ብምትንኻፉ ዝሓወዩ
ኢየሱስ ንለምፂ ይትንክፍ፥ ካብ እስራኤል ንላዕሊ ዝዓቢ እምነት ኣብ ሓደ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ ይረክብ፥ ንሓደ ወለንተኛ ዝድቅሰሉ ቦታ ኸም ዘይብሉ የጠንቅቖ፥ ነቲ ደቀ መዛሙርቱ ከጥሕሎም ዘረጋገፁ ህቦብላ የህድኦ፥ ንኽልተ ገፋዕቲ ሰባት ድማ የናግፎም። ሽዑ ብምሉኣ እታ ኸተማ ክኸይድ ለመነቶ።
8 1ካብቲ እምባ ምስ ወረደ፥ ብዙሓት ሰባት ተኸተልዎ። 2ሓደ ለምፃም ቐሪቡ ኣብ ቅድሚኡ ተንበርኪኹ፥ “ጐይታ፥ እንተ ደሊኻ፥ ከተንፅሀኒ ትኽእል ኢኻ” በሎ።
3ኢየሱስ ድማ ኢዱ ዘርጊሑ ነኽኦ፥ “ፍቓደይ እዩ፤ ንፃህ” በሎ። ለምፁ ኸዓ ሽዑ ንሽዑ ተሰወረ። 4ኢየሱስ ድማ “ንሓደ እኳ ኣይትንገር፤ ኺድ ደኣ ንርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፤ ነቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ህያብ ድማ ንምስክሮም ኣቕርብ” በሎ።
ንኢየሱስ ዘገረመ እምነት
5ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፥ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መፂኡ ለመኖ፥ 6“ጐይታ፥ ጊላይ ኣብ ቤት መፃጒዕ ኮይኑ ደቂሱ ኣሎ፤ ብርቱዕ ስቓይ ድማ ይሳቐ ኣሎ” ኢሉ በሎ።
7ኢየሱስ ድማ “ኣነ መፂአ ከሕውዮ እየ” በሎ።
8እቲ ሓለቓ ሚእቲ ድማ “ጐይታ፥ ኣብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትኣቱ ኣይበቅዕን እየ፤ ቃል ጥራሕ በል፥ ጊላይ ድማ ክሓዊ እዩ። 9ኣነውን ኣብ ትሕቲ ስልጣን ዘለኹ ሰብ እየሞ፥ ኣብ ትሕተይ ወታደራት ኣለዉኒ። ንሓደ ‘ኺድ’ እብሎ፥ ንሱ ኸዓ ይኸይድ፤ ንኻልእ ‘ናዓ’ እብሎ፥ ንሱ ድማ ይመፅእ፤ ንጊላይ ‘እዙይ ግበር’ እብሎ፥ ንሱ ኸዓ ይገብሮ” በሎ።
10ኢየሱስ እዙይ ምስ ሰምዐ ተገረመ፤ ነቶም ዝሰዓብዎ ድማ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኣብ እስራኤል ከምዝ ዝበለ እምነት ዘለዎ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን። 11እብለኩም ኣለኹ፥ ብዙሓት ካብ ምብራቕን ምዕራብ መፂኦም፥ ኣብ መንግስቲ ኣቦና ምስ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ኣብ ማእዲ ክቕመጡ እዮም፤ 12እቶም ውሉድ መንግስቲ ግና ናብቲ ናይ ወፃኢ ፃልማት ክድርበዩ እዮም፤ ኣብኡ ኸዓ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናን ክኸውን እዩ” በሎም። 13ኢየሱስ ድማ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ “ኺድ፥ ከምቲ ዝኣመንካዮ ይኹነልካ” በሎ። ጊላኡ ኸዓ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ።
ኢየሱስ ኣብ ቤት ጴጥሮስ ኣሕወየ
