ሳኦል ንዳዊት ክቐትሎ ሃቀነ
ዮናታን ንኣቦኡ ሓንሳእ ኣእመኖ፥ እዙይ ከዓ ክሳዕ እቲ ቐፃላይ ዂናት ፀንሐ። ሜልኮል ንዳዊት ብመስኮት ኣውረደቶ፥ ጊዜ ምእንቲ ክትረክብ ድማ ኣብ መደቀሲኡ ጣዖት ኣንበረት። ልኡኻት ሳኦል ኣብ ክንዲ ዝሕዝዎ፥ መንፈስ ኣቦና መሊኩዎም እናተነበዩ ፀንሑ፥ ድሕሪኡ ድማ ሳኦል ባዕሉ ተነበየ።
19 1ሳኦል ንወዱ ዮናታንን ንዅሎም ኣገልገልቱን ብዛዕባ ምቕታል ዳዊት ተዛረቦም። ዮናታን ወዲ ሳኦል ግና ንዳዊት የመና ይፈትዎ ነበረ። 2ዮናታን ድማ ንዳዊት ከምዙይ በሎ፦ “ኣቦይ ሳኦል ክቐትለካ ይደሊ ኣሎ እሞ፥ ንፅባሕ ተጠንቀቕ፤ ተሓቢእካ ኻብ ዓይኒ ተሰወር። 3ኣነ ኸዓ ወፂአ፥ ኣብ ጎኒ ኣቦይ ኣብታ ንስኻ ዘለኻያ ግራት ክቐውም እየ፤ ብዛዕባኻ ድማ ንኣቦይ ክዛረቦ እየ፤ ዝረኸብክዎ ዅሉ ኸዓ ክነግረካ እየ።”
4ዮናታን ድማ ብዛዕባ ዳዊት ንኣቦኡ ሳኦል ሰናይ ተዛረቦ፤ ከምዙይ ከዓ በሎ፦ “እቲ ንጉስ ኣብ ልዕሊ ኣገልጋሊኡ ዳዊት ኣይበድል፤ ንሱ ኣይበደለካን እዩ እሞ፥ ብኣንፃሩ ኸዓ ግብርታቱ ንዓኻ የመና ፅቡቕ እዩ ነይሩ። 5ንሱ ህይወቱ ንሞት ኣሕሊፉ ንምሃብ ድልዊ ኾይኑ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ወቕዖ፤ ኣቦና ከዓ ንዅሎም እስራኤል ዓብዪ ዓወት ገበረ። ንስኻ ኸዓ ረአኻዮ እሞ ተሓጐስካ። ስለ ምንታይ ደኣ ንዳዊት ብኸምኡ ቀቲልካ ኣብ ልዕሊ ንፁህ ደም ትብድል?”
6ሳኦል ድማ ቓል ዮናታን ሰሚዑ፥ “ኣቦና ህያው ኮይኑ፥ ዳዊት ኣይቕተልን እዩ” ኢሉ መሓለ።
7ዮናታን ድማ ንዳዊት ፀዊዑ እዝ ዅሉ ነገር እዙይ ነገሮ፤ ሽዑ ናብ ሳኦል ኣምፂኡ ኸም ቀደሙ የገልግሎ ነበረ።
8መሊሱ ድማ ውግእ ኮነ። ዳዊት ድማ ወፂኡ ንፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፤ ብዓብዪ ዂብኡ ኸዓ ወቕዖም፤ ንሳቶም ድማ ካብኡ ሃደሙ።
9ካብ ኣቦና ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ግና ኣብ ሳኦል መፀ፤ ንሱ ኸዓ ዂናት ብኢዱ ሒዙ ኣብ ገዛኡ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ዳዊት ድማ በገና ይወቅዕ ነበረ። 10ሳኦል ድማ ንዳዊት ብዂናት ምስ መንደቕ ኣጣቢቑ ክቐትሎ ደለየ፤ ዳዊት ግና ዘወር በለ እሞ፥ እቲ ዂናት ነቲ መንደቕ ወቕዖ። ዳዊት ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ሃዲሙ ኣምለጠ። 