ጎግ ኣብ ኣኽራን ይወድቕ
ጎግ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ይወድቕ፥ ኣፅዋሩ ኸዓ ንሸውዓተ ዓመት ከም ዕንፀይቲ ይቃፀል፥ ቀበርቲ ድማ ንሸውዓተ ወርሒ ይሰርሑ፥ ኣብ ጥቓ ዝተበተኑ ኣዕፅምቲ ምልክት ይግበር። ኣዕዋፍ ናብ ዘስካሕክሕ ድራር ይፅውዑ። ኣቦና እቲ ምርኮ ከቶ ካብኦም ምርሓቑ ከም ዘይነበረ ይዛረብ፥ መንፈሱ ድማ የፍስስ።
39 1ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንስኻ ኸዓ ኣንፃር ጎግ ከምዙይ ኢልካ ተነበ፦ እቲ ልዑል ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣታ ጎግ፥ ናይ ሞሳሕን ቶቤልን ሓለቓ መስፍን፥ እንሆ፥ ኣነ ኣንፃርካ እየ። 2ክመልሰካ፥ ክደፍኣካ፥ ካብ ጫፍ ሰሜን ከዓ ከደይበካ፥ ናብ ኣኽራን እስራኤልውን ክመርሓካ እየ። 3ሽዑ ቀስትኻ ካብ ፀጋም ኢድካ ክሃርም፥ ፍላፃታትካ ድማ ካብ የማነይቲ ኢድካ ከውድቕ እየ። 4ኣብ ኣኽራን እስራኤል ክትወድቕ ኢኻ፥ ንስኻን ኵሉ ሰራዊትካን እቶም ምሳኻ ዘለዉ ህዝብታትን። ንዅሉ ዓይነት ኣዕዋፍ ሃዳንን ንኣራዊት መሮርን መግቢ ክኾኑ ኣሕሊፈ ክህበካ እየ። 5ኣነ ተዛሪበ ኣለኹ እሞ፥ ኣብ ሜዳ ክትወድቕ ኢኻ፥ ይብል ልዑል ኣቦ። 6ናብ ማጎግን ናብቶም ኣብ ደሴታት ብህድኣት ዝነብሩን ሓዊ ክሰድድ እየ፤ ኣነ ኣቦ ምዃነይ ድማ ክፈልጡ እዮም። 7ቅዱስ ስመይ ኣብ ማእኸል ህዝበይ እስራኤል ከፍልጥ እየ፤ ደጊምውን ቅዱስ ስመይ ከይርከስ ኣይሓድግን እየ። ሽዑ እቶም ኣህዛብ ኣነ ኣቦ፥ እቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ቅዱስ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። 8እንሆ፥ ይመፅእ ኣሎ፤ ክኸውንውን እዩ፥ ይብል ልዑል ኣቦ። እታ ኣነ እተዛረብኩላ መዓልቲ እዚኣ እያ።
9ሽዑ እቶም ኣብ ከተማታት እስራኤል ዝነብሩ ወፂኦም፥ በቲ ኣፅዋር ሓዊ ኣንዲዶም ከንድድዎ እዮም፤ ዋልታታትን ኣናእሽቱ ዋልታን፥ ቀስትን ፍላፃታትን፥ ኣብትርቲ ውግእን ኲናትን ከዓ ንሸውዓተ ዓመት ከም ዕንፀይቲ ክጥቀሙሉ እዮም። 10ነቲ ኣፅዋር ከንድድዎ እዮም እሞ፥ ካብ መሮር ኮነ ካብ ዱር ዕንፀይቲ ኣይእክቡን እዮም። ነቶም ዝዘመትዎም ክዘምትዎም፥ ነቶም ዝማረኽዎምውን ክማርኽዎም እዮም፥ ይብል ልዑል ኣቦ።
11በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ኣብ እስራኤል ንጎግ መቓብር ክህቦ እየ፥ እቲ ብምብራቕ ባሕሪ ዘሎ ለሰ ሓለፍቲ መንገዲ። ንሓለፍቲ መንገዲ ድማ ይዓፅዎም፤ ኣብኡ ንጎግን ንዅሉ ሰራዊቱን ክቐብሩ እዮም እሞ፥ ለሰ ሃሞን ጎግ ኢሎም ክሰምይዎ እዮም። a a v11 ሃሞን ጎግ ማለት “ጭፍራ ጎግ” ማለት እዩ፤ እቲ ለሰ በቲ ኣብኡ ዝተቐበረ ብዙሕ ሰራዊት እዩ ተሰምዩ። 12ነታ ምድሪ ምእንቲ ኸንፅሁ ድማ፥ ቤት እስራኤል ንሸውዓተ ወርሒ ክቐብርዎም እዮም። 13ኵሎም እቶም ኣብታ ምድሪ ዘለዉ ክቐብርዎም እዮም፤ በታ ክብረይ ዝገልፀላ መዓልቲ ኸዓ፥ እዙይ ዝና ክኾኖም እዩ፥ ይብል ልዑል ኣቦ።
