ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ንርእስኻ ኣብ ፅድቀ ኣምልኾ ኣላምድ

ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም መርዓን ገሊኡ መግብን ዝኽልክሉ መምህራን የጠንቅቕ፤ ኣቦና ዝፈጠሮ ዅሉ ፅቡቕ እዩ፥ ብምስጋናውን ይቕበል እዩ እሞ። ጢሞቴዎስ ኣምላኻዊ ክኸውን ንርእሱ ኼላምድ፥ ብሰሪ ንእስነቱ ሓደ እኳ ኸይንዕቖ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ መፅሓፍ ቅዱስ ኬንብብ፥ ንህይወቱን ንትምህርቱን ኣፀቢቑ ኽሕሉ ይግባእ።

ምዕራፍ 4።

መንፈስ ቅዱስ ብግልፂ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብ ዳሕረዋይ ዘመን ገሊኣቶም ነቶም ኣስሓትቲ መናፍስትን ነቲ ትምህርቲ ኣጋንንትን ኣቓልቦ እናሃቡ፥ ነቲ እምነት ክሓድጉ እዮም፥ እዙይ ድማ ብግብዝና እቶም ገዛእ ሕሊናኦም ከም ብዝሞቐ ሓፂን ዝተሓረረ ሓሰውቲ እዩ። ንሳቶም መርዓ ይኽልክሉ፥ ካብቲ ኣቦና እቶም ንሓቂ ዝፈልጡ ኣመንቲ ብምስጋና ክቕበልዎ ዝፈጠሮ መግቢ ድማ ክቑጠቡ ይእዝዙ። ኣቦና ዝፈጠሮ ኵሉ ፅቡቕ እዩ እሞ፤ ብምስጋና ምስ ተቐበልካዮ ዝንዓቕ ሓደ እኳ የለን፥ ብቓል ኣቦናን ብፀሎትን ይቕደስ እዩ እሞ።

ነዝ ነገራት እዙይ ነቶም ኣሕዋት ኣፍልጦም እሞ፥ በቲ ቓል እምነትን በቲ ዝሰዓብካዮ ፅቡቕ ትምህርትን እናተመገብካ፥ ፅቡቕ ኣገልጋሊ ክርስቶስ ኢየሱስ ክትከውን ኢኻ። ካብቲ ርኹስን ዕሽነትን ጽውጽዋይ ርሓቕ። ኣብ ክንድኡ ደኣ፥ ኣምላኻዊ ክትከውን ንርእስኻ ኣላምድ። ናይ ስጋ ልምምድ ቁሩብ ይጠቅም እዩ፤ ኣምልኾ እግዚኣብሄር ግና ነዛ ሕዚ ዘላ ህይወትን ነታ እትመፅእ ህይወትን ተስፋ ስለ ዝህብ፥ ኣብ ኵሉ ይጠቅም እዩ። እዝ ቃል እዙይ እሙን እዩ፥ ምሉእ ተቐባልነት ድማ ይግብኦ። ነዙይ ኢና እንፅዕርን እንጋደልን፤ ተስፋና ኣብቲ መድሕን ኵሉ ሰብ፥ ኣውራ ኸዓ መድሕን እቶም ኣመንቲ ዝኾነ ህያው ኣቦ ጌርና ኣለና እሞ። ነዝ ነገራት እዙይ ኣዝዝን ምሃርን።

ብሰሪ ንእስነትካ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይንዓቕካ፤ ነቶም ኣመንቲ ግና ብዘረባ፥ ብኣካይዳ፥ ብፍቕሪ፥ ብእምነት፥ ብንፅህና ኣርኣያ ኩኖም። ክሳዕ ዝመፅእ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንምንባብ መፅሓፍ ቅዱስ፥ ንስብከትን ንትምህርትን ፀኒዕካሉ ንበር። ነቲ ብትንቢት፥ ዓበይቲ ኢዶም ኣብ ልዕሌኻ ምስ ኣንበሩ ዝተውሃበ፥ ኣባኻ ዘሎ ውህብቶ ሸለል ኣይትበሎ። ነዝ ነገራት እዙይ ለማመዶ፥ ምሉእ ብምሉእ ድማ ኣብኡ ፀናዕ፥ ምዕባሌኻ ንዅሉ ሰብ ምእንቲ ክርአዮ። ንርእስኻን ንትምህርትኻን ኣፀቢቕካ ሓሉ። በዙይ ፀኒዕካ ንበር፤ እዙይ ምግባር ንርእስኻን ነቶም ሰማዕትኻን ከድሕን እዩ እሞ።