ምሕረት ንዝተረፉ ደቂ ብንያም
ሓደ እኳ ጓሉ ንብንያማዊ ኸም ዘይህብ ምስ መሓለ፥ እስራኤል ሓደ ነገድ ይጠፍእ ከም ዘሎ ኣብ ቅድሚ ኣቦና በኸየ፥ ብዝያዳ ዓመፅ ከዓ ኣዐረዮ፦ ኢያቤስ ገለዓድ ምእንቲ እተን ኣርባዕተ ሚእቲ ደናግላ ተሓርደት፥ እቶም ዝተረፉ ኸዓ ነተን ዝስዕስዓ ኣጓላት ሴሎ ኽድብኩ ተባህሉ።
21 1ሰብ እስራኤል ኣብ ምፅጳ ከምዙይ ኢሎም መሓሉ፦ “ካባና ሓደ እኳ ጓሉ ንብንያም ሰበይቲ ኣይህብን።” 2እቲ ህዝቢ ናብ ቤቴል መፁ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኣብኡ ኮፍ ኢሎም፥ ዓው ኢሎም እናኣእወዩ ኣምሪሮም በኸዩ። 3ከምዙይ ድማ በሉ፦ “ኦ ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ሎሚ ሓደ ነገድ ካብ እስራኤል ጎዲሉ ኣሎ፤ እዝ ነገር እዙይ ኣብ እስራኤል ስለምንታይ ኮነ?”
4እቲ ህዝቢ ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም፥ ኣብኡ መሰውኢ ሰሪሖም፥ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሰላምን ኣቕረቡ። 5ሽዑ ደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሎም ሓተቱ፦ “ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ናብቲ ጉባኤ፥ ናብ ኣቦና ዘይደየበ መን እዩ?” ነቲ ናብ ኣቦና ኣብ ምፅጳ ዘይደየበ ሰብ ፈፂሙ ይቀተል ኢሎም ብርቱዕ ማሕላ መሓሉ ነይሮም እዮም እሞ። 6ደቂ እስራኤል ድማ ብዛዕባ ሓዎም ብንያም ሓዘኑ፤ ከምዙይ ድማ በሉ፦ “ሎሚ ሓደ ነገድ ካብ እስራኤል ተቘሪፁ። 7ንሕና ኣዋልድና ኸይንህቦም ብኣቦና መሓልና ኢና እሞ፥ ነቶም ዝተረፉ ኣንስቲ ብኸመይ ኢና እንረኽበሎም?” 8ከምዙይ ድማ ሓተቱ፦ “ካብ ነገዳት እስራኤል ናብ ኣቦና ኣብ ምፅጳ ዘይደየበ መን እዩ?” ካብ ኢያቤስ ገለዓድ ናብቲ ሰፈር፥ ናብቲ ጉባኤ ዝመፀ ሰብ ኣይነበረን። 9እቲ ህዝቢ ምስ ተቘፀረ፥ ካብቶም ኣብ ኢያቤስ ገለዓድ ዝነብሩ ሓደ እኳ ኣብኡ ኣይነበረን እሞ። 10እቲ ጉባኤ ኸዓ ካብ ጀጋኑ ተዋጋእቶም ዓሰርተ ክልተ ሽሕ ሰባት ናብኡ ሰደዱ፤ ከምዙይ ድማ ኣዘዝዎም፦ “ኪዱ ነቶም ኣብ ኢያቤስ ገለዓድ ዝነብሩ ምስ ኣንስትን ቘልዑን ብሴፊ ውቕዕዎም። 11“ከምዙይ ግበሩ፦ ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉን ሰብኣይ ዘእተዋ ዅለን ኣንስትን ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም።” 12ካብ ኣብ ኢያቤስ ገለዓድ ዝነብሩ ድማ፥ ሰብኣይ ዘየእተወን ኣርባዕተ ሚእቲ ደናግል ኣጓላት ረኸቡ፤ ናብቲ ኣብ ምድሪ ከንኣን ዘሎ ሰፈር ሴሎ ድማ ኣምፅእዎም።
