ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦና መሊሱ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ይነብር

እቲ ታቦት ኣብ ድንኳኑ ይንበር፥ ዳዊት ድማ ንነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ እንጀራን ጎጎን ይህብ፥ ድሕሪኡ ኸዓ ንኣሳፍ መዝሙር ምስጋና ንኣቦና የረክቦ፦ ንኣህዛብ ንገሩ፥ ነቲ ኪዳን ዘክሩ፥ ንእኡ ኵልሻዕ ድለዩ። ማሕደር ገና ኣብ ገባዖን ደው ኢሉ ስለ ዘሎ፥ ስሩዕ ኣምልኾ ኣብ ክልተ ቦታ ይውደብ።

ምዕራፍ 16።

ታቦት ኣቦና ኣምፂኦም ዳዊት ኣብቲ ዝተኸለሉ ድንኳን ውሽጢ ኣንበርዎ፤ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ድማ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሰላምን ኣቕረቡ። ዳዊት ድማ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሰላምን ምቕራብ ምስ ወድአ፥ ነቶም ህዝቢ ብስም ኣቦና ባረኾም። ንዅሎም ደቂ እስራኤል ድማ፥ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ፥ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ቕጫን ሓደ ጎጎ ተምርን ሓደ ጎጎ ዘቢብን ዐደለ።

ካብቶም ሌዋውያን ገሊኦም ኣብ ቅድሚ ታቦት ኣቦና ከገልግሉ፥ ንኣቦና ኺፅውዑን ኬመስግኑን ኬመጕሱን መደቦም። a a v4 “ምፅዋዕ” ማለት ስም እግዚኣብሄር ምፅዋዕ እዩ፦ ብፀሎትን ብግልፂ ኣዋጅን ንእኡ ምጥራይ። ኣሳፍ እቲ ሓለቓ ነበረ፤ ካልኣዩ ድማ ዘካርያስ፥ ቀፂሎም ድማ የዒኤልን ሸሚራሞትን ይሒኤልን ማቲትያን ኤልያብን በናያስን ዖቤድ-ኤዶምን የዒኤልን፥ ብበገናን ብመሰንቆን ነበሩ፤ ኣሳፍ ድማ ፀናፅል ይወቅዕ ነበረ። በናያስን ያሃዚኤልን እቶም ካህናት ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣቦና፥ ኵልሻዕ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ።

መዝሙር ምስጋና ዳዊት ንኣቦና

በታ መዓልቲ እቲኣ ዳዊት ንኣሳፍን ነሕዋቱን ንኣቦና ኼመስግኑ ብመጀመርታ መደቦም፦ ንኣቦና ኣመስግንዎ፤ ስሙ ፀውዑ፤ ግብርታቱ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣውጁ። ዘምሩሉ፤ ውዳሴ ዘምሩሉ፤ ነቲ ዝገበሮ ዅሉ ተኣምራት ተናገሩ። ብቕዱስ ስሙ ዕልል በሉ፤ ልቢ እቶም ንኣቦና ዚደልዩ ይተሓጐስ። ንኣቦናን ሓይሉን ድለዩ፤ ገፁ ኵልሻዕ ድለዩ። እቲ ዝገበሮ ግሩም ግብርታቱ፥ ተኣምራትን ፍርዲ ኣፉን ዘክሩ። ኣቱም ዘርኢ እስራኤል ባርያኡ፥ ኣቱም ዝሓረዮም ደቂ ያእቆብ! ንሱ ኣቦና እዩ፤ ፍርድታቱ ኣብ ኵላ ምድሪ እዩ። ኪዳኑ ንዘለኣለም ዘክሩ፥ እቲ ንሽሕ ወለዶ ዝኣዘዞ ቓል፥ እቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኪዳን፥ እቲ ንይስሓቅ ዝመሓለሉ ማሕላ፥ ነዙይ ንያእቆብ ከም ሕጊ፥ ንእስራኤል ድማ ከም ናይ ዘለኣለም ኪዳን ኣፅንዖ፥ ከምዙይ ኢሉ፦ “ምድሪ ከነዓን ከም ዕፃ ርስትኹም ክህበኩም እየ።” ብቑፅሪ ውሑዳት፥ የመና ሒደትን፥ ኣብታ ምድሪ ድማ ስደተኛታትን ከለኹም፥ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፥ ካብ ሓንቲ መንግስቲ ናብ ካልእ ህዝቢ እናተዘዋወርኩም፥ ማንም ክዓምፆም ኣይሓደገን፤ ምእንታኦም ድማ ንነገስታት ገሰፀ፥

“ንቕቡኣተይ ኣይትተንክይዎም፤ ንነብያተይ ከዓ ክፉእ ኣይትግበሩ!”

