ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ወዲ ሰብ ይቕረ ይብልን የሕውን

ንሓደ መፃጕዕ ሰብኣይ ሓጢኣቱ ምሕዳግ ንመምህራን ሕጊ የቘጥዖም፤ ኣብ መኣዲ ማቴዎስ ምብላዕ ድማ ንፈሪሳውያን የቘጥዖም። ሓንቲ እትመውት ዘላ ጓልን ደም ዝፈሳ ሰበይትን ብሓደ ጕዕዞ ኽልቲኣቶም ሓወዩ። ነቶም ከም ጓሳ ዘይብሎም ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ንደቀ መዛሙርቱ ንኣቦ ሰራሕተኛታት ዓፂድ ክልምንዎ ነገሮም።

ምዕራፍ 9።

ኢየሱስ ናብ ጃልባ ኣትዩ፥ ተሳጊሩ ናብ ዓዱ መፀ።

ገሊኦም ኣብ ዓራት ደቂሱ ዝነበረ መፃጕዕ ሰብኣይ ናብኡ ኣምፅኡሉ። ኢየሱስ እምነቶም ሪኡ ነቲ መፃጕዕ “ኣታ ወደይ፥ ኣይትፍራሕ፤ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ።

ሽዑ ገሊኦም መምህራን ሕጊ ብልቦም “እዝ ሰብ እዙይ ይፃረፍ ኣሎ” በሉ።

ኢየሱስ ሓሳባቶም ፈሊጡ ከምዙይ በሎም፦ “ንምንታይ ኣብ ልብኹም ክፉእ ትሓስቡ ኣለኹም? ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ’ ምባል፥ ወይ ‘ተስእ እሞ ኺድ’ ምባል፥ ኣየናይ እዩ ዝቐልል? ግና ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ይቕረ ኽብል ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥” ሽዑ ነቲ መፃጕዕ “ተስእ፥ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ገዛኻ ኺድ” በሎ።

እቲ ሰብኣይ ከዓ ተሲኡ ናብ ገዛኡ ኸደ። እቶም ህዝቢ እዙይ ምስ ረአዩ ፈርሑ፤ ነቲ ንሰባት ከምዙይ ዝበለ ስልጣን ዝሃበ ኣቦና ድማ ኣመስገኑ።

ኢየሱስ ንማቴዎስ ፀውዖ

ኢየሱስ ካብኡ ሕልፍ ኢሉ፥ ማቴዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ኣብ መቕበሊ ቐረፅ ተቐሚጡ እንተሎ ረአዮ እሞ “ሰዓበኒ” በሎ። ማቴዎስ ድማ ተሲኡ ሰዓቦ።

ኢየሱስ ኣብ ቤት ማቴዎስ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ብዙሓት ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን መፂኦም፥ ምስ ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ መኣዲ ተቐመጡ። ፈሪሳውያን እዙይ ምስ ረአዩ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ንምንታይ እዩ መምህርኩም ምስ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ዝበልዕ?” በልዎም።

ኢየሱስ እዙይ ምስ ሰምዐ ከምዙይ በሎም፦ “ሓኪም ንጥዑያት ዘይኮነስ፥ ንሕሙማት እዩ ዘድልዮም። ኪዱ ድማ ‘ምሕረት እምበር መስዋእቲ ኣይደልን’ ዝብል እንታይ ማለት ምዃኑ ተመሃሩ። ንፃድቃን ዘይኮነስ ንሓጥኣን ክፅውዕ መፃእኹ እየ እሞ።”

ሓዱሽ ወይኒ ሓዱሽ ሓርቢ የድልዮ

ሽዑ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ናብኡ መፂኦም “ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ጊዜ እንፆም፥ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ዘይፆሙ ንምንታይ እዩ?” በልዎ።

ኢየሱስ ድማ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “እቶም ኣዕርኽቲ መርዓዊ፥ መርዓዊ ምሳታቶም እንተሎ ክሓዝኑዶ ይኽእሉ እዮም? ግና መርዓዊ ኻባታቶም ዝውሰደሉ መዓልቲታት ክመፅእ እዩ፤ ሽዑ ድማ ክፆሙ እዮም። ሓደ እኳ ኣብ ኣረጊት ክዳን ሓዱሽ ኩለሊት ኣይልግብን፤ እቲ ኩለሊት ነቲ ክዳን ይምንጥሎ እሞ፥ ዝገደደ ቕዳድ ይኸውን። ሰባት ሓዱሽ ወይኒ ኣብ ኣረጊት ሓርቢ ኣይኸዑን፤ እንተ ዘይኮነ እቲ ሓርቢ ይፈንጀር፥ እቲ ወይኒ ይፈስስ፥ ክልቲኡ ድማ ይጠፍእ። ሓዱሽ ወይኒ ደኣ ኣብ ሓዱሽ ሓርቢ እዩ ዝኣቱ፥ ክልቲኡ ኸዓ ይዕቀብ።”

