ቅድም ንነፍስኻ ፍረድ
ቅድሚ ነቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር ምትንካፍካ፥ ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጒንዲ ኣውፅእ። ለምኑ፥ ክውሃበኩም ድማ እዩ። ንመምህራን ብፍሬኦም ፍረድዎም። ድሕሪኡ እቲ ኸቢድ ግልባጥ፦ ‘ጐይታ፥ ጐይታ’ ምባልን ተኣምራት ምግባርን እኳ፥ ፍቓድ ኣቦ ኸም ምግባር ኣይኮነን።
7 1“ምእንቲ ኸይፍረደኩም፥ ኣይትፍረዱ። 2በቲ እትፈርድዎ ፍርዲ ኽትፍረዱ ኢኹም፤ በቲ እትዕቅኑሉ መዐቀኒ ድማ ክትዕቀኑ ኢኹም እሞ። 3ስለ ምንታይ ነቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር ትጥምት፥ ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጒንዲ ግና ኣይተስተብህሎን? 4ወይ ኣብ ዓይንኻ ጒንዲ እንተሎ፥ ንሓውካ ከመይ ኢልካ ‘እቲ በሰር ካብ ዓይንኻ ከውፅኣልካ ሕደገኒ’ ክትብሎ ትኽእል? 5ኣታ ግቡዝ፥ ቅድም ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጒንዲ ኣውፅእ፤ ሽዑ ነቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር ከተውፅእ ኣፀቢቕካ ክትርኢ ኢኻ።
6“ነቲ ቅዱስ ንኣኽላባት ኣይትሃብዎ፤ ኣዕናቝኹም ከዓ ኣብ ቅድሚ ሓሰማታት ኣይትደርብዩ፤ ብኣእጋሮም ረጊፆም ከይረግፅዎም፥ ተመሊሶም ድማ ከይሰላልዑኹም።
ኣቦ ነቶም ዝልምኑ ይህብ
7“ለምኑ፥ ክትቕበሉ ኢኹም፤ ድለዩ፥ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ኳሕኵሑ፥ ክኽፈተልኩም እዩ። 8ኵሉ ዝልምን ይቕበል፥ ዝደሊ ድማ ይረክብ፥ ንዝዃሕዅሐ ኸዓ ይኽፈተሉ እዩ እሞ። 9ካባኻትኩምከ እንታዋይ ሰብ እዩ፥ ወዱ እንጀራ እንተ ለመኖ፥ እምኒ ዝህቦ? 10ወይ ዓሳ እንተ ለመኖ፥ ተመን ዝህቦ? 11እምበኣር ንስኻትኩም ክፉኣት ክነስኹም፥ ንደቅኹም ፅቡቕ ህያብ ምሃብ እንተ ፈሊጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩም ነቶም ዝልምንዎ ፅቡቕ ነገር ክንደየናይ ኣብዚሑ ዘይህቦም!
12“ስለዙይ ኵሉ እቲ ሰባት ንኣኻትኩም ክገብሩልኩም እትደልይዎ፥ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም፤ ሕግን ነብያትን እዚ እዩ እሞ።
13“በቲ ፀቢብ ደገ እተዉ፤ እቲ ናብ ጥፍኣት ዘምርሕ ደገ ሰፊሕ፥ መንገዱ ድማ ገፊሕ እዩ እሞ፥ ብእኡ ዝኣትዉ ኸዓ ብዙሓት እዮም። 14እቲ ናብ ህይወት ዘብፅሕ ደገ ግና ፀቢብ፥ መንገዱ እውን ፀቢብ እዩ፤ ዝረኽብዎ ድማ ውሑዳት እዮም።
ብፍሬኦም ይልለዩ
15“ካብ ነብያት ሓሰት ተጠንቀቑ፤ ንሳቶም ናባኻትኩም ብኽዳን ኣባጊዕ ይመፁ፥ ብውሽጦም ግና መንጠልቲ ተዃሉ እዮም። 16ብፍሬኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዅዶ ወይኒ ይእከብ፥ ወይ ካብ ኣሜከላ በለስ? 17ከምኡ ድማ ኵሉ ፅቡቕ ኦም ፅቡቕ ፍረ ይፈሪ፥ እቲ ሕማቕ ኦም ግና ሕማቕ ፍረ ይፈሪ። 18ፅቡቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ክፈሪ ኣይኽእልን፥ ሕማቕ ኦምውን ፅቡቕ ፍረ ክፈሪ ኣይኽእልን እዩ። 19ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኵሉ ኦም ይቝረፅ፤ ናብ ሓዊውን ይድርበ። 20እምበኣርከስ ብፍሬኦም ከተለልይዎም ኢኹም።
ፍቓድ ኣቦ ዝገብሩ ጥራሕ
21“ኵሉ እቲ ‘ጐይታይ፥ ጐይታይ’ ዝብለኒ ናብ መንግስቲ ኣቦና ኣይኣቱን እዩ፤ እቲ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር ደኣ እምበር። 22በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ‘ጐይታይ፥ ጐይታይ፥ ብስምካዶ ኣይተነበናን፥ ብስምካ ኣጋንንቲ ኣይኣውፃእናን፥ ብስምካ ብዙሕ ተኣምራት ኣይገበርናን?’ ክብሉኒ እዮም። 23ሽዑ ኣነ ‘ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፤ ኣቱም ገበርቲ ዓመፅ፥ ካባይ ርሓቑ’ ኢለ ኣግሂደ ኽነግሮም እየ።
ኣብ ከውሒ ትከል
24“እምበኣር ነዝ ቃላተይ እዙይ ሰሚዑ ዝገብሮ ኵሉ፥ ነቲ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሐ ለባም ሰብኣይ ይመስል። 25ዝናም ወረደ፥ ውሒዝ መፀ፥ ንፋሳት ነፊሶም ነታ ቤት እቲኣ ሃረምዋ፤ ኣብ ከውሒ ተሰሪሓ ስለ ዝነበረት ግና ኣይወደቐትን። 26ነዝ ቃላተይ እዙይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ኵሉ ኸዓ፥ ነቲ ቤቱ ኣብ ሑፃ ዝሰርሐ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። 27ዝናም ወረደ፥ ውሒዝ መፀ፥ ንፋሳት ነፊሶም ነታ ቤት እቲኣ ወቕዕዋ፤ ወደቐት ድማ፤ ውድቀታ ኸዓ ዓብዪ ነበረ።”
28ኢየሱስ ነዝ ቃላት እዙይ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ እቶም ህዝቢ ብትምህርቱ ተገረሙ፤ 29ከምቶም መምህራን ሕጎም ዘይኮነስ፥ ከም በዓል ስልጣን ይምህሮም ስለ ዝነበረ እዩ።