ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦና ንፀሓይ ደው የብላ

ሓሙሽተ ነገስታት፥ ገባዖን ናብ እስራኤል ስለ ዝሰገረት፥ ወግእዋ፥ ኢያሱ ኸዓ ነቶም ዘታለልዎ ህዝቢ ኽከላኸለሎም ምሉእ ለይቲ ተጓዓዘ። ደንጐላታት በረድ ኣቦና ኻብ ሰይፊ ንላዕሊ ቐተሉ፥ ፀሓይ ድማ ደው በለት። እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ኣብ ሓንቲ በዓቲ ተረኽቡ፥ ቀልጢፉ ድማ ነተን ደቡባውያን ከተማታት ጠረገ።

ምዕራፍ 10።

ኣዶኒፄዴቅ ንጉስ ኢየሩሳሌም፥ ኢያሱ ንጋይ ሓዚዋ ፈፂሙ ከም ዘጥፍኣን፥ ከምቲ ንኢያሪኮን ንንጉሳን ዝገበሮ ንጋይን ንንጉሳን ከም ዝገበሮን፥ ሰብ ገባዖን ድማ ምስ እስራኤል ሰላም ገይሮም ኣብ ማእኸሎም ከም ዝተቐመጡን ሰምዐ። ሰብ ኢየሩሳሌም የመና ፈርሑ፤ ገባዖን ከም ሓንቲ ኻብ ከተማታት መንግስቲ ዓባይ ከተማ ስለ ዝነበረት፥ ካብ ጋይ ድማ ዓባይ ስለ ዝነበረትን ኵሎም ሰብኡት እታ ከተማ ከዓ ጀጋኑ ስለ ዝነበሩን። ስለዙይ ንጉስ ኢየሩሳሌም ኣዶኒፄዴቅ ናብ ንጉስ ኬብሮን ሆሃም፥ ናብ ንጉስ የርሙት ጲራም፥ ናብ ንጉስ ለኪሶ ያፍያ፥ ናብ ንጉስ ኣዶላም ዳቤር ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ “ናባይ ደይብኩም ርድኡኒ፤ ንገባዖን ከዓ ንወግኣ፤ ንሳ ምስ ኢያሱን ምስ ደቂ እስራኤልን ሰላም ገይራ ኣላ እሞ።” ሽዑ እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ኣሞራውያን፥ ንጉስ ኢየሩሳሌምን ንጉስ ኬብሮንን ንጉስ የርሙትን ንጉስ ለኪሶን ንጉስ ኣዶላምን፥ ተኣኻኺቦም ምስ ኵሉ ሰራዊቶም ደየቡ። ኣብ ገባዖን ሰፊሮም ከዓ ተዋግእዋ። ሰብ ገባዖን ድማ ናብቲ ኣብ ጌልገላ ዝነበረ ሰፈር ናብ ኢያሱ ከምዙይ ኢሎም ለኣኹ፦ “ንባሮትካ ኣይትግደፎም! ቀልጢፍካ መፂእኻ ኣድሕነና፤ ርድኣና! ኵሎም እቶም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ነገስታት ኣሞራውያን ኣባና ተኣኻኺቦም እዮም እሞ።”

ስለዙይ ኢያሱ ምስ ኵሎም እቶም ተዋጋእቲ ሰቡ፥ ምስቶም ሓያላት ጀጋኑ፥ ካብ ጌልገላ ደየበ።

ኣቦና ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ሂበካ ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሆም፤ ሓደ እኳ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኣይብልን።”

ኢያሱ ድማ ካብ ጌልገላ ምሉእ ለይቲ ግስግስ ኢሉ ብድንገት ሓደጋ ኣብፅሐሎም። ኣቦና ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣርዓዶም፤ ኣብ ገባዖን ብብርቱዕ ስዒሩ፥ በቲ ናብ ቤትሖሮን ዝድይብ መንገዲ ሰጐጎም፤ ክሳዕ ዓዜቃን መቄዳን ከዓ ወቕዖም። ካብ ቅድሚ እስራኤል በቲ ቍልቍለት ቤትሖሮን ክሃድሙ እንተለዉ፥ ኣቦና ኽሳዕ ዓዜቃ ካብ ሰማይ ዓበይቲ ኣእማን ደርበየሎም እሞ ሞቱ። ካብቲ ደቂ እስራኤል ብሰይፊ ዝቐተልዎም ድማ፥ እቶም በቲ በረድ ዝሞቱ ይበዝሑ።

