ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኢዮብ መሊሱ ተዛረበ

ኢዮብ ዝሰኣኖ ነገር ይዝክር፦ ደቁ ኣብ ዙርያኡ፥ ዕርክነት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ድንኳኑ፥ ኣኽብሮት ብዘላ ኸተማ። ንዕዉራት ዓይኒ፥ ንፅጉማት ኣቦ ነበረ፥ ክብሩ ገና ሓድሽ ከሎ ኣሪጉ ኣብ ገዛኡ ክመውት ተፀቢዩ ነበረ።

ምዕራፍ 29።

ኢዮብ ድማ መሊሱ ከምዙይ በለ፦ “ኦ፥ ከምቲ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፥ ከምተን እግዚኣብሄር ዝሕልወኒ ዝነበረ መዓልቲታት እንተ ዝኸውን ነይረ! መብራህቱ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ከብርህ እንተሎ፥ በቲ ብርሃኑ ኸዓ ብፀልማት ተመላለስኩ፤ ከምቲ ብመዓልቲታት ጕብዝናይ ዝነበርክዎ፥ ምስጢራዊ ዕርክነት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ድንኳነይ ኣብ ዝዓረፈሉ፥ a a v4 ኢዮብ ነቲ ቅድም ዝፈልጦ ቅርበት፥ ነቲ ምስጢራዊ ዕርክነት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ቤቱ፥ ይናፍቖ ኣሎ። እቲ ዝናፍቖ ዘሎ እግዚኣብሄር፥ እቲ ልቡ ፈፂሙ ዘይገደፎ ኣቦ ምዃኑ ገና ኣይፈለጠን፤ ቅድሚ እዛ መፅሓፍ ምውዳኣ ባዕሉ ኸም ዝርእዮ ኸዓ ገና ኣይፈለጠን። እቲ ዅሉ ዝኽእል ገና ምሳይ ኣብ ዝነበረሉ፥ ደቀይ ከዓ ኣብ ዙርያይ ኣብ ዝነበሩሉ፤ ኣካይዳይ ብርግኦ ኣብ ዝተሓፀበሉ፥ እቲ ኸውሒ ኸዓ ወሓዝቲ ዘይቲ ዘፍሰሰለይ፤ ናብ ደገ እታ ኸተማ ወፂአ፥ ኣብ ኣደባባይ ተቐሚጠ እንተለኹ፥ እቶም መንእሰያት ርእዮምኒ ኣግለሱ፤ እቶም ሽማግለታት ድማ ተሲኦም ደው በሉ፤ እቶም መሳፍንቲ ዘረባኦም ዓገቱ፤ ኣብ ኣፎም ድማ ኢዶም ኣንበሩ፤ ድምፂ እቶም ክቡራት ፀጥ በለ፤ ልሳኖም ድማ ኣብ ትንሓጎም ለገበ። እዝኒ ምስ ሰምዐት፥ ብፅእቲ በለትኒ፤ ዓይኒ ምስ ረአየት ከዓ፥ መስከረትለይ፤ ነቲ ዝጠርዐ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዘይብሉ ደኽታምን ስለ ዘድሓንክዎ፤ በረኸት እቲ ኽጠፍእ ዝነበረ ሰብ ናባይ መፀ፤ ንልቢ መበለት ድማ ብሓጐስ ከም ዝዝምር ገበርክዎ። ፅድቂ ተኸደንኩ፥ ንሱ ኸዓ ኸደነኒ፤ ፍትሐይ ድማ ከም ቐሚሽን መጠምጠምያን ነበረ። ንዕዉራት ዓይኒ፥ ንሓንካሳት ድማ እግሪ ነበርክዎም። ንፅጉማት ኣቦ ነበርክዎም፤ ነቲ ዘይፈልጦ ሰብ ጕዳዩ ድማ መርመርኩ። ኣስናን እቲ ረሲእ ሰበርኩ፤ ነቲ ግዳይ ድማ ካብ ኣስናኑ መንጠልክዎ። ስለዙይ ድማ ‘ኣብ ገዛይ ክመውት እየ፥ መዓልቲታተይ ከዓ ኸም ሑፃ ከብዝሕ እየ’ ኢለ ሓሰብኩ። ሱረይ ናብ ማያት ተዘርግሐ፤ ኣውሊ ድማ ለይቲ ምሉእ ኣብ ጨናፍረይ ሓደረ። ክብረይ ኣብ ውሽጠይ ሓድሽ ኮይኑ ፀንሐ፤ ቀስተይ ድማ ኣብ ኢደይ ኵሉ ጊዜ ሓድሽ ነበረ። ሰባት ሰምዑኒ፥ ተፀበዩ ኸዓ፤ ንምኽረይ ድማ ስቕ በሉ። ኣነ ምስ ተዛረብኩ፥ መሊሶም ኣይተዛረቡን፤ ዘረባይ ድማ ብህድኣት ኣብ ልዕሊኦም ወረደ። ከም ዝናም ይፅበዩኒ ነበሩ፤ ከም ናይ ፀደይ ዝናም ድማ ኣፎም ከፈቱ። ፍሽኽ ምስ በልኩሎም፥ ክኣምኑ ኣፀገሞም፤ ብርሃን ገፀይ ድማ ኣፅኒዖም ሓዙ። መንገዶም መረፅኩ፥ ከም ሓለቓኦም ኮይነ ኸዓ ተቐመጥኩ፤ ከም ንጉስ ኣብ ማእኸል ሰራዊቱ ነበርኩ፤ ከምቲ ንሕዙናት ዘፅናንዕ ከዓ ነበርኩ።”