ብበረኸት ኣቦ ናብ ገዝኦም ተሰዲዶም
እቶም ብወገን ምብራቕ ዝነበሩ ነገዳት ተባሪኾም ናብ ገዝኦም ይኸዱ፤ ድሕሪኡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ዓብዪ መሰውኢ ይሰርሑ። እቶም ዝተረፉ እስራኤል ድማ ስለምንታይ ቅድሚ ምሕታቶም ንውግእ ተኣከቡ። እቲ መልሲ ኸዓ ነቲ ነገር ኣህድኦ፦ ንመስዋእቲ ዘይኮነስ፥ ደቆም ‘ብፅሒት የብልኩምን’ ከይበሃሉ፥ ንኣቦኦም ምስክር ምእንቲ ኽኸውን እዩ።
22 1ኢያሱ ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ፀውዖም፤ 2ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ነቲ ባርያ ኣቦና ሙሴ ዝኣዘዘኩም ዅሉ ሓሊኹም፥ ኣብቲ ዝኣዘዝኩኹም ዅሉውን ቃለይ ሰሚዕኹም። 3ኣብዘን ብዙሓት መዓልቲታት ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ንኣሕዋትኩም ኣይሓደግኩምዎምን፥ ነቲ ዕዮ ትእዛዝ ኣቦኹም ግና ሓሊኹም። 4ሕዚ ኸዓ ኣቦኹም ከምቲ ዝተመባፅዖ ንኣሕዋትኩም ዕረፍቲ ሂቡዎም እዩ። ስለዙይ ናብ ድንኳናትኩም፥ ናብታ ባርያ ኣቦና ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ርስትኹም ተመለሱ። 5ነቲ ባርያ ኣቦና ሙሴ ዝኣዘዘኩም ትእዛዝን ሕግን ክትገብሩ ጥራሕ ኣዚኹም ተጠንቀቑ፦ ንኣቦኹም ኣፍቅሩ፥ ብዅሉ መንገዱ ኺዱ፥ ትእዛዛቱ ሓልዉ፥ ናብኡ ቅረቡ፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ድማ ኣገልግልዎ።”
6ኢያሱ ድማ ባረኾም ኣፋነዎም፤ ንሳቶም ከዓ ናብ ድንኳናትኦም ከዱ። 7ሙሴ ንፍርቂ ነገድ ምናሴ ኣብ ባሳን ርስቲ ሂቡዎም ነበረ፤ ነቲ ኻልእ ፍርቂ ኸዓ ኢያሱ ምስ ኣሕዋቶም ኣብ ምዕራብ ዮርዳኖስ ርስቲ ሃቦም። ኢያሱ ናብ ድንኳናትኦም ናብ ገዝኦም ምስ ሰደዶም፥ ባረኾም። 8ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ብብዙሕ ሃብቲ፥ ብብዙሕ ጥሪትን ብሩርን ወርቅን ነሃስን ሓፂንን ብዙሕ ክዳውንትን ናብ ገዛኹም ተመለሱ። ነቲ ኻብ ፀላእትኹም ዝረኸብኩምዎ ዘመተ ድማ ምስ ኣሕዋትኩም ተማቐሉ።”
ንኣቦኦም ዝምስክር መሰውኢ
9ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ድማ ካብ ደቂ እስራኤል፥ ካብ ሴሎ እትርከብ ኣብ ምድሪ ከንኣን ተፈልዮም፥ ከምቲ ኣቦና ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞም ዝሰፈሩላ ርስቶም ናብ ጊልዓድ ተመለሱ። 10ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ድማ ኣብ ምድሪ ከንኣን ናብ ዘሎ ኸባቢ ዮርዳኖስ ምስ በፅሑ፥ ኣብኡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ መሰውኢ ሰርሑ፤ እቲ መሰውኢ ኸዓ ብግዝፉ ምርኡይ መሰውኢ ነበረ። 11ደቂ እስራኤል ድማ “እንሆ፥ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ኣብ መንፅር ምድሪ ከንኣን፥ ኣብ ኸባቢ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ወገን ደቂ እስራኤል መሰውኢ ሰሪሖም እዮም” ዝብል ሰምዑ። 