ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ቤተሰብ ኣኽብሮም
ነታ ቤተ ክርስቲያን ከም ስድራ ኣቦና ኽትእለ ይግባእ፥ ንዓበይቲ ሰብኡት ከም ኣቦታት፥ ንመንእሰያት ኣንስቲ ድማ ከም ኣሓት። ድሕሪኡ ግብራዊ ሕግታት፦ ቤተ ክርስቲያን ኣየኖት መበለታት ከም እትቕልብን ኣየኖት ክምርዓዋ ኸም ዘለወንን፥ ንሽማግለታት ክብርን ሓለዋን፥ ነቲ ዝፀንሐ ሓጢኣት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምግሳፅን፥ ንኸብዲ ጢሞቴዎስ ድማ ወይኒ።
5 1ንሽማግለ ብትሪ ኣይትገስፆ፤ ከም ኣቦ ጌርካ ደኣ ለምን እምበር፤ ነቶም መንእሰያት ከም ኣሕዋት፥ 2ነተን ኣረጋውያን ኣንስቲ ከም ኣዴታት፥ ነተን መንእሰያት ኣንስቲ ድማ ብዅሉ ንፅህና ከም ኣሓት ጌርካ ለምን።
3ነተን ብሓቂ መበለታት ዝኾና መበለታት ኣኽብረን። 4ሓንቲ መበለት ግና ደቂ ወይ ደቂ ደቂ እንተ ኣለዉዋ፥ ንወለዶም እናፈደዩ ንገዛእ ቤተሰቦም ከኽብሩ ቅድም ይመሃሩ፤ እዙይ ንኣቦና ደስ የብሎ እዩ እሞ። 5እታ ብሓቂ መበለት ዝኾነት በይና ዝተረፈት ግና፥ ኣብ ኣቦና ተስፋ ጌራ፥ ለይትን መዓልትን ብልማኖን ፀሎትን ትፀንዕ። 6እታ ብተድላ ስጋ እትነብር መበለት ግና፥ ብህይወት እናሃለወት ምዉት እያ። 7ነውሪ ዘይብሎም ምእንቲ ክኾኑ ድማ፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ኣዝዞም። 8ሓደ ሰብ ንስድራ ቤቱ፥ ኣውራ ኸዓ ነቶም ኣባላት ቤቱ እንተ ዘይቀለበ፥ ንእምነት ኸሓደ፤ ካብ ዘይኣማኒውን ዝገደደ እዩ።
9መበለት ዕድሚኣ ካብ ስሳ ዓመት ዘይወሓደ፥ ንሓደ ሰብኣይ ድማ እምንቲ ዝነበረት እንተ ኾይና ጥራሕ፥ ኣብ ዝርዝር ኣእትዋ፤ 10ብሰናይ ግብሪ ዝተመስከረላ፥ ደቂ ዘዕበየት፥ ንጓኖት ዝተቐበለት፥ ኣእጋር ቅዱሳን ዝሓፀበት፥ ንዝተጨነቑ ዝረድአት፥ ኵሉ ሰናይ ግብሪ ድማ ዝሰዓበት ትኹን።
11ነተን መንእሰያት መበለታት ግና ኣብ ዝርዝር ምእታው እበ፤ ትምኒተን ካብ ክርስቶስ ምስ ሰሓበን፥ ክምርዓዋ ይደልያ እየን እሞ፤ 12ነቲ ቐዳማይ መብፅዓአን ስለ ዝሓደጋ ድማ፥ ኣብ ርእሰን ፍርዲ የምፅኣ። a a v12 “ቐዳማይ መብፅዓአን” ማለት፥ ኣብ ዝርዝር መበለታት ምስ ተመዝገባ፥ ንክርስቶስን ንቤተ ክርስቲያንን ከገልግላ ዝኣተዋኦ ቃል እዩ። 13ካብ ገዛ ናብ ገዛ እናተዘዋወራ ድማ፥ ህኩያት ክኾና ይመሃራ፤ ህኩያት ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ሓመይትን ኣብ ናይ ሰብ ነገር ጣልቃ ዝኣትዋን ኮይነን፥ ዘይግባእ ነገር ይዛረባ። 14ስለዙይ እተን መንእሰያት መበለታት ክምርዓዋ፥ ደቂ ክወልዳ፥ ኣባይተን ከመሓድራ፥ ነቲ ፀላኢ ድማ ንምፅላም ምኽንያት ዘይህባኦ እደሊ ኣለኹ። 15ገሊኣተን ድሮ ኣግሊሰን ንሰይጣን ስዒበን እየን እሞ። 16ሓንቲ ኣማኒት ሰበይቲ ኣብ ዘመዳ መበለታት እንተ ኣለዉዋ፥ ንሳ ትቕለበን፤ ቤተ ክርስቲያን ነተን ብሓቂ መበለታት ምእንቲ ክትቅልብ፥ ከይከብዳ።
17እቶም ፅቡቕ ዝመርሑ ሽማግለታት፥ ኣውራ እቶም ብምስባኽን ብምምሃርን ዝፅዕሩ፥ ዕፅፊ ክብሪ ይግብኦም እዩ። 18እቲ ፅሑፍ፥ “እኽሊ እንትረግፅ ኣፍ ብዕራይ ኣይትልጐም”፥ ከምኡውን “ሰራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩ” ይብል እዩ እሞ።
19ኣብ ልዕሊ ሽማግለ ዝቐርብ ክሲ፥ ብኣፍ ክልተ ወይ ሰለስተ ምስክር እንተ ዘይኮይኑ ኣይትቀበል። 20ነቶም ኣብ ሓጢኣት ዝፀንዑ፥ እቶም ዝተረፉ ምእንቲ ክፈርሑ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ገስፆም።
21ኣብ ቅድሚ ኣቦና፥ ክርስቶስ ኢየሱስ፥ ነቶም ሕሩያት መላእኽትን፥ ገፅ ርኢኻ ዝኾነ ነገር ከይገበርካ፥ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ብዘይ ኣድልዎ ክትሕልዎ ኣፅኒዐ እእዝዘካ ኣለኹ። 22ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ተሃዊኽካ ኢድ ኣይተንብር፤ ኣብ ሓጢኣት ካልኦት ድማ ኣይትማቐል፤ ንርእስኻ ንፁህ ጌርካ ሓሉ።
23ደጊም ማይ ጥራሕ ኣይትስተ፤ ንከብድኻን ነቲ ተደጋጋሚ ሕማምካን ቁሩብ ወይኒ ደኣ ስተ።
24ናይ ገሊኦም ሰባት ሓጢኣት ግሁድ ኮይኑ፥ ናብ ፍርዲ ይቕድም፤ ናይ ገሊኦም ሓጢኣት ግና ደድሕሪኡ ይስዕብ። 25ከምኡ ድማ ሰናይ ግብሪ ግሁድ እዩ፤ እቲ ግሁድ ዘይኮነውን ክሕባእ ኣይኽእልን እዩ።