ ልብኻ ብኣቦና ተኣመን፥ ኣብ ናትካ ኣእምሮ ኸዓ ኣይትፅገዕ። 6ኣብ ኵሉ መንገድኻ ንእኡ ፍለጦ፥ ንሱ ድማ ንመንገድኻ ኬቕንዖ እዩ።
7ኣብ ዓይንኻ ለባም ኣይትኹን፤ ንኣቦና ፍራሕ፥ ካብ ክፉእ ከዓ ርሓቕ። 8እዙይ ንሰብነትካ ፈውሲ፥ ንኣዕፅምትኻ ድማ ምርዋይ ክኸውን እዩ።
9ንኣቦና ብሃብትኻን ብበዅሪ ኵሉ እቶትካን ኣኽብሮ፥ a a v9 በዅራት እቲ ቀዳማይን ዝበለፀን ክፋል ዓፂድ ነበሩ፥ ቅድሚ ዝኾነ ካብኡ ምጥቃም ከዓ ንኣቦና ዝቐርብ ነበረ። 10ሽዑ ቆፎኻ ብፅጋብ ክመልእ፥ መፃውር ወይንኻ ኸዓ ብሓድሽ ወይኒ ክውሕዝ እዩ።
11ወደይ፥ ንተግሳፅ ኣቦና ኣይትንዓቕ፥ ብተግናሕቱ ኸዓ ኣይትሰልቺ፥ 12ኣቦና ነቲ ልቡ ዘፍቅሮ ይግስፆ እዩ እሞ፥ ከምቲ ኣቦ ነቲ ደስ ዝብሎ ወዱ ዝግስፆ።
13እቲ ጥበብ ዝረክብ ሰብ ብፁእ እዩ፥ እቲ ኣእምሮ ዝረክብ ሰብ ድማ። 14ካብኣ ዝርከብ ረብሓ ኻብ ብሩር ዝርከብ ረብሓ ይበልፅ እዩ እሞ፥ እቶታ ኸዓ ኻብ ወርቂ ይበልፅ። 15ንሳ ኻብ ክቡር ዕንቊ ትኸብር፤ እትምነዮ ዅሉ ኸዓ ምስኣ ኣይመዓራረን። 16ነዊሕ ዕድመ ኣብ የማናይ ኢዳ ኣሎ፤ ኣብ ፀጋማይ ኢዳ ድማ ሃብትን ክብረትን ኣሎ። 17መንገድታታ ባህ ዘብል፥ ኵሉ መገድታታ ኸዓ ሰላም እዩ። 18ነቶም ዝሕዝዋ ኦም ህይወት እያ፤ እቶም ኣፅኒዖም ዝሕዝዋ ኸዓ ብፁኣን ይበሃሉ።
19ኣቦና ብጥበብ ንምድሪ መስረታ፤ ብኣእምሮ ኸዓ ንሰማያት ኣጽንዐ፤ 20ብፍልጠቱ መዓሙቝ ገንፈሉ፤ ደመናውን ኣውሊ የንጠብጥቡ።
21ወደይ፥ እዚኣቶም ካብ ኣዒንትኻ ኣይጥፍኡ፤ ጥዑም ጥበብን ኣስተውዕሎን ሓሉ፥ 22ንሳቶም ንነፍስኻ ህይወት፥ ንክሳድካ ኸዓ ስልማት ክኾኑ እዮም። 23ሽዑ ብመንገድኻ ብደሓን ክትከይድ ኢኻ፥ እግርኻ ኸዓ ኣይዕንቀፍን እዩ። 24እንተ ደቀስካ ኣይትፈርሕን ኢኻ፤ ምስ ደቀስካ ድቃስካ ጥዑም ክኸውን እዩ። 25ብሃንደበታዊ ራዕዲ፥ ወይ ከዓ እቲ ናይ ረሲኣን ጥፍኣት ምስ መፀ ኣይትፍራሕ፥ 26ኣቦና ተኣማንነትካ ክኸውን እዩ እሞ፥ ንእግርኻ ኸዓ ከይትሓዝ ክሕልዎ እዩ።
27ነቶም ዝግብኦም ሰናይ ኣይትኽልኣዮም፥ ክትገብሮ ኣብ ኢድካ እንተሎ። 28ንብፃይካ ምሳኻ ኸሎ፥ “ኪድ፥ ተመለስ፥ ፅባሕ ክህበካ እየ” ኣይትበሎ። 29ኣብ ልዕሊ ብፃይካ ክፉእ ኣይትሕሰብ፥ ንሱ ኣብ ጥቓኻ ተኣማሚኑ ዝነብር እዩ እሞ። 30ክፉእ እንተይገበረልካ፥ ምስ ሓደ ሰብ ብዘይ ምኽንያት ኣይትባኣስ።
31ንገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእ፥ ካብ መንገድታቱ ሓደ እኳ ኣይትምረፅ፥ 32እቲ ጠዋይ ሰብ ንኣቦና ፅዩፍ እዩ እሞ፥ ንቅኑዓት ግና ኣብ ምስጢሩ የእትዎም። 33መርገም ኣቦና ኣብ ቤት ረሲኣን ኣሎ፥ ንማሕደር ፃድቃን ግና ይባርኮ። 34ንመላገፅቲ ይላገፀሎም፥ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህብ። 35ለባማት ክብሪ ይወርሱ፥ ዓሻታት ግና ውርደት ጥራሕ ይረኽቡ።