12ደቂ እስራኤል ምስ ሰምዑ ኸዓ፥ ኵሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል ክዋግእዎም ኢሎም ኣብ ሴሎ ተኣከቡ። 13ደቂ እስራኤል ድማ ናብ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ናብ ምድሪ ጊልዓድ፥ ንፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ለኣኹ፤ 14ምስኡ ኸዓ ዓሰርተ ሓለቕቲ፥ ካብ ኵሉ ነገድ እስራኤል ከካብ ማይ ቤት ኣቦታት ሓደ ሓደ ነበሩ፤ ነፍሲ ወከፎም ድማ ኣብ ማእኸል ዓሌታት እስራኤል ናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ሓለቓ ነበሩ። 15ናብ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ናብ ምድሪ ጊልዓድ መፂኦም ከምዙይ በልዎም፦ 16“ኵሉ ማሕበር ኣቦና ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እዝ ኣብ ልዕሊ ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል እትገብርዎ ዘለኹም ክሕደት እንታይ እዩ፦ ሎሚ ንእኡ ኻብ ምስዓብ ተመሊስኩም፥ ኣብ ልዕሊኡ ምእንቲ ኽትዓምፁ ሎሚ ንርእስኹም መሰውኢ ብምስራሕ? 17እቲ ሓጢኣት ፌጎርዶ ኣይኣኽለናን ነይሩ? ኣብ ልዕሊ ማሕበር ኣቦና መቕሰፍቲ እኳ እንተ መፀ፥ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኻብኡ ኣይተንፃሕናን። 18ንስኻትኩም ሎሚ ኻብ ምስዓብ ኣቦና ክትምለሱ? ሎሚ ኣብ ልዕሊኡ እንተ ዓሚፅኩም፥ ፅባሕ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ማሕበር እስራኤል ክቝጣዕ እዩ። 19እንተኾነ ግና እታ ምድሪ ርስትኹም ርኽስቲ እንተ ዄይና፥ ናብታ ማሕደሩ ዝነብረላ ምድሪ ርስቲ ኣቦና ተሳገሩ፤ ኣብ ማእኸልናውን ርስቲ ውረሱ። ኣብ ልዕሊ ኣቦና ጥራሕ ኣይትዓምፁ፤ ካብ መሰውኢ ኣቦና ወፃኢ ንርእስኹም ካልእ መሰውኢ ብምስራሕ ድማ ምሳኻትኩም ናብ ዓመፅ ኣይተእትዉና። 20ኣካን ወዲ ዛራ፥ በቲ ውጉዝ ነገር ከሒዱ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ማሕበር እስራኤል ቍጥዓ ኣየምፅአንዶ? በቲ በደል እቲ ዝሞተ ንሱ በይኑ ኣይነበረን።’”
21ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ድማ ነቶም ሓለቕቲ ዓሌታት እስራኤል ኢሎም መለሱሎም፦ 22“እቲ ሓያል፥ ኣቦና! እቲ ሓያል፥ ኣቦና! ንሱ ይፈልጥ እዩ፥ እስራኤል ባዕሉውን ይፍለጥ! ኣብ ልዕሊ ኣቦና ብዓመፅ ወይ ብክሕደት እንተ ኾይኑ፥ ሎሚ ኣይትናሕስዩልና፥ 23ካብ ምስዓብ ኣቦና ንምምላስ ወይ ኣብ ልዕሊኡ ዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ ምስጋናን ንምስዋእ ንርእስና መሰውኢ እንተ ሰሪሕና፥ ኣቦና ባዕሉ ይቕፃዓና!
