ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኪዳን ኣቦና ምስ ዳዊት

ዳዊት ንኣቦና ቤት ክሰርሕ ይደሊ፥ ናታን ድማ ካብኡ እንተይሰምዐ ይሰማማዕ። እቲ መልሲ ግና ይግልብጦ፦ ኣቦኻ ንሳኻ ቤት ክሰርሐልካ እዩ፥ ወድኻ ኸዓ ናተይ ክሰርሕ እዩ። ዳዊት ድማ ከይዱ ተቐመጠ፥ ካብዚ ዅሉ ገለ ንእኡ ስለ ዝትንክፎ ተገሪሙ።

ምዕራፍ 17።

ዳዊት ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠ፥ ንነቢይ ናታን ከምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኣብ ቤት ፅሕዲ እነብር ኣለኹ፤ ታቦት ኪዳን ኣቦና ግና ኣብ ትሕቲ መጋረጃታት ድንኳን ኣሎ።”

ናታን ድማ ንዳዊት “ኣቦና ምሳኻ እዩ እሞ፥ ኵሉ እቲ ኣብ ልብኻ ዘሎ ግበር” ኢሉ መለሰሉ።

በታ ለይቲ እቲኣ ግና ቃል ኣቦና ናብ ናታን መፀ፦

ኪድ ንባርያይ ዳዊት ከምዙይ በሎ፦ “ኣቦኻ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እታ ዝነብረላ ቤት እትሰርሓለይ ንስኻ ኣይኮንካን።” ካብታ ንእስራኤል ዘውፃእኩላ መዓልቲ ክሳዕ ሕዚ ኣብ ቤት ኣይተቐመጥኩን፤ ካብ ድንኳን ናብ ድንኳን፥ ካብ ማሕደር ናብ ማሕደር እናተዛወርኩ ነበርኩ።

ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኣብ ዝተዛወርኩሉ፥ ንህዝበይ ክጓስዩ ኻብ ዝኣዘዝክዎም ፈረድቲ እስራኤል ንሓደኳ ‘ስለ ምንታይ ቤት ፅሕዲ ዘይሰራሕኹምለይ?’ ኢለዶ ቃል ተዛሪበ እየ?

ስለዙይ ንባርያይ ዳዊት ከምዙይ በሎ፦ “ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ክትከውን፥ ካብ መጓሰዪ፥ ካብ ምስዓብ ኣባጊዕ ኣምፃእኹኻ። ኣብ ዝኸድካዮ ዅሉ ምሳኻ ነበርኩ፥ ንዅሎም ፀላእትኻ ኸዓ ካብ ቅድሜኻ ቘረፅክዎም። ሕዚ ድማ ስምካ ኸም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዝዓበዩ ኽገብሮ እየ። ንህዝበይ እስራኤል ቦታ ኽገብረሎም፥ ኣብኡ ድማ ክተኽሎም እየ፤ ኣብ ገዛእ ርስቶም ክነብሩ እዮም፥ ድሕሪ ሕዚ ኣይክናወፁን እዮም። ከምቲ ቐደም ሕሱማት ሰባት ድሕሪ ሕዚ ኣይከጨንቕዎምን እዮም፥ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈረድቲ ዝሸምኩሉ ዘመን ድማ፥ ንዅሎም ፀላእትኻ ከዋርዶም እየ። እብለካ ኣለኹ፦ ኣቦኻ ቤት ክሰርሐልካ እዩ። መዓልቲታትካ ምስ ተፈፀመ ናብ ኣቦታትካ ምስ ከድካ፥ ነቲ ድሕሬኻ ዝኸውን ዘርእኻ፥ ሓደ ኻብ ደቅኻ፥ ከተስኦ እየ፤ ንመንግስቱውን ከፅንዓ እየ። ንሱ እዩ እቲ ቤት ዝሰርሓለይ፥ ኣነ ኸዓ ዙፋኑ ንዘለኣለም ከፅንዖ እየ። ኣነ ኣቦኡ ክኸውን እየ፥ ንሱ ኸዓ ወደይ ክኸውን እዩ። ከምቲ ካብቲ ቕድሜኻ ዝነበረ ዘርሓቕኩዎ፥ ምሕረተይ ካብኡ ኣየርሕቕን እየ። ኣብ ልዕሊ ቤተይን መንግስተይን ንዘለኣለም ከቕሞ እየ፤ ዙፋኑ ኸዓ ንዘለኣለም ፅኑዕ ክኸውን እዩ።”

