ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ስቕ ኣይብልን እየ

ሓደ ሰብ፥ ምድሓን ኢየሩሳሌም ክሳዕ ዝርአ ስቕ ክብል ኣበየ፥ ንኣቦና ለይትን መዓልትን ከጨንቕዎ ድማ ሓለውቲ ኣቐሚጡ። ኣስማታ ይቕየር፦ ሕድግትን ዝባደመትን ዘይኮነ፥ ባህታይ ኣብኣ እዩን ዝተመርዓወትን ትብሃል። ኣቦኣ ኸዓ ከምቲ መርዓዊ ዝገብሮ ብኣ ይሕጐስ።

ምዕራፍ 62።

ምእንቲ ፅዮን ስቕ ኣይብልን እየ፥ ምእንቲ ኢየሩሳሌም ድማ ኣየዕርፍን እየ፥ ፅድቃ ከም ጎሕ፥ ምድሓናውን ከም ሃልሃል ዝብል ሽግ ክሳዕ ዝበርህ። ኣህዛብ ፅድቅኺ፥ ኵሎም ነገስታት ከዓ ክብርኺ ክርእዩ እዮም፤ ብሓድሽ ስም፥ እቲ ኣቦና ባዕሉ ዝህበኪ ክትስመዪ ኢኺ። ኣብ ኢድ ኣቦና ናይ ፅባቐ ኣኽሊል፥ ኣብ ኢድ ኣቦና ናይ መንግስቲ ኣኽሊል ክትኮኒ ኢኺ። ደጊም ሕድግቲ ኢሎም ኣይፅውዑኽን እዮም፥ ንምድርኺ ድማ ዝባደመት ኢሎም ኣይሰምይዋን፤ ግና ሔፍዚባ ተባሂልኪ ክትስመዪ ኢኺ—ባህታይ ኣብኣ እዩ—ምድርኺ ድማ ቡዓላ—ዝተመርዓወት ክትብሃል እያ፤ ልቢ ኣቦና ብኣኺ ይሕጐስ እዩ እሞ፥ ምድርኺ ድማ ክትምርዖ እያ። ከምቲ መንእሰይ ንጓል ዝምርዓዋ፥ ከምኡ ደቅኺ ክምርዑኺ እዮም፤ ከምቲ መርዓዊ ብመርዓቱ ዝሕጐስ ድማ፥ ከምኡ ኣቦኺ ብኣኺ ክሕጐስ እዩ።

ኦ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ቅፅርኺ ሓለውቲ ኣቐሚጠ ኣለኹ፤ ምሉእ መዓልትን ምሉእ ለይትን ከቶ ስቕ ኣይብሉን እዮም። ኣቱም ንኣቦና እተዘክሩ፥ ንባዕልኻትኩም ዕረፍቲ ኣይትሃቡ፥ ንእኡ ድማ ዕረፍቲ ኣይትሃብዎ፥ ንኢየሩሳሌም ክሳዕ ዘፅንዓ፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ድማ ክሳዕ ዘንእዳ።

ኣቦና ብየማናይ ኢዱ፥ ብቕልፅም ሓይሉ ድማ መሓለ፦ “ደጊም ንእኽልኺ ንፀላእትኺ ብልዒ ኣሕሊፈ ኣይህብን እየ፥ ጓኖት ድማ ነቲ ንስኺ ዝፀዓርክሉ ሓድሽ ወይኒ ኣይሰትይዎን፤ እቶም ዝዓፅድዎ ግና ክበልዕዎ፥ ንኣቦና ድማ ከመስግኑ እዮም፥ እቶም ዝእክብዎ ድማ ኣብ ኣፅድ መቕደሰይ ክሰትይዎ እዮም።”

ሕለፉ፥ በቲ ደጌታት ሕለፉ! ንህዝቢ መንገዲ ኣዳልዉ። ነቲ ጐደና ንደቑ፥ ንደቑ፤ ነተን ኣእማን ኣልዕሉ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉ።

እንሆ ኣቦና ናብ ወሰናት ምድሪ ኣወጀ፦ ንጓል ፅዮን ከምዙይ በልዋ፦ “እንሆ ምድሓንኪ ይመፅእ ኣሎ፤ እንሆ ዓስቡ ምስኡ እዩ፥ ዋጋኡ ድማ ኣብ ቅድሚኡ እዩ።” a a v11 ራእይ 22:12 ነዚ ዝመፅእ ዘሎ ይሰምዮ፦ ኢየሱስ ከምዙይ ይብል፦ "እንሆ፥ ቀልጢፈ ክመፅእ እየ፥ ዓስበይ ድማ ምሳይ ሒዘ እመፅእ ኣለኹ።"

ቅዱስ ህዝቢ፥ ቤዙያት ኣቦና ተባሂሎም ክስመዩ እዮም፤ ንስኺ ድማ ዝተደልየት፥ ዘይትሕደግ ከተማ ተባሂልኪ ክትስመዪ ኢኺ።