14ኢየሱስ ናብ ቤት ጴጥሮስ ምስ ኣተወ፥ ሓማት ጴጥሮስ ረስኒ ሓሚማ ደቂሳ ረአያ። 15ኢዳ ዳህሲሱ ነኸአ፤ እቲ ረስኒ ኸዓ ሓደጋ፤ ንሳ ድማ ተሲኣ ኣገልገለቶ። 16ምስ መሰየ ድማ፥ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ኸዓ ነቶም መናፍስቲ ብቓል ኣውፅኦም፤ ንዅሎም ሕሙማት ድማ ኣሕወየ። 17እዙይ ከዓ ነቲ ነቢይ ኢሳይያስ “ድኻምና ወሰደ፥ ሕማምና ድማ ፆረ” ኢሉ ዝተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም ኮነ።
ዋጋ ምስዓብ ኢየሱስ
18ኢየሱስ ኣብ ዙርያኡ ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ናብ ማዕዶ ኽሳገሩ ኣዘዞም። 19ሓደ ፀሓፊ ድማ ቐሪቡ “መምህር፥ ናበይ እንተ ኸድካ ኽስዕበካ እየ” በሎ።
20ኢየሱስ ድማ “ወኻሩ መሕብኢ ኣለወን፥ ኣዕዋፍ ሰማይ እውን መፀግዒ ኣለወን፤ ወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዘፀግዓሉ የብሉን” በሎ።
21ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ሓደ “ጐይታ፥ ቕድም ከይደ ንኣቦይ ክቐብር ፍቐደለይ” በሎ።
22ኢየሱስ ግና “ስዓበኒ፤ ንምዉታት ግና ንምዉታቶም ክቐብሩ ሕደጎም” በሎ።
ኢየሱስ ንማዕበል ኣህደአ
23ናብ ጃልባ ምስ ኣተወ፥ ደቀ መዛሙርቱ ተኸተልዎ። 24ብድንገት ኣብ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ተልዓለ፥ ሞገድ ከዓ ነታ ጃልባ ይኸድና ነበረ፤ ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ። 25ስለዙይ ናብኡ ቐሪቦም ኣተስእዎ፥ “ጐይታ፥ ኣድሕነና፥ ክንመውት ኢና!” በልዎ።
26ንሱ ድማ “ኣቱም ሒደት እምነት ዘለኩም፥ ንምንታይ ትፈርሑ?” በሎም። ሽዑ ተሲኡ ንንፋሳትን ንባሕርን ገሰፆም፤ ዓቢ ህድኣት ድማ ኮነ።
27እቶም ሰባት ድማ ተገሪሞም “እዝ ከመይ ዝበለ ሰብ እዩ? ንፋሳትን ባሕርን እኳ ይእዘዝዎ!” በሉ።
ወዲ ኣቦ ንፃልማት ይገጥም
28ናብ ማዕዶ፥ ናብ ሃገር ጋዳራውያን ምስ ተሳገረ፥ ጋኔን ዝሓደሮም ክልተ ሰባት ካብ መቓብር ወፂኦም ተቐበልዎ፤ ኣዝዮም ፂኑዓት ስለ ዝነበሩ ድማ፥ ሓደ እኳ በቲ መንገዲ እቱይ ክሓልፍ ኣይከኣለን። 29እንሆ ኸዓ “ኦ ወዲ እግዚኣብሄር፥ ምሳና እንታይ ኣለካ? ቅድሚ ጊዜኡ ኽተሳቕየና ናብዙይ መፂእካዶ?” እናበሉ ጨደሩ። 30ካብኣቶም ርሒቑ ድማ፥ ብዙሕ መጓሰ ሓሰማ ይበልዕ ነበረ። 31እቶም ኣጋንንቲ ኸዓ “እንተ ኣውፂእካና፥ ናብቲ መጓሰ ሓሰማ ስደደና” ኢሎም ለመንዎ።
32ንሱ ድማ “ኺዱ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ወፂኦም ናብቲ ሓሰማ ኣተዉ፤ እቲ ዅሉ መጓሰ ድማ ካብ ገደል ናብ ባሕሪ ተፅዲፉ፥ ኣብ ማይ ሞተ።
33እቶም ጓሶት ድማ ናብ ከተማ ህዲሞም፥ ንዅሉ ነገር፥ ነቶም ጋኔን ዝሓደሮም ሰባት ዝበፅሖምውን ነገሩ። 34ኵሎም ሰብ እታ ኸተማ ድማ ንኢየሱስ ክቕበልዎ ወፁ፤ ምስ ረአይዎ ኸዓ ካብ ሃገሮም ክኸይድ ለመንዎ።