ኣቲ ኵላ ምድሪ፥ ንኣቦና ዘምሩሉ! ምድሓኑ ኻብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኣበስሩ። ክቡር ግብርታቱ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣውጁ፤ ዝገበሮ ዘገርም ነገራት ንዅሉ ህዝቢ ንገሩ። ኣቦና ዓብዪ እዩ እሞ፥ ኣዝዩ ኽውደስ ይግብኦ፤ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ድማ ኽፍራሕ ይግብኦ። ኵሎም ኣማልኽቲ ኣህዛብ ጣዖታት እዮም እሞ፥ ኣቦና ግና ንሰማያት ገበሮም። ክብርን ግርማን ኣብ ቅድሚኡ፥ ሓይልን ሓጐስን ድማ ኣብ ማሕደሩ እዩ። ኣቱም ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ፥ ንኣቦና ሃቡ፥ ንኣቦና ክብርን ሓይልን ሃቡ! ንኣቦና ክብሪ ስሙ ዝግብኦ ሃቡ፤ መስዋእቲ ኣምፂእኹም ናብ ቅድሚኡ ድማ ንዑ! ንኣቦና ብግርማ ቕድስና ስገዱ። ኣቲ ኵላ ምድሪ፥ ኣብ ቅድሚኡ ረዓዱ! ዓለም ብርግፅ ፅንዕቲ እያ፤ ከቶ ኣይክትነቓነቕን እያ። ሰማያት ይተሓጐሱ፥ ምድሪ ድማ ባህ ይበላ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ከዓ “ኣቦና ነጊሱ!” ይበሉ። ባሕርን ኵሉ ዝመልኦን ይንሀም፤ መሮርን ኵሉ እቲ ኣብኡ ዘሎን ድማ ዕልል ይበል! ሽዑ ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ ኣቦና ብሓጐስ ክዝምሩ እዮም፤ ንሱ ንምድሪ ክፈርዳ ይመፅእ ኣሎ እሞ። ንኣቦና ኣመስግንዎ፥ ሕያዋይ እዩ እሞ፤ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ! ከምዙይ ድማ በሉ፦ “ኦ ኣቦና! ኣድሕነና፤ ካብ ማእኸል ኣህዛብ ኣክበናን ኣናግፈናን፥ ንቕዱስ ስምካ ምእንቲ ኽነመስግን፥ ብውዳሴኻ ኸዓ ምእንቲ ዕልል ክንብል።” ኣቦና ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ቡሩኽ ይኹን! ሽዑ ኵሉ እቲ ህዝቢ “ኣሜን!” በለ፤ ንኣቦና ድማ ኣመስገነ።

ኣብ ቅድሚ ታቦት ኣቦና ዝቖመ ኣምልኾ

ስለዙይ ዳዊት ንኣሳፍን ንኣሕዋቱን፥ ከምቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዘድልዮ ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኵልሻዕ ምእንቲ ከገልግሉ፥ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣቦና ሓደጎም፤ ዖቤድ ኤዶምን ስሳን ሸሞንተን ኣሕዋቱን ድማ ኣብኡ ነበሩ፤ ዖቤድ ኤዶም ወዲ ይዱታንን ሖሳን ከዓ ሓለውቲ ደገ ክኾኑ ተመደቡ። ሳዶቅ እቲ ካህንን ኣሕዋቱ ካህናትን ድማ፥ ኣብቲ ኣብ ጊብዖን ዝነበረ በረኽ፥ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ኣቦና የገልግሉ ነበሩ፤ b b v39 “በረኽ” ኣብ ግዳም ዝርከብ ናይ ኣምልኾ ቦታ እዩ ነይሩ፥ መብዛሕትኡ ጊዜ ኣብ ልዑል ቦታ ዝተሃንፀ። ንኣቦና፥ ኣብ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ፥ ንግሆን ምሸትን ኵልሻዕ ዚሓርር መስዋእቲ ምእንቲ ኸቕርቡ፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ ኣቦና፥ ንሱ ንእስራኤል ዝኣዘዞ ዅሉ ዝተፅሓፈ ነበረ። ምሳታቶም ድማ ሄማንን ይዱታንን፥ ንኣቦና ምእንቲ ኸመስግኑ ዝተሓርዩን በብስሞም ዝተፀውዑን እቶም ዝተረፉ ነበሩ፤ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ። ሄማንን ይዱታንን ድማ፥ ዘስምዑ መለኸትን ፀናፅልን፥ ናይ ቅዱስ መዝሙር ኣቦና መሳርሕን ምሳታቶም ነበሮም። ደቂ ይዱታን ከዓ ኣብ ደገ ተሰለፉ። ሽዑ ኵሉ እቲ ህዝቢ ነናብ ገዛኡ ተመለሰ፤ ዳዊት ድማ ንስድራ ቤቱ ኽባርኽ ተመለሰ።