ናታን እዝ ዅሉ ዘረባ እዙይን እዝ ዅሉ ራእይ እዙይን ንዳዊት ነገሮ።

ዳዊት ኣብ ቅድሚ ኣቦና ተገሪሙ ተቐመጠ

ሽዑ ንጉስ ዳዊት ኣትዩ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ተቐመጠ፥ ከምዙይ ከዓ በለ፦ “ክሳዕ እዙይ ዘብፃሕካኒ፥ ኦ ኣቦ፥ ኣነ መን እየ፥ ቤተይከ እንታይ እዩ? እዙይ ድማ ኣብ ኣዒንትኻ ንእሽተይ ኮይኑ ተርእዩካስ፥ ኦ ኣቦ፥ ብዛዕባ እታ ናብ ርሑቕ ዝመፅእ ጊዜ እትበፅሕ ቤት ባርያኻ ተዛሪብካ፥ ከም እቶም ዝዓበዩ ሰባት ጌርካ ኸዓ ረአኻኒ፥ ኦ ኣቦ። ዳዊት ብዛዕባ ምኽባር ባርያኻ፥ ደጊም እንታይ ክብለካ ይኽእል? ንስኻ ንባርያኻ ትፈልጦ ኢኻ እሞ። ኦ ኣቦ፥ ምእንቲ ባርያኻን ከም ልብኻን፥ እዝ ዅሉ ዓብዪ ነገር እዙይ ገበርካ፥ እዝ ዅሉ ዓብዪ ተስፋታት እዙይውን ገለፅካ። ኦ ኣቦ፥ ከምቲ ብኣእዛንና ዝሰማዕናዮ ዅሉ፥ ከማኻ ዝበለ የለን፥ ብዘይ ንስኻ ኻልእ ኣቦ ድማ የለን። ከም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ መን ኣሎ? ንሳ ኣብ ምድሪ፥ ኣቦና ንርእሱ ህዝቢ ክገብራ ኽቤዝዋ ዝኸደ፥ ሓንቲ ህዝቢ እያ፤ ብዓበይትን ዝፍርሑን ግብርታት ንርእስኻ ስም ገበርካ፥ ነቲ ካብ ግብፂ ዝተቤዘኻዮ ህዝብኻ ካብ ቅድሚኡ ንህዝብታት ኣሳጒግካ። ንህዝብኻ እስራኤል ንዘለኣለም ናይ ርእስኻ ገበርካዮም፥ ንስኻ ኸዓ፥ ኦ ኣቦ፥ ኣቦኦም ኮንካ። ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ኣቦ፥ እቲ ብዛዕባ ባርያኻን ቤቱን እተዛረብካዮ ቓል ንዘለኣለም ይፅናዕ፤ ከምቲ እተዛረብካዮ ድማ ግበር። ይፅናዕ፥ ስምካ ኸዓ ንዘለኣለም ይዕበ፥ ከምዙይ ከዓ ይበሃል፦ ‘ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣቦና እዩ።’ ቤት ባርያኻ ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሜኻ ይፅናዕ። ኦ ኣቦ፥ ንስኻ ንባርያኻ ቤት ከም እትሰርሓሉ ገሊፅካሉ ኢኻ እሞ፥ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ኽፅሊ ትብዓት ረኸበ። ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ኣቦ፥ ንስኻ ኣቦና ኢኻ፤ ነዝ ፅቡቕ ነገር እዙይ ድማ ንባርያኻ ተስፋ ኣተኻዮ። ሕዚ ድማ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኽፀንሕ፥ ንቤት ባርያኻ ክትባርኽ መሪፅካ ኢኻ፤ ኦ ኣቦ፥ ንስኻ ባሪኽካዮ ኢኻ እሞ፥ ንዘለኣለም ብሩኽ እዩ።”