ከም ብሩር ድለያ
እቲ ክትዕ ብኩነት እዩ። ከምቲ ሰብ ንሕቡእ ብሩር ዝኵዕት፥ ንምስትውዓል እንተ ደሊኻዮ፥ ሽዑ ፍርሓት ኣቦና እንታይ ምዃኑ ክተስተውዕል ኢኻ። እቲ ዝርከብ ጥቕሚ ኸዓ ግብራዊ እዩ፦ ካብቶም ክፉእ ብምግባር ዝሕጐሱ ሰባትን ካብ ልሙፅ ቃላት ዘለዎ ጓናን ምዕቃብ።
2 1ወደይ፥ ቃላተይ እንተ ተቐቢልካ፥ ትእዛዛተይ ከዓ ኣባኻ እንተ ዓቚርካ፥ 2እዝንኻ ናብ ጥበብ ኣቕሪብካ፥ ልብኻ ድማ ናብ ምስትውዓል ኣዚርካ፤ 3እወ፥ ንኣእምሮ እንተ ፀዋዕካ፥ ድምፅኻ ድማ ንምስትውዓል እንተ ዓው ኣበልካ፥ 4ከም ብሩር እንተ ደለኻያ፥ ከም ሕቡእ መዝገብ ከዓ እንተ መርመርካያ፥ 5ሽዑ ፍርሓት ኣቦና ክተስተውዕል፥ ፍልጠት ኣቦናውን ክትረክብ ኢኻ። 6ኣቦና ጥበብ ይህብ እዩ እሞ፤ ካብ ኣፉ ፍልጠትን ምስትውዓልን ይወፅእ። 7ንቕኑዓት ፅኑዕ ጥበብ ይዕቍረሎም፤ ነቶም ብቕንዕና ዝኸዱ ዋልታ እዩ፤ 8መንገድታት ፍርዲ እናሓለወ፥ መንገዲ እሙናቱ ኸዓ እናተኸናኸነ።
9ሽዑ ንፅድቅን ንፍርድን ንቅንዕናን፥ ኵሉ ፅቡቕ መንገድን ክተስተውዕል ኢኻ። 10ጥበብ ናብ ልብኻ ክትኣቱ እያ እሞ፤ ፍልጠትውን ንነፍስኻ ደስ ከተብል እያ፤ 11ምኽሪ ክትሕልወካ እያ፥ ምስትውዓል ከዓ ክሕልወካ እዩ፥ 12ካብ መንገዲ ክፍኣት፥ ካብቶም ጠዋይ ነገር ዝዛረቡ ሰባት ከተናግፈካ፥ 13እቶም መንገዲ ቅንዕና ሓዲጎም፥ ብመንገድታት ፀልማት ዝኸዱ፥ 14ክፉእ ብምግባር ዝሕጐሱ፥ ብጥውይይና ክፍኣት ከዓ ባህ ዝብሎም፥ 15መንገድታቶም ጠዋይ ዝኾነ፥ ኣብ መንገድታቶም ከዓ ቀይናን ዝኾኑ።
16ጥበብ ካብታ ዝተኸልከለት ሰበይቲ፥ ካብታ ብልሙፅ ቃላታ እትዛረብ ጋሻ ሰበይቲ ከዓ ከተናግፈካ እያ። 17እታ ብፃይ ንእስነታ እትሓድግ፥ ኪዳን ኣቦኣ ከዓ እትርስዕ። 18ቤታ ናብ ሞት ትሰጥም እያ እሞ፥ መንገድታታ ኸዓ ናብ ምዉታን ይወርድ። 19ናብኣ ዝኸዱ ሓደ እኳ ኣይምለስን፤ ናብ መንገዲ ህይወትውን ኣይበፅሑን።
20ስለዙይ ብመንገዲ ሰናያት ክትከይድ፥ መንገድታት ፃድቃን ከዓ ክትሕሉ ኢኻ። 21ቕኑዓት ኣብታ ምድሪ ኽነብሩ እዮም እሞ፥ ፍፁማትውን ኣብኣ ኽተርፉ እዮም፤ 22ሓጥኣን ግና ካብ ምድሪ ኽቍረፁ፥ ከዳዓትውን ካብኣ ኽምሓዉ እዮም።