ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ቢልዳድ ዳግማይ ተዛረበ

ናይ መወዳእታ ዘረባ ቢልዳድ ሽዱሽተ ፍቕዲ ጥራሕ እያ፥ ርሕቀት እምበር ካልእ ዝተረፋ ነገር የብላን፦ ስልጣን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፥ ኣብ ቅድሚኡ ወርሕን ከዋኽብትን እኳ ንፁሃት ኣይኮኑን፥ እምበኣር መዋቲ ሰብ እንታይ እዩ? ዕፄ፥ ሓሰኻ። ክርክር እቶም ፈተውቲ ቃላት ወዲኡ።

ምዕራፍ 25።

ሽዑ ቢልዳድ ሹሓዊ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ስልጣንን ፍርሓትን ናቱ እዮም፤ ኣብ ላዕለዎት ስፍራታቱ ሰላም ይገብር። ንሰራዊቱ ክቘፅሮም ዝኽእል ሰብ ኣሎ ዶ? ብርሃኑከ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ሰብ ኣይበርህን ዶ? እምበኣር መዋቲ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከመይ ኢሉ ፃድቕ ክኸውን ይኽእል? ካብ ሰበይቲ ዝተወለደኸ ከመይ ኢሉ ንፁህ ክኸውን ይኽእል? እንሆ፥ ኣብ ዓይኑ ወርሒ እኳ ብሩህ ኣይኮነን፥ ከዋኽብቲ ድማ ንፁሃት ኣይኮናን፤ ዕፄ ዝኾነ መዋቲ ሰብ፥ ሓሰኻ ዝኾነ ወዲ ሰብ ድማ ደኣ ኽንደይ ዘይንእስ!”