ኣቦና ናብ ንቑፃት ኣዕፅምቲ ህይወት ይነፍስ
ብኣቦና ኣብ ሽንጥሮ ኣዝዮም ንቑፃት ኣዕፅምቲ ተቐሚጡ፥ ክሕወዩ ይኽእሉ እንተ ኾይኖም ተሓተ፤ ህዝቅኤል ከዓ ተነበ፥ ኽተኣኻኸቡ ከለዉ ድማ ወኻዕታ ሰምዐ፥ ስጋ ተኸዲኖም ደው በሉ። ንሳቶም እስራኤል እዮም፥ ‘ተስፋና ጠፊኡ’ ዝብሉ። ድሕሪኡ ክልተ ዝተፅሓፈለን ዕፅ ኣብ ኢዱ ሓደ ይኾና።
37 1ኢድ ኣቦና ኣብ ልዕለይ መፀት። ብመንፈስ ኣቦና ኸዓ ኣውፂኡ ኣብ ማእኸል እቲ ሽንጥሮ ኣቐመጠኒ፤ ንሱ ድማ ብኣዕፅምቲ መሊኡ ነበረ። 2ኣብ ዙርያኦም ድማ ኣዛወረኒ፤ እንሆ ኣብ ገፀ እቲ ሽንጥሮ የመና ብዙሓት፥ የመና ንቑፃትውን ነበሩ።
3ከምዙይ ድማ በለኒ፦ “ኦ ወዲ ሰብ፥ እዚኣቶም ኣዕፅምቲ ክሕወዩዶ ይኽእሉ?” ኣነ ኸዓ “ኦ ልዑል ኣቦ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ” በልኩ።
4ሽዑ ከምዙይ በለኒ፦ “ኣብ ልዕሊ እዚኣቶም ኣዕፅምቲ ተነበ፤ ኣቱም ንቑፃት ኣዕፅምቲ፥ ቃል ኣቦና ስምዑ። 5ልዑል ኣቦ ነዚኣቶም ኣዕፅምቲ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ እስትንፋስ ከእትወልኩም እየ፥ ክትሕወዩ ድማ ኢኹም። 6ኣብ ልዕሌኹም ጅማት ክገብር፥ ስጋ ከዓ ከምፅአልኩም፥ ብቘርበት ክኸድነኩም፥ እስትንፋስ ድማ ከእትወልኩም እየ፤ ክትሕወዩ ኢኹም። ኣነ ኣቦኹም ምዃነይ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም።”
7ከምቲ እተኣዘዝኩዎ ድማ ተነበኹ። እናተነበኹ ኸሎኹ ኸዓ ድምፂ ኮነ፤ ወኻዕታ ድማ ነበረ፤ እቶም ኣዕፅምቲ ኸዓ ተቓረቡ፥ ዓፅሚ ናብ ዓፅሙ። 8ጠመትኩ ድማ፥ እንሆ ጅማት ኣብ ልዕሊኦም ነበረ፥ ስጋ ኸዓ ኣብ ልዕሊኦም በቘለ፥ ቘርበትውን ከደኖም፤ ግና እስትንፋስ ኣብኣቶም ኣይነበረን።
9ከምዙይ ድማ በለኒ፦ “ናብ እስትንፋስ ተነበ፤ ኦ ወዲ ሰብ ተነበ፥ ነቲ እስትንፋስ ድማ በሎ፦ ልዑል ኣቦ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኦ እስትንፋስ፥ ካብ ኣርባዕተ ንፋሳት ንዓ፥ ኣብዞም ቅቱላት እዚኦም ተንፍስ፥ ክሕወዩ ድማ።” a a v9 ኣብዙይ ሓደን ተመሳሳልን ቃል፥ እስትንፋስ፥ ንፋስ፥ መንፈስ ማለት እዩ፤ ስለዙይ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት፥ ነቲ ናብ ምዉታት ዝፅዋዕ እስትንፋስ ህይወት፥ ነቲ ኣቦና ኣብ ፍቕዲ 14 ዘፍስሶ መንፈስ ድማ ይሰምዮም።
10ከምቲ ዝኣዘዘኒ ድማ ተነበኹ፤ እስትንፋስ ድማ ኣተዎም፤ ህያዋን ኮይኖም ከዓ ኣብ ኣእጋሮም ደው በሉ፤ የመና ዓብዪ ሰራዊት ነበሩ።
11ከምዙይ ድማ በለኒ፦ “ኦ ወዲ ሰብ፥ እዚኣቶም ኣዕፅምቲ ብዘሎ ቤት እስራኤል እዮም። እንሆ ኸዓ፥ ‘ኣዕፅምትና ነቒፁ፥ ተስፋና ጠፊኡ፥ ፈፂምና ተቘሪፅና’ ይብሉ ኣለዉ። 12ስለዙይ ተነበ፥ ከምዙይ ድማ በሎም፦ ልዑል ኣቦ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣቱም ደቀይ፥ እንሆ ኣነ መቓብርኩም ክኸፍት፥ ካብ መቓብርኩምውን ከደይበኩም እየ፤ ናብ ምድሪ እስራኤል ድማ ከእትወኩም እየ። 13ኣቱም ደቀይ፥ መቓብርኩም ክኸፍት፥ ካብ መቓብርኩም ድማ ከውፅኣኩም ከሎኹ፥ ኣነ ኣቦኹም ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። 14መንፈሰይ ድማ ኣባኻትኩም ከእቱ እየ፥ ክትሕወዩ ድማ ኢኹም፤ ኣብ ናይ ርእስኹም ምድሪ ድማ ከቕምጠኩም እየ። ኣነ ኣቦኹም፥ ከም ዝተዛረብኩን ከም ዝገበርኩን ሽዑ ክትፈልጡ ኢኹም ይብል ኣቦና።”
