ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኢዮብ ይምልስ

ኢዮብ ነቲ ዝተውሃቦ ሓገዝ የላግፀሉ፥ ደሓር ከዓ ብዛዕባ ሓይሊ ኣቦና ካብ ፈታዊኡ ንላዕሊ ይዝምር፦ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ገለ ዘይብሉ ተንጠልጢላ፥ ማያት ኣብ ደመና ተጠቕሊሎም፥ ባሕሪ ህዱእ ኮይኑ፥ ራሃብ ተሰይሩ። እዝ ኵሉ ኸዓ፥ ናይ ህዱእ ድምፁ ፈኵስ ወሰን ጥራሕ እዩ ይብል።

ምዕራፍ 26።

ሽዑ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ነቲ ሓይሊ ዘይብሉ ኸመይ ገይርካ ረዳእካዮ! ነቲ ሓይሊ ዘይብሉ ቅልፅሚ ኸዓ ኸመይ ገይርካ ኣድሓንካዮ! ነቲ ጥበብ ዘይብሉ ኸመይ ገይርካ መኸርካዮ፥ ጥዑይ ምስትውዓል ድማ ብብዝሒ ገለፅካ! ነዝ ዘረባ እዙይ ብሓገዝ መን ተዛረብካዮ? መንፈስ መንከ ኻባኻ ወፀ? እቶም ምዉታት መናፍስቲ ይንቀጥቀጡ፤ እቶም ኣብ ትሕቲ ማይ ዘለዉን ኵሎም ኣብኡ ዝነብሩን። ሲኦል ኣብ ቅድሚ ኣቦና ጥራሑ እዩ፤ ጥፍኣትውን መኽደን የብሉን። ንሰሜናይ ሰማያት ኣብ ልዕሊ ጥራሕ ስፍራ ይዝርግሖ፤ ንምድሪ ኣብ ልዕሊ ገለ ዘይብሉ የንጠልጥላ። ነቲ ማይ ኣብ ከቢድ ደመናኡ ይጠቕልሎ፤ እቲ ደመና ግና ብኽብደቱ ኣይስንጠቕን። ነቲ ገፅ ምሉእ ወርሒ ይኽድኖ፤ ደመናኡ ኣብ ልዕሊኡ ይዝርግሕ። ኣብ ገፅ እቲ ማይ ክቢ ሓንፂፁ፥ ኣብቲ ኣብ መንጎ ብርሃንን ፀልማትን ዘሎ ወሰን። ኣዕማድ ሰማያት ይንቀጥቀጡ፥ በቲ ተግሳፁ ኸዓ ይግረሙ። ብሓይሉ ነቲ ባሕሪ ኣህደአ፤ ብምስትውዓሉ ድማ ነቲ ራሃብ ዝበሃል ኣራዊት ባሕሪ ሰባበሮ። ብመንፈሱ ሰማያት በርሀ፤ ኢዱ ድማ ነቲ ዝሃድም ተመን ወግአቶ። እዚኣቶም ወሰናት መንገድታቱ ጥራሕ እዮም፤ ብዛዕባኡ እንሰምዖ ህዱእ ድምፂ ኸዓ ክንደይ ፈኵስ እዩ! ነጐድጓድ ሓይሉ ግና መን ከስተውዕሎ ይኽእል?”