ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ንነገስታት ሰሜን ሰዓሮም

ናይ ሰሜን ነገስታት ኣፍራስን ሰረገላታትን ከም ሑፃ ገምገም ባሕሪ ሒዞም ተኣከቡ፥ ኣቦና ኸዓ ኣብ ማይ ሜሮም ሰዓሮም፤ ኣፍራሶም ቛንጃኦም ተቘረፀ፥ ሰረገላታቶም ድማ ነደደ። ሓፆር ጥራሕ ባዕላ ነደደት። ሽዑ እቲ ነዊሕ ውግእ ተወድአ፥ እታ ምድሪ ኸዓ ዓረፈት።

ምዕራፍ 11።

ኢያቢስ ንጉስ ሓፆር እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ዮባብ ንጉስ ማዶን፥ ናብ ንጉስ ሺምሮን፥ ናብ ንጉስ ኣዚፍ ለኣኸ፤ ናብቶም ኣብ ደጕዓን፥ ኣብ ደቡብ ኪኔሬት ዘሎ ዓረባን፥ ኣብ ቈላን፥ ኣብ ምዕራብ ዘሎ እምባታት ዶርን ዝነበሩ ነገስታት ሰሜን፤ ናብ ከነዓናውያን ብወገን ምብራቕን ምዕራብን ዝነበሩ፥ ናብ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፈሪዛውያንን ኢያቡሳውያንን ኣብ ደጕዓ ዝነበሩ፥ ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ኣብ ምድሪ ምፅጳ ዝነበሩ ሔዋውያንን ለኣኸ። ንሳቶም ድማ ምስ ኵሎም ሰራዊቶም ወፁ፤ እቲ ሰራዊት ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ዝበዝሐ ነበረ፤ የመና ብዙሕ ኣፍራስን ሰረገላታትን ድማ ነበሮም። እዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶም ተኣኪቦም ከም ሓደ ኮይኖም፥ ምስ እስራኤል ንምውጋእ፥ ኣብ ማይ ሜሮም ብሓባር ሰፈሩ።

ኣቦና ድማ ንኢያሱ ከምዙይ በሎ፦ “ኣይትፍርሃዮም፤ ፅባሕ ከምዛ ሰዓት እዚኣ ንዅሎም ቅቱላት ጌረ ንእስራኤል ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ እሞ። ኣፍራሶም ቛንጃኦም ቍረፁ፤ ሰረገላታቶም ድማ ብሓዊ ኣንድድ።”

ኢያሱን ሰራዊቱን ድማ ኣብ ማይ ሜሮም ብድንገት መፅዎም፤ ወቕዕዎም ከዓ፤ ኣቦናውን ናብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንሳቶም ድማ ወቒዖም ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶና፥ ክሳዕ ሚስረፎት ማይም፥ ብወገን ምብራቕ ድማ ክሳዕ ለሰ ምፅጳ ሰዓብዎም፤ ሓደ እኳ ኣየትረፉን። ኢያሱ ድማ ከምቲ ኣቦና ዝበሎ ገበሮም፤ ኣፍራሶም ቛንጃኦም ቈረፀ፤ ሰረገላታቶም ድማ ብሓዊ ኣንደዶ። በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ኢያሱ ተመሊሱ ንሓፆር ሓዛ፤ ንንጉሳ ኸዓ ብሰይፊ ቐተሎ፤ ሓፆር ቅድም ናይ ኵለን እዘን መንግስታት እዚኣተን ርእሲ ነበረት እሞ። ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ድማ ብስሕለት ሰይፊ ወቒዖም ፈፂሞም ኣጥፍእዎም፤ ዝተንፍስ ነፍሲ ሓደ እኳ ኣይተረፈን፤ ኢያሱ ኸዓ ንሓፆር ባዕላ ብሓዊ ኣንደዳ። ኢያሱ ድማ ነተን ናይዞም ኵሎም ነገስታት ከተማታትን ንነገስታተንን ማረኸ፤ ብስሕለት ሰይፊ ወቒዑ ፈፂሙ ኣጥፍኦም፤ ከምቲ ባርያ ኣቦና ሙሴ ዝኣዘዞ። እስራኤል ግና ካብተን ኣብ ዂይ ዝቘማ ከተማታት፥ ብዘይ ሓፆር ጥራሕ፥ ሓንቲ እኳ ኣየንደደን፤ ንሳ ጥራሕ ኢያሱ ኣንደዳ። ደቂ እስራኤል ድማ ኵሉ ምርኮን እንስሳ እዘን ከተማታት እዚኣተንን ንርእሶም ወሰዱ፤ ንዅሎም ሰባት ግና ብስሕለት ሰይፊ ወቒዖም ዝተንፍስ ሓደ እኳ ኣየትረፉን። ከምቲ ኣቦና ንባርያኡ ሙሴ ዝኣዘዞ፥ ሙሴ ኸዓ ንኢያሱ ኣዘዞ፤ ኢያሱ ድማ ገበሮ፤ ካብቲ ዅሉ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ ሓደ እኳ ኣይገደፈን።

ኢያሱ ድማ ነዛ ዅላ ምድሪ እዚኣ ወሰዳ፦ ደጕዓን ንዅሉ ደቡብን ንዅላ ምድሪ ጎሶምን ቈላን ዓረባን ደጕዓ እስራኤል ምስ ቈላኡን። ካብቲ ናብ ሴይር ዘድይብ እምባ ሃላቅ ክሳዕ እታ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ዘላ በዓልጋድ፥ ንዅሎም ነገስታቶም ሓዞም፤ ወቒዑ ድማ ቐተሎም። ኢያሱ ድማ ምስዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶም ንብዙሕ ጊዜ ተዋግአ። ብዘይ እቶም ኣብ ገባዖን ዝነብሩ ሔዋውያንን፥ ምስ ደቂ እስራኤል ሰላም ዝገበረት ሓንቲ ኸተማ እኳ ኣይነበረትን፤ ንዅሎም ብውግእ ሓዝዎም። ኣቦና ንልቦም ኣትሪሩ ምስ እስራኤል ንኽዋግኡ ገበሮም እሞ፥ ምእንቲ ፈፂሞም ክጠፍኡ ምሕረት ከይርከቦምን ክውድኡ፥ ከምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ እዩ። በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ኢያሱ ኸይዱ ንዔናቃውያን ካብ ደጕዓ፥ ካብ ኬብሮን፥ ዳቤር፥ ዓናብ፥ ካብ ኵሉ ደጕዓ ይሁዳን ካብ ኵሉ ደጕዓ እስራኤልን ኣጥፍኦም፤ ንኣኣቶምን ንከተማታቶምን ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ኣብ ምድሪ ደቂ እስራኤል ሓደ ዔናቃዊ እኳ ኣይተረፈን፤ ኣብ ጋዛን ጋትን ኣዛጦንን ጥራሕ ገሊኦም ተረፉ። ኢያሱ ድማ፥ ከምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝበሎ፥ ንዅላ እታ ምድሪ ወሰዳ፤ ከከም ክፍፍል ነገዳቶም ድማ ንእስራኤል ርስቲ ጌሩ ሃቦም። እታ ምድሪ ኸዓ ካብ ውግእ ኣዕረፈት።