ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ነፍሲ ዮናታን ምስ ዳዊት ተኣሰረት

ዮናታን ንዳዊት ቀሚሹን ሰይፉን ፍቕሩን ሃቦ፤ ደርፊ እተን ኣንስቲ ድማ ንዳዊት ኣእላፋት፥ ንሳኦል ግና ኣሽሓት ጥራሕ ሃቦ። ሳኦል ዂናት ወርወረ፥ ሽዑ ድማ ንዳዊት ብፍልስጥኤማውያን ከቕትሎ ፈተነ። ኣቦና ምስኡ ስለ ዝነበረ ዝፈተኖ ዅሉ ንዳዊት ዓብዪ ገበሮ።

ምዕራፍ 18።

ዳዊት ምስ ሳኦል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ ነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተኣሰረት፤ ዮናታን ድማ ከም ነፍሱ ኣፍቀሮ። ሳኦል ከዓ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ንዳዊት ምስኡ ሓዞ፤ ናብ ቤት ኣቦኡ ክምለስ ድማ ኣይሓደገን። ዮናታን ድማ ከም ነፍሱ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ፥ ምስ ዳዊት ኪዳን ኣተወ። ዮናታን ከዓ ነቲ ዝተኸድኖ ቀሚሽ ኣውፂኡ ንዳዊት ሃቦ፤ ምስኡ ድማ ክዳኑ ሰይፉን ቀስቱን ቅናቱን ሃቦ።

ሳኦል ናብ ዝለኣኾ ዅሉ ዳዊት ይሰልጦ ነበረ፤ ስለዙይ ሳኦል ኣብ ልዕሊ እቶም ተዋጋእቲ ሸሞ፤ እዙይ ከዓ ንዅሉ ህዝብን ንኣገልገልቲ ሳኦልን ደስ ኣበሎም።

ንሳቶም ክምለሱ እንተለዉ፥ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቀቲሉ ምስ ተመለሰ፥ ካብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ኣንስቲ ንጉስ ሳኦል ክቕበላ ወፃ፤ እናዘመራን እናሰዓሳዓን ተሓጒሰን ብኸበሮን ብመሳርሒ ሙዚቃን ወፃ። እተን ኣንስቲ እናተሓጐሳ ንሕድሕደን ከምዙይ እናበላ ዘመራ፦ “ሳኦል ኣሽሓት ቀተለ፥ ዳዊት ድማ ኣእላፋት።”

ሳኦል ከዓ የመና ተቘጥዐ፤ እዝ ዘረባ እዙይ ድማ ኣዝዩ ኣጕሃዮ። ንሱ ድማ “ንዳዊት ኣእላፋት፥ ንዓይ ግና ኣሽሓት ጥራሕ ይህቡ ኣለዉ። ብዘይ መንግስቲ እንታይ ተሪፍዎ?” በለ። ሳኦል ከዓ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ንዳዊት ብቕንኢ ዓይኒ ይጥምቶ ነበረ። ንፅባሒቱ ድማ ካብ ኣቦና ዝተልኣኸ ክፉእ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ሳኦል ወረደ፤ ንሱ ኣብ ውሽጢ ቤቱ ይናገር ነበረ፤ ዳዊት ድማ ከምቲ ኵሉ መዓልቲ ዝገብሮ ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ። ሳኦል ከዓ ዂናቱ ኣብ ኢዱ ነበረ። ሳኦል ድማ ነቲ ዂናት ወርወረ፤ “ንዳዊት ምስቲ መንደቕ ከጣብቖ እየ” ኢሉ ሓሰበ። ዳዊት ግና ክልተ ጊዜ ካብኡ ኣግለሰ። ኣቦና ምስ ዳዊት ስለ ዝነበረ፥ ካብ ሳኦል ግና ስለ ዝረሓቐ፥ ሳኦል ንዳዊት ፈርሖ። ስለዙይ ሳኦል ንዳዊት ካብ ቅድሚኡ ኣርሓቖ፤ ሓለቓ ሽሕ ገይሩ ድማ ሸሞ፤ ዳዊት ከዓ ነቲ ህዝቢ ናብ ውግእ የውፅኦምን የእትዎምን ነበረ። ኣቦና ምስኡ ስለ ዝነበረ፥ ዳዊት ኣብ ኵሉ መገዱ ይሰልጦ ነበረ። ሳኦል ድማ ዳዊት ኣዝዩ ይሰልጦ ከም ዝነበረ ምስ ረአየ፥ ብእኡ ፈርሐ። ኵሉ እስራኤልን ይሁዳን ግና ናብ ውግእ የውፅኦምን የእትዎምን ስለ ዝነበረ፥ ንዳዊት የፍቅርዎ ነበሩ።