ሽዑ ኢያሱ፥ ኣቦና ንኣሞራውያን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣብ ዘሕለፈሉ መዓልቲ፥ ናብ ኣቦና ተዛረበ፤ ኣብ ቅድሚ ኵሉ እስራኤል ድማ ከምዙይ በለ፦ “ኦ ፀሓይ፥ ኣብ ልዕሊ ገባዖን ደው በሊ፤ ኦ ወርሒ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ለሰ ኤሎን።” ፀሓይ ደው በለት፤ ወርሒ ኸዓ ቘመት፤ እቲ ህዝቢ ኣብ ፀላእቱ ሕነ ኽሳዕ ዝፈደየ። እዙይዶ ኣብ መፅሓፍ ያሻር ኣይተፀሓፈን? ፀሓይ ኣብ ማእኸል ሰማይ ቘመት፥ ኣስታት ምሉእ መዓልቲ ኸዓ ንምዕራብ ኣይተቐላጠፈትን። a a v13 መፅሓፍ ያሻር፥ ጥንታዊ ናይ ዕብራውያን ግጥምታትን መዝሙራትን ዝተኣኻኸበሉ መፅሓፍ ነበረ፤ ሕዚ ግና ጠፊኡ ኣሎ። ኣቦና ድምፂ ሰብ ዝሰምዐላ ዝነበረት ከምዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ቅድሚኣ ይኹን ድሕሪኣ ፈፂማ ኣይነበረትን፤ ኣቦና ምእንቲ እስራኤል ተዋጊኡ እዩ እሞ።

ሽዑ ኢያሱ ምስኡ ምስ ዝነበረ ኵሉ እስራኤል ኮይኑ፥ ናብቲ ኣብ ጌልገላ ዝነበረ ሰፈር ተመለሰ።

እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ተዋረዱ

እዞም ሓሙሽተ ነገስታት እዚኣቶም ድማ ሃዲሞም፥ ኣብታ ኣብ መቄዳ ዘላ በዓቲ ተሓብኡ። ንኢያሱ ድማ “እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ኣብታ ኣብ መቄዳ ዘላ በዓቲ ተሓቢኦም ተረኺቦም ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።

ኢያሱ ድማ “ዓበይቲ ኣእማን ኣንከራሪኹም ኣብ ኣፍ እታ በዓቲ ኣንብርዎም፤ ክሕልዉዎም ከዓ ኣብ ጥቓኣ ሰባት ኣቚሙ። ንስኻትኩም ግና ኣብኡ ኣይትፀንሑ። ንፀላእትኹም ሰጒጕኹም ብድሕሪኦም ውቕዕዎም፤ ናብ ከተማታቶም ከይበፅሑ ኣይትሕደግዎም፤ ኣቦኻትኩም ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ሂብዎም እዩ እሞ።”

ኢያሱን ደቂ እስራኤልን ብብርቱዕ ቅዝፈት ወቒዖም ክሳዕ ዝውድእዎም ቀዘፍዎም፤ ውሑዳት ዝተረፉ ግና ናብተን ዝተዓፀዋ ኸተማታት ሃዲሞም ኣምለጡ። ሽዑ ኵሉ ህዝቢ ናብ ኢያሱ፥ ናብቲ ኣብ መቄዳ ዝነበረ ሰፈር፥ ብደሓን ተመለሰ፤ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኻብ ደቂ እስራኤል ዘረባ ኽዛረብ ዝደፈረ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ኢያሱ ድማ “ኣፍ እታ በዓቲ ክፈቱ፤ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ከዓ ናባይ ኣውፅእዎም” በለ። ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ድማ ካብታ በዓቲ ናብኡ ኣውፅእዎም፤ ንጉስ ኢየሩሳሌምን ንጉስ ኬብሮንን ንጉስ የርሙትን ንጉስ ለኪሶን ንጉስ ኣዶላምን። ነዞም ነገስታት እዚኣቶም ናብ ኢያሱ ምስ ኣውፅእዎም፥ ኢያሱ ንዅሎም ሰብኡት እስራኤል ፀዊዑ፥ ነቶም ምስኡ ዝኸዱ መራሕቲ ውግእ “ቕረቡ፤ ኣእጋርኩም ኣብ ክሳድ እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣንብሩ” በሎም። ንሳቶም ድማ ቀሪቦም ኣእጋሮም ኣብ ክሳዶም ኣንበሩ።

ኢያሱ ድማ “ኣይትፍርሑ ኣይትደንግፁን፤ ፅንዑ ትብዑ፤ ኣቦና ነቶም እትዋግእዎም ኵሎም ፀላእቲ ኸምዙይ ክገብሮም እዩ እሞ” በሎም።

ድሕሪ እዙይ ኢያሱ ነቶም ነገስታት ወቒዑ ቐተሎም፤ ኣብ ሓሙሽተ ዕንፀይቲ ኸዓ ሰቐሎም፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ኣብኡ ተሰቒሎም ፀንሑ። ፀሓይ ምስ ዓረበት ድማ ኢያሱ፥ ነቶም ሬሳታት ካብቲ ዕንፀይቲ ኣውሪዶም ናብታ እቶም ነገስታት ዝተሓብኡላ በዓቲ ክድርብይዎም ኣዘዘ። ኣብ ኣፍ እታ በዓቲ ድማ ዓበይቲ ኣእማን ኣንበሩ፤ ንሳቶም ከዓ ኽሳዕ ሎሚ ኣብኡ ኣለዉ።

