ኣቦ ኣንፃር ጎግ ይዛረብ
ጎግ ናይ ማጎግ ኣብ ምንጋጋኡ መንጠቖ ተገይሩ ይምለስ፥ ናብታ ዳግም ዝሰፈረት፥ ዘይተዓፀወት፥ ክዝምታ ዝሓስብ ምድሪ ይስሓብ። ነጋዶ ንምዝማት መፂኡ እንተ ኾይኑ ይሓቱ። ኣቦና እቲ ወራር ናይ ባዕሉ ግብሪ ኸም ዝኾነ ይዛረብ፥ ምድሪ ባዕላ ድማ ክትርዕድ እያ።
38 1ቃል ኣቦና ድማ ናባይ መፀ፦
2ኦ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ጎግ፥ ናብቲ ኣብ ምድሪ ማጎግ ዘሎ፥ ሓለቓ መሳፍንቲ ሞሳሕን ቶቤልን ኣቕንዕ እሞ ኣንፃሩ ተነበ፤ 3ከምዙይ ድማ በል፦ ልዑል ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኦ ጎግ፥ ሓለቓ መሳፍንቲ ሞሳሕን ቶቤልን፥ እንሆ ኣነ ኣንፃርካ እየ። 4ከዞርካ ኣብ ክሳድካ ኸዓ መንጠቖ ኸእቱ እየ፤ ንኣኻን ንዅሉ ሰራዊትካን፥ ፈረስን ፈረሰኛታትን፥ ኵሎም ፅቡቕ ኣፅዋር ዝዓጠቑ፥ ዓበይትን ኣናእሽቱን ዋልታታት ዝሓዘ ብዙሕ ህዝብን፥ ኵሉ ሰይፊ ዝዓጠቐን ከውፅአካ እየ፤ 5ፋርስን ኵሽን ፉጥን ምስኣቶም ኣለዉ፤ ኵሎም ዋልታን ራእሲ ቍሪ ዝዓጠቑ፤ 6ጋሜርን ኵሉ ሰራዊቱን፥ ካብ ርሑቕ ሰሜን ዘሎ ቤት ቴርጋማን ኵሉ ሰራዊቱን፥ ብዙሓት ህዝብታት ድማ ምሳኻ ኣለዉ።
7ተዳሎ፤ ንስኻን ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኻ ዝተኣከቡ ሰራዊትካን ተዳለዉ፤ ሓለቓኦም ድማ ኩን። 8ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ኽትፅዋዕ ኢኻ። በቲ ዳሕረዋይ ዓመታት ድማ ናብታ ኻብ ውግእ ዝተመለሰት ምድሪ ኽትወርር ኢኻ፤ ህዝባ ኻብ ብዙሓት ህዝብታት ናብቲ ነዊሕ ጊዜ ዑና ኾይኑ ዝነበረ ኣኽራን እስራኤል ዝተኣከበ፤ ካብ ህዝብታት ድማ ወፂኦም ሕዚ ኵሎም ብደሓን ይነብሩ ኣለዉ። 9ንስኻን ኵሉ ሰራዊትካን፥ ብዙሓት ህዝብታት ምሳኻን፥ ከም ህቦብላ ነጎዳ ኽትድይብ፥ ከም ደመና ነታ ምድሪ ኽትኽድን ኢኻ።”
10ልዑል ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሓሳብካ ነገር ክመፀካ እዩ፤ ክፉእ ተንኮል ድማ ክትምህዝ ኢኻ። 11ከምዙይ ከዓ ክትብል ኢኻ፦ ‘ናብ ዘይተዓፀወት ምድሪ ዓድታት ክወርር እየ፤ ናብቶም ሃዲኦም ዝነብሩ፥ ኵሎም መንደቕን ጋድማትን ደገን ዘይብሎም ህዝቢ ድማ ክወርር እየ’፥ 12ምእንቲ ኽትምዝብርን ክትዘምትን፥ ነቲ ሰብ ዝሰፈሮ ዑናን ነቶም ካብ ህዝብታት ዝተኣከቡ፥ እንስሳን ጥሪትን ዘጥረዩ፥ ኣብ ማእኸል ምድሪ ዝነብሩ ህዝብን ክትወርሮም። 13ሳባን ድዳንን፥ ነጋዶ ተርሴስን ኵሎም መንእሰያት ኣናብሶምን ድማ ‘ክትምዝብርዶ መፂእኻ? ክትዘምትዶ ሰራዊትካ ኣከብካ? ብሩርን ወርቅን ክትወስድ፥ እንስሳን ጥሪትን ክትምዝብር፥ ብዙሕ ምርኮ ኽትወስድዶ?’ ኢሎም ክሓቱኻ እዮም።”
