ሙሴ ናብ ዘለኣለማዊ ኣቦ ይፅሊ
ፀሎት ሙሴ፥ ሰብኣይ ኣቦና።
ሙሴ ንህይወት ሰብ ምስ ዘለኣለማዊ ኣቦኡ የነፃፅሮ፦ ሽሕ ዓመት ከም ትማሊ ለይቲ ሓለዋ ይሓልፍ፥ ሰባት ከዓ ኸም ናይ ንግሆ ሳዕሪ ይፅረጉ። ተወሳኺ መዓልቲታት ኣይልምንን፥ ክቍፅረን ዝኽእል ልቦና ደኣ ይልምን፥ ከምቲ መከራ ዝረአናሉ ዓመታት ዝተመዓራረ ሓጐስ።
90 1ኦ ጐይታ ኣቦ፥ ንስኻ ብዅሉ ወለዶታት ማሕደርና ኴንካ ኢኻ። 2እምባታት ከይተወለዱ፥ ወይ ንምድርን ንዓለም ከይፈጠርካ፥ ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ንስኻ ኣቦና ኢኻ።
3ንሰብ ናብ ሓመድ ትመልሶ፥ “ኣቱም ውሉድ ሰብ፥ ተመለሱ” ኢልካ።
4ሽሕ ዓመት ኣብ ቅድሜኻ፥ ከምታ ዝሓለፈ መዓልቲ፥ ከም ሓለዋ ለይቲ እዩ። 5ከም ብውሒዝ ትፀርጐም፤ ከም ሕልሚ፥ ከምቲ ንግሆ ዝበቍል ሳዕሪ እዮም፥ 6ንግሆ ይዕምብብን ይበቍልን፤ ምሸት ይረግፍ፥ ይነቅፅ ድማ።
7ብመዓትካ ተወዳእና፤ ብቍጥዓኻ ኸዓ ተሸበርና። 8ንበደልና ኣብ ቅድሜኻ፥ ንስዉር ሓጢኣትና ድማ ኣብ ብርሃን ገፅካ ኣቐሚጥካዮ። 9ኵሉ መዓልቲታትና ብቍጥዓኻ ይሓልፍ፤ ዓመታትና ከም እህህታ ንውድእ። 10ዕድመና ሰብዓ ዓመት እዩ፥ ሓይልና እንተ በርትዐ ድማ ሰማንያ ዓመት እዩ፤ ዝበዝሐ ግና ድኻምን መከራን እዩ፤ ቀልጢፉ ይሓልፍ፥ ንሕናውን ንብረር። 11ንሓይሊ መዓትካ መን ይፈልጦ? ቍጥዓኻ ከምቲ ዝግብአካ ፍርሓት ዓብዪ እዩ። 12መዓልቲታትና ክንቍፅር መሃረና፥ ልቢ ጥበብ ምእንቲ ኽንረክብ።
13ኦ ኣቦና፥ ተመለስ! ክሳዕ መዓስ? ንባሮትካ ራህርሃሎም። 14ንግሆ ብምሕረትካ ኣፅግበና፥ ብዅሉ መዓልቲታትና ብሓጐስ ክንዝምርን ክንሕጐስን። 15ከምቲ ዘጨነቕካና መዓልቲታት፥ ከምቲ መከራ ዝረኣናሉ ዓመታት፥ ኣሕጉሰና። 16ባሮትካ ግብርኻ ይረኣዩ፥ ውሉዶም ድማ ግርማኻ ይረኣዩ።
17ሞገስ ጐይታ ኣቦ ኣብ ልዕሌና ይኹን፤ ግብሪ ኣእዳውና ኣፅንዓልና፥ እወ፥ ግብሪ ኣእዳውና ኣፅንዓልና።