11ሳኦል ድማ ገዛ ዳዊት ኽሕልዉ፥ ኣብ ወጋሕታ ኸዓ ኽቐትልዎ ናብኡ ሰባት ለኣኸ። ሜልኮል ሰበይቲ ዳዊት ከዓ “በዛ ለይቲ እዚኣ እንተ ዘይሃዲምካ፥ ፅባሕ ክትቅተል ኢኻ” ኢላ ኣጠንቀቐቶ። 12ሜልኮል ድማ ንዳዊት ብመስኮት ኣውረደቶ፤ ንሱ ኸዓ ሃዲሙ ኣምለጠ። 13ሽዑ ሜልኮል ነቲ ናይ ገዛ ጣዖት ወሲዳ ኣብ መደቀሲ ኣንበረቶ፤ ናይ ፀጕሪ ጤል ትርኣስ ኣብ ርእሱ ገበረት፤ ብዓለባ ድማ ተኸድነ። 14ሳኦል ንዳዊት ክሕዝዎ ልኡኻት ምስ ለኣኸ፥ ሜልኮል “ሓሚሙ ኣሎ” በለት።
15ሽዑ ሳኦል ንዳዊት ክርእይዎ ነቶም ልኡኻት ከምዙይ ኢሉ መሊሱ ለኣኾም፦ “ክቐትሎ ኣብቲ መደቀሲ ሒዝኩም ናባይ ኣምፅእዎ።” 16እቶም ልኡኻት ምስ ኣተዉ ድማ፥ እቲ ናይ ገዛ ጣዖት ኣብ መደቀሲ፥ ናይ ፀጕሪ ጤል ትርኣስ ከዓ ኣብ ርእሱ ነበረ።
17ሳኦል ድማ ንሜልኮል “ስለ ምንታይ ኢኺ ኸምዙይ ዘታለልክኒ እሞ ንፀላኢየይ ዘምለጥክዮ?” በላ። ሜልኮል ከዓ ንሳኦል “ንሱ ‘ክቐትለኪ ስለ ምንታይ? ስደደኒ’ በለኒ” ኢላ መለሰትሉ።
18ዳዊት ድማ ሃዲሙ ኣምለጠ፤ ናብ ሳሙኤል ናብ ራማ መፀ፤ ኵሉ እቲ ሳኦል ዝገበሮ ኸዓ ነገሮ። ንሱን ሳሙኤልን ድማ ከይዶም ኣብ ናዮት ተቐመጡ። 19ንሳኦል ከዓ “እንሆ፥ ዳዊት ኣብ ናዮት ናይ ራማ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። 20ሳኦል ድማ ንዳዊት ክሕዝዎ ልኡኻት ለኣኸ። እቲ ጉባኤ ነቢያት ክንበዩ እንተለዉ፥ ሳሙኤል ከዓ መራሒኦም ኾይኑ ደው ኢሉ ምስ ረአዩ ግና፥ መንፈስ ኣቦና ኣብ ልኡኻት ሳኦል መፀ እሞ፥ ንሳቶምውን ተነበዩ። 21ንሳኦል ከዓ ነገርዎ፤ ንሱ ኸዓ ካልኦት ልኡኻት ለኣኸ፥ ንሳቶምውን ተነበዩ። ሳኦል መሊሱ ብሳልሳይ ልኡኻት ለኣኸ፥ ንሳቶምውን ተነበዩ። 22ኣብ መወዳእታ ሳኦል ባዕሉ ናብ ራማ ኸደ፤ ናብቲ ኣብ ሴኩ ዘሎ ዓብዪ ዔላ በፅሐ። “ሳሙኤልን ዳዊትን ኣበይ ኣለዉ?” ኢሉ ኸዓ ጠየቐ። ሓደ ሰብ ድማ “ኣብ ናዮት ናይ ራማ ኣለዉ” በለ።
23ናብ ናዮት ናይ ራማ ድማ ኸደ፤ መንፈስ ኣቦና ግና ኣብ ልዕሊኡውን መፀ እሞ፥ ክሳዕ ናብ ናዮት ናይ ራማ ዝበፅሕ እናተነበየ ኸደ። 24ንሱውን ክዳውንቱ ኣውፂኡ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ተነበየ፤ እታ መዓልቲ እቲኣ ዅላ መዓልትን ለይትን ጥራሕ ዝባኑ ደቀሰ። ስለዙይ ህዝቢ “ሳኦልውንዶ ምስ ነቢያት እዩ?” ይብሉ።