14ስለዙይ ኦ ወዲ ሰብ፥ ተነበ እሞ ንጎግ ከምዙይ በሎ፦ ልዑል ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ህዝበይ እስራኤል ብደሓን ክነብሩ እንተለዉ፥ ኣይትፈልጦንዶ ኢኻ? 15ካብ ቦታኻ ኻብ ርሑቕ ሰሜን ክትመፅእ ኢኻ፤ ንስኻን ብዙሓት ህዝብታት ምሳኻን፥ ኵሎም ኣብ ፈረስ ዝተቐመጡ፥ ዓብዪ ህዝብን ብርቱዕ ሰራዊትን። 16ከም ደመና ነታ ምድሪ ኽትኽድን፥ ኣንፃር ህዝበይ እስራኤል ክትድይብ ኢኻ። በቲ ዳሕረዋይ መዓልቲታት ድማ፥ ኦ ጎግ፥ ህዝብታት ምእንቲ ኽፈልጡኒ፥ በቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ብኣኻ ዝግለፅ ቅድስናይ፥ ናብ ምድረይ ከምፅኣካ እየ።”
17ልዑል ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ናባታቶም ከምፅኣካ ምዃነይ፥ በቶም በቲ ዘመን እቱይ ዓመታት ዝተነበዩ ኣገልገልተይ ነቢያት እስራኤል ገይረ፥ ካብ ጥንቲ ዝተዛረብኩሉ ንስኻዶ ኢኻ? 18በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ጎግ ናብ ምድሪ እስራኤል ክወርር እንተሎ፥ ይብል ልዑል ኣቦ፥ ዋዒ ቍጥዓይ ክነድድ እዩ። 19“ብቕንኣተይን ብዋዒ ቍጥዓይን ድማ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸም ዝኸውን እዛረብ ኣለኹ። 20ዓሳታት ባሕርን፥ ኣዕዋፍ ሰማይን፥ ኣራዊት በረኻን፥ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስ ኵሉ ለማሚ ፍጡርን፥ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኵሉ ሰብን፥ ኣብ ቅድመይ ክንቀጥቀጡ እዮም። ኣኽራን ድማ ክፍረስ፥ ኣኻውሕ ክትግምጠል፥ ኵሉ መንደቕ ከዓ ናብ ምድሪ ክወድቕ እዩ።” 21ኣብ ኵሉ ኣኽራነይ ድማ ኣንፃር ጎግ ሰይፊ ክፅውዕ እየ፥ ይብል ልዑል ኣቦ፤ ሰይፊ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣንፃር ሓዉ ክኸውን እዩ። 22“ብፌራን ብደምን ድማ ክፈርዶ እየ፤ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱን ኣብ ልዕሊ እቶም ምስኡ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን ከዓ፥ ህቦብላ ዝናምን ደናጉል በረድን ሓውን ዲንን ከዝንም እየ። 23ከምዙይ ገይረ ድማ ዕቤተይን ቅድስናይን ክገልፅ፥ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ህዝብታት ከዓ ባዕለይ ክፍለጥ እየ። ሽዑ ኣነ ኣቦ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”