ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

እቶም ኣቦና ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ ኣሕሊፉ ዝሃቦም ነገስታት

ሳላሳን ሓደን ዝተሰዓሩ ነገስታት፥ ሓደ ብሓደ ዝተዘርዘሩ—ኢያሪኮ፥ ጋይ፥ ኢየሩሳሌም፥ ኬብሮን፥ ሓፆር—ምስ ሴዎንን ዓግን ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ። ከም ቅብሊት እዩ ዝንበብ፦ እቲ ኣቦና ዝተመባፅዖ፥ ሓደ ብሓደ ተፀብፂቡ፥ ዝተሰወረ ነገር ዘይብሉ።

ምዕራፍ 12።

እዚኣቶም እቶም ደቂ እስራኤል ዝሰዓርዎም፥ ምድሮም ከዓ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ፀሓይ፥ ካብ ለሰ ኣርኖን ክሳዕ እምባ ኣርሞንኤም ምስ ኵሉ ብምብራቕ ዘሎ ዓረባ ዝሓዝዋ ነገስታት እታ ምድሪ እዮም፦ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን እዩ፤ ንሱ ኣብ ሓሴቦን ይነብር ነበረ፤ ካብታ ኣብ ገምገም ለሰ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ጀሚሩ፥ ካብ ማእኸል እቲ ለሰ፥ ፍርቂ ገለዓድ ክሳዕ ፈለግ ያቦቅ ዝኾነ ወሰን ደቂ ኣሞን ድማ ይገዝእ ነበረ፤ ኣብ ምብራቕ ዘሎ ዓረባ ድማ፥ ካብ ባሕሪ ኪኔሬት ክሳዕ ባሕሪ ዓረባ፥ ማለት ባሕሪ ጨው፥ ናብ ቤትየሺሞት ኣቢሉ፥ ብደቡብ ከዓ ኣብ እግሪ ጎቦታት ፈስጋ ይገዝእ ነበረ። ዓግ ንጉስ ባሳን ድማ፥ እቲ ካብ ረፋውያን ተሪፉ ዝነበረ፥ ኣብ ኣስታሮትን ኣብ ኤድሬዒን ይነብር ነበረ፤ ኣብ እምባ ኣርሞንኤምን ኣብ ሳልካን፥ ኣብ ኵሉ ባሳን ክሳዕ ወሰን ጌሹራውያንን መዓካታውያንን፥ ኣብ ፍርቂ ገለዓድ ክሳዕ ወሰን ሴዎን ንጉስ ሓሴቦን ይገዝእ ነበረ። ሙሴ ባርያ ኣቦናን ደቂ እስራኤልን ሰዓርዎም፤ ሙሴ ባርያ ኣቦና ድማ ነታ ምድሮም ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ጌሩ ሃቦም።

እቶም ኣቦና ኣብ ምዕራብ ዮርዳኖስ ኣሕሊፉ ዝሃቦም ነገስታት

እዚኣቶም እቶም ኢያሱን ደቂ እስራኤልን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ዝሰዓርዎም ነገስታት እታ ምድሪ እዮም፤ ካብቲ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ዘሎ በዓልጋድ ጀሚሩ ክሳዕ እቲ ናብ ሴይር ዘድይብ እምባ ሃላቅ ዝበፅሕ ነበረ። ኢያሱ ኸዓ ነታ ምድሪ ንነገዳት እስራኤል ኸከም ምቕሊቶም ርስቲ ጌሩ ሃቦም። ኣብ ደጕዓን ቈላን ዓረባን ጎቦታትን ምድረ በዳን ደቡብን ዝነበረት፥ ማለት ምድሪ ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ፌርዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን፦

ንጉስ ኢያሪኮ ሓደ፤ እቲ ኣብ ጥቓ ቤቴል ዘሎ ንጉስ ጋይ ሓደ፤

ንጉስ ኢየሩሳሌም ሓደ፤ ንጉስ ኬብሮን ሓደ፤

ንጉስ ያርሙት ሓደ፤ ንጉስ ላኪሶ ሓደ፤

ንጉስ ኣዶላም ሓደ፤ ንጉስ ጌዝር ሓደ፤

ንጉስ ዳቤር ሓደ፤ ንጉስ ጌደር ሓደ፤

ንጉስ ሔርማ ሓደ፤ ንጉስ ኣራድ ሓደ፤

ንጉስ ልብና ሓደ፤ ንጉስ ዓዶላም ሓደ፤

ንጉስ ማቄዳ ሓደ፤ ንጉስ ቤቴል ሓደ፤

ንጉስ ታጱዋ ሓደ፤ ንጉስ ኤፌር ሓደ፤

ንጉስ ኣፌቅ ሓደ፤ ንጉስ ላሳሮን ሓደ፤

ንጉስ ማዶን ሓደ፤ ንጉስ ሓፆር ሓደ፤

ንጉስ ሺምሮንሜሮን ሓደ፤ ንጉስ ኣክሻፍ ሓደ፤

ንጉስ ታዕናክ ሓደ፤ ንጉስ መጊዶ ሓደ፤

ንጉስ ቃዴስ ሓደ፤ እቲ ኣብ ቀርሜሎስ ዘሎ ንጉስ ዮቅንዓም ሓደ፤

እቲ ኣብ ናፋትዶር ዘሎ ንጉስ ዶር ሓደ፤ እቲ ኣብ ጌልገላ ዘሎ ንጉስ ጐይም ሓደ፤

ንጉስ ቴርሳ ሓደ፤ ኵሎም ነገስታት ሳላሳን ሓደን እዮም።