በታ መዓልቲ እቲኣ ኢያሱ ንመቄዳ ሓዛ፤ ንኣኣን ንንጉሳን ብስሕለት ሰይፊ ወቒዑ፥ ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ ዅሎም ኣጥፍኦም፤ ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ንንጉስ መቄዳ ድማ ከምቲ ንንጉስ ኢያሪኮ ዝገበሮ ገበሮ።

ኣቦና ነተን ደቡባውያን ከተማታት ይህብ

ሽዑ ኢያሱ ምስኡ ምስ ዝነበረ ኵሉ እስራኤል ኮይኑ፥ ካብ መቄዳ ናብ ልብና ሓለፈ፤ ንልብና ኸዓ ተዋግኣ። ኣቦና ድማ ንኣኣን ንንጉሳን ኣብ ኢድ እስራኤል ሃበ። ኢያሱ ኸዓ ንኣኣ፥ ነቲ ኣብኣ ዝነበረ ኵሉ ነፍሲ ወከፍ ድማ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዖም፤ ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ንንጉሳ ድማ ከምቲ ንንጉስ ኢያሪኮ ዝገበሮ ገበሮ።

ሽዑ ኢያሱ ምስኡ ምስ ዝነበረ ኵሉ እስራኤል ኮይኑ፥ ካብ ልብና ናብ ለኪሶ ሓለፈ፤ ኣብኣ ሰፊሩ ኸዓ ተዋግኣ። ኣቦና ድማ ንለኪሶ ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሃባ፤ ኢያሱ ኸዓ ብኻልኣይ መዓልቲ ሓዛ፤ ከምቲ ንልብና ዝገበሮ ድማ ንኣኣን ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ ዅሎምን ብሰይፊ ወቕዖም። ሽዑ ንጉስ ጌዘር ሆራም ንለኪሶ ክረድእ ደየበ፤ ኢያሱ ግና ንእኡን ንህዝቡን ወቕዖም፤ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።

ኢያሱ ምስኡ ምስ ዝነበረ ኵሉ እስራኤል ኮይኑ፥ ካብ ለኪሶ ናብ ኣዶላም ሓለፈ፤ ኣብኣ ሰፊሩ ኸዓ ተዋግኣ። በታ መዓልቲ እቲኣ ሓዝዋ፥ ብስሕለት ሰይፊ ኸዓ ወቕዕዋ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ከምቲ ንለኪሶ ዝገበሮ፥ ንዅሉ እቲ ኣብኣ ዝነበረ ነፍሲ ፈፂሙ ኣጥፍኦ።

ኢያሱ ድማ ምስ ኵሉ እስራኤል ኮይኑ፥ ካብ ኤግሎን ናብ ኬብሮን ደየበ፤ ተዋግኣውን። ሓዝዋ ድማ፥ ንዕኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ንዅሉ እቲ ኣብኣ ዝነበረ ነፍስን ብስሕለት ሰይፊ ወቕዕዎም፤ ከምቲ ንኤግሎን ዝገበሮ፥ ሓደ እኳ ኣየትረፈን። ንዕኣን ንዅሉ እቲ ኣብኣ ዝነበረ ነፍስን ድማ ፈፂሙ ኣጥፍኦ።

ኢያሱ ድማ ምስኡ ምስ ኵሉ እስራኤል ኮይኑ፥ ናብ ዳቤር ተመሊሱ ተዋግኣ። ንዕኣን ንንጉሳን ንዅለን ቍሸታታን ሓዘ፤ ብሰይፊ ኸዓ ወቕዖም፤ ንዅሉ እቲ ኣብኣ ዝነበረ ነፍሲ ድማ ፈፂሙ ኣጥፍኦ፤ ሓደ እኳ ኣየትረፈን። ከምቲ ንኬብሮን ዝገበሮ፥ ከምኡ ኸዓ ንልብና ምስ ንጉሳ ዝገበሮ፥ ንዳቤርን ንንጉሳን ገበረ። ኢያሱ ድማ ንዅላ እታ ምድሪ፥ ንደጕዓን ንደቡብን ንሓውሲ ደጕዓን ንጎቦታትን፥ ንዅሎም ነገስታቶም ድማ ወቕዖም፤ ሓደ እኳ ኣየትረፈን። ከምቲ ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ንዅሉ እስትንፋስ ዘለዎ ፈፂሙ ኣጥፍኦ። ኢያሱ ድማ ካብ ቃዴስ በርኔ ክሳዕ ጋዛ፥ ንዅላ ምድሪ ጎሶም ድማ ክሳዕ ገባዖን ወቕዖም። ኢያሱ ድማ ነዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶምን ንምድሮምን ብሓደ ጊዜ ሓዞም፤ ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ምእንቲ እስራኤል ይዋጋእ ስለ ዝነበረ። ኢያሱ ድማ ምስኡ ምስ ኵሉ እስራኤል ኮይኑ፥ ናብቲ ኣብ ጌልገላ ዝነበረ ሰፈር ተመለሰ።