13ሽዑ ዅሉ እቲ ማሕበር ናብቶም ኣብ ከውሒ ሪሞን ዝነበሩ ደቂ ብንያም ልኢኾም ሰላም ኣወጁሎም። 14ብንያም ድማ በቲ ጊዜ እቲ ተመለሱ፤ ነተን ካብ ኢያቤስ ገለዓድ ብህይወት ዘትረፍወን ኣንስቲ ድማ ሃብዎም፤ እንተኾነ ንዅሎም ኣይኣኸሎምን። 15እቲ ህዝቢ ድማ ብዛዕባ ብንያም ሓዘኑ፤ ኣቦና ኣብ ነገዳት እስራኤል ፍልልይ ገይሩ ነበረ እሞ። 16እቶም ዓበይቲ ጉባኤ ድማ “ኣንስቲ ብንያም ጠፊአን እየን እሞ፥ ነቶም ዝተረፉ ኣንስቲ ብኸመይ ኢና እንረኽበሎም?” በሉ። 17ከምዙይ ድማ በሉ፦ “ነገድ ካብ እስራኤል ምእንቲ ኸይድምሰስ፥ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ብንያም ርስቲ የድልዮም። 18ንሕና ግና ኣዋልድና ኣንስቲ ኽንህቦም ኣይንኽእልን፤ እስራኤል ‘ንብንያም ሰበይቲ ዝህብ ርጉም ይኹን’ ኢሎም መሓሉ ነይሮም እዮም እሞ።” 19ከምዙይ ድማ በሉ፦ “ኣብ ሴሎ ናይ ዓመት በዓል ኣቦና ኣሎ፤ ሴሎ ኸዓ ኣብ ሰሜን ቤቴል፥ ኣብ ምብራቕ እታ ኻብ ቤቴል ናብ ሴኬም እትድይብ መንገዲ፥ ኣብ ደቡብ ለቦና ኣላ።” 20ነቶም ደቂ ብንያም ድማ ከምዙይ ኢሎም ኣዘዝዎም፦ “ኪዱ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ተሓብኡ፤ 21ተዓዘቡ፤ ኣዋልድ ሴሎ ኽስዕስዓ ምስ ወፃ፥ ካብ ኣታኽልቲ ወይኒ ወፂእኹም፥ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ኣዋልድ ሴሎ ሰበይቲ ንባዕልኻትኩም ሓዙ፤ ናብ ምድሪ ብንያም ድማ ኪዱ።” 22ኣቦታተን ወይ ኣሕዋተን ክማጐቱ ናባና ምስ መፁ፥ ኣብ ውግእ ንነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ኣይማረኽናሎምን፥ ንስኻትኩም እውን ባዕልኻትኩም ኣንስቲ ኣይሃብኩምዎምን እሞ፥ እንተዘይኮነ ሕዚ በደለኛታት ምኾንኩም ነይርኩም፤ ስለዙይ ምእንታና ኢልኩም ራህርሁሎም ክንብሎም ኢና።
23ደቂ ብንያም ድማ ከምኡ ገበሩ፦ ካብተን ዝሓዝወን ደረፍቲ፥ ንነፍሲ ወከፎም ሓንቲ ሓንቲ ኣንስቲ ወሰዱ፤ ናብ ርስቶም ተመሊሶም ድማ ነተን ከተማታት ሰሪሖም ኣብኡ ተቐመጡ። 24በቲ ጊዜ እቲ ድማ ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ናብ ነገዱን ዓሌቱን ካብኡ ኸዱ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ካብኡ ናብ ርስቱ ወፀ። 25በተን መዓልቲታት እቲኣተን ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ዓይኑ ቕኑዕ ኾይኑ ዝረኣዮ ይገብር ነበረ።