ሰማያት ቀዲድካ ውረድ
እዝ፥ ኣቦና ሰማይ ቀዲዱ ምእንቲ ኽወርድ ዝግበር ፀሎት እዩ። ነቲ ህዝቢ ኣይማጐተሉን፥ ፅቡቕ ግብሮም ከም ዝረሰሐ ክዳን ይብሎ፥ ንእኡ ዝሕዝ ሓደኳ ከም ዘየለ ድማ ይእመን። እቲ ቤተ መቕደስ ተቓፂሉ ኣሎ። ብዘይ መልሲ ዘለዎ ሕቶ ይውዳእ።
64 1ኦ፥ ሰማያት ቀዲድካ እንተ ትወርድ ነይርካ፥ እምባታት ድማ ካብ ገፅካ ምተነቓነቑ፥ 2ከምቲ ሓዊ ንጨንፈር ኦም ዘንድድ፥ ንማይ ድማ ዘፍልሕ፥ ስምካ ንተፃረርትኻ ምእንቲ ኸተፍልጥ፥ ኣህዛብ ከዓ ካብ ገፅካ ምእንቲ ኽንቀጥቀጡ! 3ዘይተፀበናዮ ዝፍርሑ ነገራት ምስ ገበርካ፥ ወረድካ፥ እምባታት ከዓ ካብ ገፅካ ተነቓነቑ። 4ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፥ ዝሰምዐ ወይ ብእዝኑ ዘስተውዓለ የለን፥ ብዘይ ዘኣኻ ዝረአየ ዓይኒ ኸዓ የለን፤ ንስኻ ነቲ ዝፅበዮ እትገብረሉ ኢኻ። 5ነቶም ብሓጐስ ፅድቂ ዝገብሩ፥ ነቶም ብመንገድኻ እናኸዱ ዝዝክሩኻ ትቕበሎም። ንስኻ ግና ተቘጢዕኻ፥ ንሕና ኸዓ ሓጢኣት ገበርና፤ ነዊሕ ግዜ ኣብ ሓጢኣትና ፀኒሕና፥ ክንድሕንዶ ንኽእል? 6ኵላትና ኸም ርኹስ ሰብ ኮይንና፥ ኵሉ ፅድቂ ግብርና ኸዓ ኸም ዝረሰሐ ክዳን እዩ፤ ኵላትና ኸም ቘፅሊ ነቐፅና፥ ሓጢኣትና ኸዓ ኸም ንፋስ ፀራሪጉ ይወስደና። 7ስምካ ዝፅውዕ የለን፥ ንኣኻ ኽሕዝ ባዕሉ ዝትንስእ ከዓ የለን፤ ገፅካ ኻባና ሓቢእካ ኢኻ እሞ፥ ናብ ሓጢኣትና ድማ ኣሕሊፍካ ሂብካና።
8ሕዚ ግና፥ ንስኻ ኣቦና ኢኻ፤ ንሕና መሬት ኢና፥ ንስኻ ኸዓ ሰራሒና ኢኻ፤ ኵላትና ግብሪ ኢድካ ኢና። 9ኣቦና፥ ኣዚኻ ኣይትቈጣዕ፥ ንሓጢኣትና ኸዓ ንዘለኣለም ኣይትዘክሮ። እስኪ ርአ፥ ኵላትና ህዝብኻ ኢና። 10ቅዱሳት ከተማታትካ በረኻ ኮይነን፤ ፅዮን በረኻ ኮይና፥ ኢየሩሳሌም ድማ ዑና ኮይና። 11እቲ ቅዱስን ፅቡቕን ቤትና፥ ኣቦታትና ዝወደሱካ፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ኣሎ፤ እቲ ዝኸበረና ኵሉ ድማ ዓኒዩ። 12ድሕሪ እዝ ዅሉ፥ ኣቦና፥ ትዕገስዶ ኢኻ? ስቕ ኢልካዶ ክትነብር ኣዚኻ ኸዓ ኽተጨንቐና ኢኻ?