ምህለላ ኣቦን ምንካእ ሰበይትን

ንሱ እዙይ እናተዛረበ እንተሎ፥ ሓደ ሓለቓ ቤት ፀሎት መፂኡ ኣብ ቅድሚኡ ተምበርኪኹ “ጓለይ ሕዚ ሞይታ ኣላ፤ ግና ንዓ እሞ ኢድካ ኣብ ልዕሊኣ ኣንብር፥ ንሳ ድማ ብህይወት ክትነብር እያ” በሎ።

ኢየሱስ ተሲኡ ምስኡ ኸደ፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ተኸተልዎ። እንሆ ድማ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ደም ዝፈሳ ዝነበረ ሰበይቲ፥ ብድሕሪኡ ቀሪባ ጫፍ ክዳኑ ተንከፈት። “ክዳኑ ጥራሕ እንተ ተንከፍኩ ክሓዊ እየ” ኢላ ብልባ ትብል ነበረት።

ኢየሱስ ዘወር ኢሉ ረአያ እሞ “ኣጆኺ ጓለይ፤ እምነትኪ ኣሕዊያትኪ እያ” በላ። እታ ሰበይቲ ድማ ሽዑ ንሽዑ ሓወየት።

ኢየሱስ ናብ ቤት እቲ ሓለቓ ቤት ፀሎት ምስ ኣተወ፥ ነቶም ወቓዕቲ እምብልታን ነቲ ዋዕ ዋዕ ዝብል ህዝብን ምስ ረአየ፥

“ርሓቑ፤ እታ ጓል ደቂሳ ደኣ እምበር ኣይሞተትን” በሎም። ንሳቶም ግና ሰሓቑሉ።

ነቲ ህዝቢ ምስ ኣውፅእዎ ኸዓ፥ ንሱ ኣትዩ ኢዳ ሓዘ፤ እታ ጓል ድማ ተሲኣ። እዝ ወረ እዙይ ድማ ኣብ ኵሉ እቲ ሃገር ተዘርግሐ።

ዕዉራት ይርእዩ፥ በሃማት ይዛረቡ

ኢየሱስ ካብኡ እናኸደ እንተሎ፥ ክልተ ዕዉራት “ኦ ወዲ ዳዊት፥ ራህርሃልና!” እናበሉ ሰዓብዎ።

ናብ ገዛ ምስ ኣተወ፥ እቶም ዕዉራት ናብኡ ቀረቡ። ንሱ ድማ “እዝ ክገብር ከም ዝኽእል ትኣምኑዶ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እወ ጐይታ” በልዎ።

ሽዑ ኣዒንቶም ተንከፈ እሞ “ከም እምነትኩም ይኹነልኩም” በሎም። ኣዒንቶም ድማ ተኸፈተ። ኢየሱስ ከዓ “ሓደ እኳ ከይፈልጥ ተጠንቀቑ” ኢሉ ኣበርቲዑ ኣጠንቀቖም።

ንሳቶም ግና ወፂኦም፥ ኣብ ኵሉ እቲ ሃገር ብዛዕባኡ ወረ ዘርግሑ።

ንሳቶም እናወፁ እንተለዉ፥ ጋኔን ዝሓደሮ በሃም ሰብኣይ ናብ ኢየሱስ ኣምፅኡሉ። እቲ ጋኔን ምስ ወፀ፥ እቲ በሃም ሰብኣይ ተዛረበ። እቶም ህዝቢ ድማ ተገሪሞም “ከምዙይ ዝበለ ኣብ እስራኤል ፈፂሙ ተራእዩ ኣይፈልጥን” በሉ።

ፈሪሳውያን ግና “ንኣጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዘውፅኦም” በሉ።

ኣቦ ዓየይቲ ዓፂዲ ይፅውዕ

ኢየሱስ ኣብ ኣብያተ ፀሎቶም እናመሃረ፥ ወንጌል መንግስቲ ኣቦና እናሰበኸ፥ ንዅሉ ደዌን ሕማምን ድማ እናሕወየ፥ ኣብ ኵለን ከተማታትን ዓድታትን ይዘዋወር ነበረ። ነቶም ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ከምተን ጓሳ ዘይብለን ኣባጊዕ ተጨኒቖምን ተበቲኖምን ስለ ዝነበሩ ራህርሃሎም።

ሽዑ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዙይ በሎም፦ “እቲ ዓፂድ ብዙሕ እዩ፥ እቶም ዓየይቲ ግና ውሑዳት እዮም። ስለዙይ ኣቦ ዓፂድ ናብ ዓፃዲኡ ዓየይቲ ኽሰድድ ለምንዎ።” a a v38 ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፥ ነቲ ዋና እቲ ዓፂዲ፥ ንሱ ድማ ኣቦና፥ ዓየይቲ ኽሰድድ ክልምንዎ ይነግሮም። እቲ ናይቶም ናብ ገዛ ዝምለሱ ሰባት ዓፂዲ ናይ ኣቦ እዩ፥ ንሱ ድማ ናብ ዓፃዲኡ ዓየይቲ ዝሰድድ ንሱ እዩ።