ዳዊት ኣብ ልዕሊ ተንኮል ሳኦል ንሜልኮል ረኸበ

ሳኦል ድማ ንዳዊት “እንሆ እታ ዓባይ ጓለይ ሜሮብ፤ ሰበይቲ ክትከውን ክህበካ እየ፤ ንስኻ ጥራሕ ጅግና ኩነለይ፥ ውግእ ኣቦናውን ተዋጋእ” በሎ። ሳኦል ከዓ “ኢደይ ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኹን፥ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ደኣ ኣብ ልዕሊኡ ትኹን” ኢሉ ሓሰበ።

ዳዊት ከዓ ንሳኦል “ኣነ መንየ? ዘመደይከ፥ ዓሌት ኣቦይ ኣብ እስራኤልከ እንታይ እዩ፥ ሰዓዂ ንጉስ ክኸውን?” በሎ። ግና ሜሮብ ጓል ሳኦል ንዳዊት ክትወሃብ ኣብ ዝነበረትሉ ጊዜ፥ ንዓድርኤል መሖላታዊ ሰበይቲ ክትከውን ተዋህበት።

ሜልኮል ጓል ሳኦል ግና ንዳዊት ተፍቅሮ ነበረት። ሳኦል ከዓ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ደስ በሎ። ሳኦል ድማ “ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ልዕሊኡ ምእንቲ ኽትከውን፥ መፈንጠር ክትኮኖ ክህቦ እየ” ኢሉ ሓሰበ። ስለዙይ ሳኦል ንዳዊት “ሎሚ ሰዓዂይ ንኽትከውን ካልኣይ ዕድል ረኺብካ ኣለኻ” በሎ።

ሳኦል ድማ ነገልገልቱ “ንዳዊት ብሕቡእ ‘እንሆ ንጉስ ይፈትወካ፥ ኵሎም ኣገልገልቱውን የፍቅሩኻ፤ ሕዚ ድማ ሰዓዂ ንጉስ ኩን’ ኢልኩም ንገርዎ” በሎም።

ኣገልገልቲ ሳኦል ከዓ እዝ ዘረባ እዙይ ንዳዊት ነገርዎ። ዳዊት ድማ “ሰዓዂ ንጉስ ምዃን ንዓኻትኩም ቀሊል ነገር ድዩ ዝመስለኩም? ኣነ ድኻን ሕሱርን ሰብ እየ” በለ።

ኣገልገልቲ ሳኦል ከዓ “ዳዊት ከምዙይ በለ” ኢሎም ነገርዎ።

ሳኦል ድማ “ንዳዊት ‘ንጉስ ኣብ ፀላእቲ ንጉስ ሕነ ምእንቲ ኽፍደ፥ ብዘይ ሚእቲ ቍልፈት ፍልስጥኤማውያን ካልእ ገዝሚ ኣይደልን እዩ’ ኢልኩም ንገርዎ” በለ። ንሱ ከዓ ዳዊት ብኢድ ፍልስጥኤማውያን ክወድቕ ሓሲቡ ነበረ። a a v25 ቍልፈት ፀላኢ ከም መርትዖ ቅትለት ምቕራብ፥ ኣብ ጥንታዊት ከንኣንን ኣብ ዙርያኣ ኣብ ዝነበራ ባህልታትን ፍሉጥ ልማድ ነበረ። ኣገልገልቱ ድማ እዙይ ንዳዊት ነገርዎ፤ ንሱ ኸዓ ሰዓዂ ንጉስ ብምዃኑ ተሓጐሰ። እቲ ምሉእ ጊዜ ከይሓለፈ ድማ፥ ዳዊትን ሰቡን ተሲኦም ወፁ፤ ክልተ ሚእቲ ፍልስጥኤማውያን ቀቲሎም ድማ፥ ሰዓዂ ንጉስ ምእንቲ ኽኸውን፥ ቍልፈቶም ብምሉኡ ቘፂሮም ናብ ንጉስ ኣምፅኡ። ስለዙይ ሳኦል ንጓሉ ሜልኮል ሰበይቲ ክትከውን ሃቦ። ሳኦል ከዓ ኣቦና ምስ ዳዊት ከም ዝነበረ፥ ሜልኮል ጓሉውን ከም እተፍቅሮ ምስ ረአየን ምስ ፈለጠን፥ ሳኦል ንዳዊት ኣዝዩ ፈርሖ፤ ብዘሎ ዕድሚኡ ድማ ፀላኢ ዳዊት ኮነ።

ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ናብ ውግእ ይወፁ ነበሩ፤ ኣብ ኵሉ ጊዜ ድማ ዳዊት ካብ ኵሎም ሹመኛታት ሳኦል ንላዕሊ ይሰልጦ ነበረ፤ ስለዙይ ስሙ ኣዝዩ ተኸብረ።