ኢየሱስ፥ ንምድሓን ሓያል
ሓደ ኣካል ካብ ኤዶም፥ ደም ዝነጠቦ ክዳን ለቢሱ፥ ንበይኑ ረዳኢ ዘይብሉ ነቲ መፅመቝ ወይኒ ረጊፁ ይመፅእ። ሽዑ እቲ ዝኽሪ ይለዝብ፦ ኣቦና ብመከራ ህዝቡ ተጨኒቑ፥ ኣልዒሉ ፆሮም፥ ክሳዕ ንመንፈሱ ዘጕሃይዎ። ርህራሄኡ ናበይ ከም ዝኸደ እናሓተተ ይውዳእ።
63 1እዝ ካብ ኤዶም ዝመፅእ ዘሎ፥ ካብ ባሶራ ቐይሕ ዝሕብሮም ክዳውንቲ ዝለበሰ፥ በቲ ኽዳኑ ዝኸበረ፥ ብብርቱዕ ሓይሉ ዝኸይድ ዘሎ መን እዩ? “ፅድቂ ዝእውጅ፥ ንምድሓን ሓያል፥ ኣነ እየ።” a a v1 ሃዋርያ ዮሃንስ ንኢየሱስ፥ ብደም ዝተጠልቀ ልብሲ ተኸዲኑ፥ ነቲ መፅመቝ ወይኒ ቍጥዓ ኣቦኡ እናረገፀ ረአዮ — ራእይ 19፡11-15።
2ክዳንካ ስለ ምንታይ ቐይሕ ኮይኑ፥ ክዳውንትኻ ኸዓ ኸም ናይ ሓደ ኣብ መፅመቝ ወይኒ ዝረግፅ ዝኾነ?
3“ንበይነይ ነቲ መፅመቝ ወይኒ ረጊፀዮ፥ ካብቶም ህዝብታት ከዓ ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን፤ ብቝጥዓይ ጨፍለቕኩዎም፥ ብቍጥዓይ ድማ ረገፅኩዎም፤ ደሞም ከዓ ናብ ክዳውንተይ ነጠበ፥ ኵሉ ኽዳነይ ድማ ኣበላሸኹ። 4መዓልቲ ሕነ ኣብ ልበይ ነይራ እያ እሞ፥ ዓመት እቶም ዝተበዘኹዎም ከዓ በፂሓ ነበረት። 5ጠመትኩ፥ ዝረድእ ግና ኣይነበረን፤ ዝድግፈኒ ስለ ዘይነበረ ተገረምኩ፤ ስለዙይ ቅልፅመይ ባዕሉ ምድሓን ኣምፅአለይ፥ ቍጥዓይ ድማ ደገፈኒ። 6ነቶም ህዝብታት ብቝጥዓይ ረገፅኩዎም፤ ብቍጥዓይ ኣስከርኩዎም፥ ደሞም ከዓ ናብ ምድሪ ኣፍሰስኩ።”
ፍቕሪ ኣቦና ክነግር እየ
7ምሕረት ኣቦናን ውዳሰኡን ክነግር እየ፥ ከምቲ ዝገበረና ዅሉ፥ ነቲ ንቤት እስራኤል ዘርኣዮ ዓብዪ ሕያዋይነት ድማ፥ ከም ርህራሄኡ፥ ከም ብዝሒ ምሕረቱ።
8ንሱ ኸዓ “ብሓቂ ህዝበይ እዮም፥ ዘይሕሱ ውሉድ እዮም” በለ፤ መድሕኖምውን ኮነ።
9ብዅሉ መከራኦም ንሱ ተጨነቐ፤ መልኣኽ ገፁ ኸዓ ኣድሓኖም፤ ብፍቕሩን ብርህራሄኡን ተቤዘዎም፤ ኣልዒሉ ኸዓ ብዅሉ መዓልቲታት ጥንቲ ፆሮም። 10ንሳቶም ግና ዓመፁ፥ ንቅዱስ መንፈሱ ኸዓ ኣጕሃዩ፤ ስለዙይ ተመሊሱ ፀላኢኦም ኮነ፥ ባዕሉ ድማ ተዋግኦም። 11ሽዑ ነተን መዓልቲታት ጥንቲ፥ ናይ ሙሴን ናይ ህዝቡን ዘከረ። እቲ ምስ ጓሶት መጓሰኡ ኻብ ባሕሪ ዘደየቦም መን ኣሎ? እቲ ቅዱስ መንፈሱ ኣብ ማእኸሎም ዘንበረ መን ኣሎ፥ 12እቲ ኣብ የማን ሙሴ ክቡር ቅልፅሙ ዘርግሐ፥ ኣብ ቅድሚኦም ነቲ ማያት ኣብ ክልተ ዝመቐላ፥ ንርእሱ ናይ ዘለኣለም ስም ምእንቲ ኽገብር፥ 13እቲ ብዓሚቝ ባሕሪ ዝመርሖም መን እዩ? ከም ፈረስ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣይተዓንቀፉን። 14ከምቲ ናብ ለሰ ዝወርድ እንስሳ፥ መንፈስ ኣቦና ዕረፍቲ ሃቦም። ከምኡ ድማ ንርእስኻ ኽቡር ስም ምእንቲ ኽትገብር፥ ንህዝብኻ መራሕኻዮም።
ካብ ሰማይ ጠምት
15ካብ ሰማይ ጠሚትካ ርአ፥ ካብታ ቅድስትን ክብረትን ማሕደርካ። ቅንኣትካን ሓያል ግብርታትካን ኣበይ ኣለዉ? ናይ ልብኻ ሀረርታን ርህራሄኻን ካባይ ተኸልኪሎም ኣለዉ። 16ንስኻ ኣቦና ኢኻ እሞ፥ ኣብርሃም ንዓና እኳ እንተ ዘይፈለጠ፥ እስራኤልውን እኳ እንተ ዘይኣመነና፥ ንስኻ ኣቦና ኢኻ፤ ስምካ ኸዓ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ተቤዛዊና እዩ። 17ኦ ኣቦና፥ ስለ ምንታይ ካብ መንገድኻ ዀለል ተብለና፥ ንልብናውን ተትርሮ፥ ከይንፈርሃካ ትገብር? ምእንቲ ባሮትካ፥ ምእንቲ ነገዳት ርስትኻ ተመለስ። 18ቅዱስ ህዝብኻ ንቑሩብ ጊዜ ወረስዎ፤ ፀላእትና ኸዓ ንቤተ መቕደስካ ረገፅዎ። 19ከምቶም ከቶ ዘይገዛእካዮም፥ ከምቶም ብስምካ ዘይተፀውዑ ኮንና።