ኣቦና ንእተፈላለዩ ደቁ መሊሱ የሕብሮም
15ቃል ኣቦና ድማ መሊሱ ናባይ መፀ፦
16“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንስኻ ሓደ በትሪ ውሰድ፥ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ‘ንይሁዳን ንብፆቱ ደቂ እስራኤልን’ ኢልካ ፅሓፍ። ካልእ በትሪ ድማ ውሰድ፥ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ‘ንዮሴፍ—በትሪ ኤፍሬም—ን ንብፆቱ ዅሉ ቤት እስራኤልን’ ኢልካ ፅሓፍ። 17ንሳቶም ሓደ በትሪ ኮይኖም ኣብ ኢድካ ሓደ ምእንቲ ኽኾኑ፥ ንሓድሕዶም ኣላግቦ።
18“ህዝብኻ ድማ ‘እዚኣቶም እንታይ ማለት እዮም?’ ኢሎም ምስ ጠየቑኻ፥ 19ከምዙይ በሎም፦ ልዑል ኣቦ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ነቲ ኣብ ኢድ ኤፍሬም ዘሎ በትሪ ዮሴፍ፥ ምስቶም ምስኡ ዝተላገቡ ነገድ እስራኤል ክወስድ፥ ናብ በትሪ ይሁዳ ድማ ክውስኾ እየ፥ ሓደ በትሪ ኸዓ ክገብሮም፥ ኣብ ኢደይ ድማ ሓደ ይኾኑ። 20እቲ ዝፀሓፍካሉ በትርታት ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኣብ ኢድካ ሓዞ። 21ከምዙይ ድማ በሎም፦ ልዑል ኣቦ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ ኣነ ነቶም ደቂ እስራኤል ካብ ማእኸል እቶም ዝኸድዎም ኣህዛብ ክወስዶም እየ፤ ካብ ኵሉ ወገን ከዓ ክእክቦም፥ ናብ ናይ ርእሶም ምድሪ ድማ ከምፅኦም እየ። 22ኣብታ ምድሪ፥ ኣብ እምባታት እስራኤል ድማ ሓደ ህዝቢ ክገብሮም፥ ሓደ ንጉስ ከዓ ኣብ ልዕሊ ኵሎም ንጉስ ክኸውን እዩ። ድሕሪ ደጊም ክልተ ህዝቢ ኣይኮኑን፥ ናብ ክልተ መንግስቲ ድማ መሊሶም ኣይክፈፈሉን እዮም። 23ድሕሪ ደጊም ብጣዖታቶም፥ ብፅዩፋት ነገራቶም፥ ወይ ብዝኾነ ምትሕልላፎም ንርእሶም ኣይከርክሱን እዮም። ካብ ኵሉ እቲ ዝነበርሉን ሓጢኣት ዝገበርሉን ቦታ ኸዓ ከድሕኖም፥ ከንፅሆም ድማ እየ። ንሳቶም ደቀይ ክኾኑ፥ ኣነ ኸዓ ኣቦኦም ክኸውን እየ። 24ባርያይ ዳዊት ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ክኸውን እዩ፤ ንዅሎም ድማ ሓደ ጓሳ ኽኾኖም እዩ። ፍርድታተይ ድማ ክስዕቡ፥ ሕግጋተይ ክሕልዉ፥ ክፍፅምዎም ከዓ እዮም። 25ኣብታ ንባርያይ ያእቆብ ዝሃብክዋ፥ ኣቦታትኩም ዝነበሩላ ምድሪ ኽነብሩ እዮም። ንሳቶም፥ ደቆም፥ ደቂ ደቆም ድማ ንዘለኣለም ኣብኣ ኽነብሩ እዮም፤ ባርያይ ዳዊት ከዓ ንዘለኣለም መስፍኖም ክኸውን እዩ። 26ምስኣቶም ኪዳን ሰላም፥ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ድማ ክኣቱ እየ። ከቕምጦም፥ ከባዝሖም፥ መቕደሰይ ድማ ንዘለኣለም ኣብ ማእኸሎም ክገብር እየ። 27ማሕደረይ ኣብ ልዕሊኦም ክኸውን እዩ፤ ኣነ ኣቦኦም ክኸውን፥ ንሳቶም ከዓ ደቀይ ክኾኑ እዮም። 28መቕደሰይ ንዘለኣለም ኣብ ማእኸሎም ምስ ኮነ፥ ኣነ ንእስራኤል ዝቕድስ ኣቦኹም ምዃነይ፥ እቶም ኣህዛብ ክፈልጡ እዮም።’”