24እዙይ ዝገበርናዮ ደኣ፥ ብዳሕረዋይ ዘመን ደቅኹም ንደቅና ‘ምስ ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ርክብ ኣለኩም? ከይብልዎም ፈሪሕና ኢና። 25ኣቦና ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ንዮርዳኖስ ወሰን ገይሩ እዩ እሞ፥ ኣቱም ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን፥ ንስኻትኩም ኣብኡ ግደ የብልኩምን’ ኢሎም፥ ደቅኹም ንደቅና ነቦና ኻብ ምምላኽ ከቋርፁ ይኽእሉ እዮም። a a v25 እቲ ዓሚቕ ፍርሂ ናይቶም ብወገን ምብራቕ ዝነበሩ ነገዳት ብዛዕባ ምድሪ ዘይኮነስ ብዛዕባ ምትእስሳር ነበረ፦ ሓደ መዓልቲ ደቆም ኣብ ኣቦ ግደ ኸም ዘይብሎም ክንገሮም ስለ ዝኽእል ነበረ። እቲ ባእሲ ብሓቂ ብዛዕባ መን ገና ናቱ ምዃኑ እዩ።
26ስለዙይ ከምዙይ በልና፦ ‘ንርእስና መሰውኢ ንስራሕ፤ ንዝሓርር መስዋእቲ ዘይኮነ፥ ንመስዋእቲውን ዘይኮነ፥ 27ኣብ መንጎናን መንጎኹምን፥ ኣብ መንጎ እቶም ድሕሬና ዝመፁ ወለዶታትናን ግና፥ ንኣቦና ብዝሓርር መስዋእትን ብመስዋእትን ብመስዋእቲ ምስጋናን ኣብ ቅድሚኡ ኸም እነገልግሎ ዝምስክር ይኹን፤ ደቅኹም ንደቅና ብዳሕረዋይ ዘመን “ኣብ ኣቦና ግደ የብልኩምን” ከይብልዎም።’
28ከምዙይ ድማ ሓሰብና፦ ንሳቶም ንዓናን ነቶም ዝመፁ ወለዶታትናን እዝ እንተ በሉና፥ ‘እንሆ፥ ኣቦታትና ዝገበርዎ ኣምሳል መሰውኢ ኣቦና ርኣዩ፤ ንዝሓርር መስዋእቲ ወይ ንመስዋእቲ ዘይኮነ፥ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ምስክር ደኣ እዩ’ ክንብል ኢና።
29ካብ መሰውኢ ኣቦና፥ ካብቲ ኣብ ቅድሚ ማሕደሩ ዘሎ ወፃኢ፥ ንዝሓርር መስዋእትን ንመስዋእቲ እኽልን ንመስዋእትን ዝኸውን መሰውኢ ብምስራሕ፥ ኣብ ልዕሊ ኣቦና ምዕፃይ ወይ ሎሚ ንእኡ ኻብ ምስዓብ ምምላስ ካባና ይርሓቕ!”
30እቲ ኻህን ፊንሃስን መራሕቲ እታ ማሕበርን ምስኡ ዝነበሩ ሓለቕቲ ዓሌታት እስራኤልን ድማ፥ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ደቂ ምናሴን ዝበልዎ ነገር ምስ ሰምዑ፥ ደስ በሎም። 31ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንደቂ ምናሴን “ከምዙይ ገይርኩም ስለ ዘይጠለምኩምዎ፥ ኣቦና ኣብ ማእኸልና ኸም ዘሎ ሎሚ ፈሊጥና ኢና። ሕዚ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ ኣቦና ኣድሒንኩምዎም ኣለኹም” በሎም። 32ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛርን እቶም መራሕትን ድማ፥ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ሓዲጎም ናብ ምድሪ ከንኣን ናብ ደቂ እስራኤል ተመለሱ፤ ነገር ድማ መለሱሎም። 33እቲ ነገር ድማ ንደቂ እስራኤል ደስ ኣበሎም፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ንኣቦና ባረኽዎ፤ ነታ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ዝነብሩላ ምድሪ ኸጥፍኡ፥ ክዋግእዎም ኣይተዛረቡን። 34ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ድማ ነቲ መሰውኢ ምስክር ኢሎም ሰመይዎ፤ “እሞ፥” በሉ “ንሱ ኣብ መንጎና ኣቦና ኣምላኽ ምዃኑ ምስክር እዩ።”