14ነታ ምድሪ ምእንቲ ኸንፅሁ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝተረፉ እናቐበሩ፥ ብተኸታታሊ ኣብታ ምድሪ ዝሓልፉ ሰባት ክሸሙ እዮም። ድሕሪ ሸውዓተ ወርሒ ድማ ክምርምሩ እዮም። 15በታ ምድሪ ኺዶም ክሓልፉ እንተለዉ፥ ዓፅሚ ሰብ ዝረኣየ ዅሉ፥ እቶም ቀበርቲ ኣብ ለሰ ሃሞን ጎግ ክሳዕ ዝቐብርዎ፥ ኣብ ጥቓኡ ምልክት ይተኽል። 16(ኣብኡ ሃሞና እትብሃል ከተማ ድማ ክትከውን እያ።) ከምዙይ ጌሮም ነታ ምድሪ ከንፅሁዋ እዮም።
17ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንስኻ ኸዓ፥ እቲ ልዑል ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ንዅሉ ዓይነት ኣዕዋፍን ንዅሉ ኣራዊት መሮርን ከምዙይ በሎም፦ ተኣኪብኩም ንዑ፤ ኣብቲ ኣነ ዘዳልወልኩም ዘለኹ መስዋእቲ፥ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ዘሎ ዓብዪ መስዋእቲ፥ ካብ ኵሉ ዙርያ ተኣከቡ፤ ስጋ ክትበልዑ፥ ደም ከዓ ክትሰትዩ ኢኹም። 18ስጋ ጀጋኑ ክትበልዑ፥ ደም መሳፍንቲ ምድሪ ኸዓ ክትሰትዩ ኢኹም፤ ድዑል፥ ገናሽል፥ ኣጣል፥ ኣብዑር፥ ኵሎም ስቡሓት ባሳን እዮም። 19ኣብቲ ኣነ ዘዳልወልኩም መስዋእቲ፥ ክሳዕ እትፀግቡ ስብሒ ክትበልዑ፥ ክሳዕ እትሰኽሩ ድማ ደም ክትሰትዩ ኢኹም። 20ኣብ ማእደይ ድማ ኣፍራስን ሰብ ሰረገላን፥ ሓያላትን ኵሉ ዓይነት ተዋጋእቲ ሰባትን ክሳዕ እትፀግቡ ክትበልዑ ኢኹም፥ ይብል ልዑል ኣቦ።
21ክብረይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ከቐምጥ እየ፤ ኵሎም እቶም ኣህዛብ ድማ ነቲ ዝፈፀምክዎ ፍርድን ነታ ዘውደቕኩሎም ኢድን ክርእዩ እዮም። 22ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ድማ፥ ቤት እስራኤል ኣነ ኣቦኦም ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። 23ሽዑ እቶም ኣህዛብ፥ ቤት እስራኤል ስለ ዝበደሉኒ፥ ብሰሪ ሓጢኣቶም ናብ ምርኮ ኸም ዝኸዱ ክፈልጡ እዮም። ስለዙይ ገፀይ ሓባእኹሎም፤ ኣብ ኢድ ፀላእቶም ኣሕሊፈ ሃብክዎም፤ ኵሎም ድማ ብሰይፊ ወደቑ። 24ከም ርኽሰቶምን ከም ሓጢኣቶምን ገይረ ፈደይክዎም፤ ገፀይ ድማ ካባታቶም ሓባእኹ።
25ስለዙይ እቲ ልዑል ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሕዚ ንምርኮ ያእቆብ ክመልሶ፥ ንዅሉ ቤት እስራኤል ድማ ክርህርሀሎም፥ ምእንቲ ቅዱስ ስመይ ከዓ ክቐንእ እየ። 26ኣብ ምድሮም ብህድኣት እናተቐመጡ፥ ዘፍርሖም ዘይብሎም ከለዉ፥ ንሕፍረቶምን ነቲ ዝበደሉኒ ዅሉ ክሕደቶምን ክስከሙ እዮም። 27ካብ ህዝብታት ምስ መለስክዎም፥ ካብ ምድሪ ፀላእቶም ከዓ ምስ ኣከብክዎም፥ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ኣህዛብ ብእኣቶም ቅዱስ ምዃነይ ከርኢ እየ። 28ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣግዒዘዮም፥ ድሕሪኡ ኸዓ ሓደ እኳ ኸይተረፈ ናብ ምድሮም ስለ ዝኣከብክዎም፥ ኣነ ኣቦኦም ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። 29መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ቤት እስራኤል ከፍስስ እየ እሞ፥ ደጊም ገፀይ ካባታቶም ኣይሓብእን እየ፥ ይብል ልዑል ኣቦ።