ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ሊቀ ካህናትና፥ ተቐሚጡ

ሓንቲ ዓረፍተ ነገር ተሰክሞ፦ ሊቀ ካህናትና ተቐሚጡ እዩ። እቲ ዘገልግሎ ቅዳሕ ዘይኮነስ እቲ ሓቀኛ መቕደስ እዩ፥ እቲ ማእኸላይ ኮይኑ ዘገልግለሉ ኪዳን ድማ እቲ ኤርሚያስ ተስፋ ዝሃቦ እዩ፥ ሕግጋት ኣብ ኣእምሮን ኣብ ልብን ዝተፅሓፈሉ፥ ሓጢኣት ድማ ደጊም ዘይዝከረሉ፥ ኵሉ ድማ ንኣቦና ዝፈልጠሉ።

ምዕራፍ 8።

እቲ ቀንዲ ነገር እዙይ እዩ፦ ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ዙፋን እቲ ልዑል ዝተቐመጠ፥ ከምዙይ ዝበለ ሊቀ ካህናት ኣለና። ናይ ቅዱሳት ቦታታት ናይ እታ ብኣቦ እምበር ብሰብ ዘይተተኸለት ናይ ሓቂ ድንኳንን ኣገልጋሊ እዩ። ኵሉ ሊቀ ካህናት መባእን መስዋእትን ክስውእ እዩ ዝሽየም፤ ስለዙይ እዝ ሊቀ ካህናት እዙይውን ዝስውኦ ነገር ክህልዎ ኣለዎ። ኣብ ምድሪ እንተ ዝነብር ነይሩ፥ ነቲ መባእ ብመሰረት እቲ ሕጊ ዘቕርቡ ካልኦት ስለ ዘለዉ፥ ካህን እኳ ኣይምኾነን ነይሩ።

ንሳቶም ናይ ሰማያዊ ነገር ቅዳሕን ፅላሎትን የገልግሉ፤ ከምቲ ሙሴ ነቲ ድንኳን ክውድእ ምስ ቀረበ ዝተነግሮ፦ “ርአ፥” ኢሉ፥ “ኵሉ ነገር ከምቲ ኣብ እምባ ዝተርኣየካ ምስሊ ጌርካ ግበሮ” በሎ።

ሕዚ ግና ኢየሱስ ዝበለፀ ኣገልግሎት ረኺቡ ኣሎ፤ እቲ ንሱ ማእኸላይ ዝኾነሉ ኪዳን ኣብ ዝበልፅ ተስፋታት ተመስሪቱ፥ ዝበልፅ ስለ ዝኾነ። እቲ ቐዳማይ ኪዳን ኣበር ዘይብሉ እንተ ዝኸውን ነይሩ፥ ንኻልኣይ ኣየድልን ነይሩ።

ንሳቶም ኣበር ረኺቡሎም ድማ ከምዙይ ይብል፦ “እንሆ፥ ምስ እቲ ቤት እስራኤልን ምስ እቲ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወሉ መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ፥ ይብል ኣቦና፥ ከምቲ በታ ኢዶም ሒዘ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኽዎም መዓልቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኽዎ ኪዳን ኣይኮነን፤ ንሳቶም ኣብ ኪዳነይ ስለ ዘይፀንዑ፥ ኣነውን ሸለል በልክዎም፥ ይብል ኣቦና። እቲ ድሕሪ እተን መዓልቲታት ምስ እቲ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኪዳን እዙይ እዩ፥ ይብል ኣቦና፤ ሕግጋተይ ኣብ ኣእምሮኦም ከንብር፥ ኣብ ልቦም ድማ ክፅሕፎ እየ፤ ኣነ ኣቦኦም ክኸውን እየ፥ ንሳቶም ድማ ውሉደይ ክኾኑ እዮም። ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ፥ ነፍሲ ወከፍ ድማ ንሓዉ፥ ‘ንኣቦና ፍለጥ’ ኢሉ ደጊም ኣይምህርን እዩ፤ ካብ ዝንእሶም ክሳዕ ዝዓብዮም ኵሎም ኪፈልጡኒ እዮም እሞ። ንበደሎም ክምሕር እየ እሞ፥ ሓጢኣቶም ድማ ደጊም ኣይዝክርን እየ።”

ብዛዕባ ሓድሽ ኪዳን ብምዝራቡ፥ ነቲ ቐዳማይ ኣረጊት ገበሮ። እቲ ዝኣረገን እናኣረገን ዘሎ ድማ ክጠፍእ ቀሪቡ እዩ።