ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

መንፈስ ኣቦ ይቐብአኒ ኣሎ

እቲ ዝተቐብአ ተዛራባይ፥ ናብ መን ከም እተላእከ ይሰምዮም፦ ናብ ድኻታት፥ ነቶም ልቦም ዝተሰብረ፥ ምሩኻት፥ ኣብ ፅዮን ዝሓዝኑ። ኣብ ክንዲ ሓሙዅሽቲ ኣኽሊል፥ ኣብ ክንዲ ጓሂ ድማ ምስጋና ይወሃብ። ኣቦና ንፍትሒ ኸም ዘፍቅርን ንዘረፋ ኸም ዝፀልእን ይዛረብ፥ እተን ዝዓነዋ ኸተማታት ድማ በቶም ዝሓፈሩ ይህነፃ።

ምዕራፍ 61።

መንፈስ እቲ ልዑል ኣቦ ኣብ ልዕለይ ኣሎ፤ ኣቦና ንድኻታት ብስራት ከበስር ቀቢኡኒ እዩ። ነቶም ልቦም ዝተሰብረ ክጠግን፥ ንምሩኻት ነፃነት ክእውጅ፥ ነቶም ብፀልማት ተኣሲሮም ዘለዉ ኸዓ ምፍታሕ ልኢኹኒ ኣሎ፥ a a v1 ኢየሱስ ኣብ ምኵራብ ናዝሬት ነዝ ቃላት እዚኣቶም ባዕሉ ኣንቢቡ፥ “ሎሚ እዝ መፅሓፍ ኣብ እዝንኹም ተፈፂሙ ኣሎ” ብምባል እዩ ኣገልግሎቱ ዝጀመረ (ሉቃስ 4፡18-21)። እቲ ኣብዚ ዝዛረብ ዘሎ ኣገልጋሊ ኢየሱስ እዩ፤ ብመንፈስ ዝተቐብአ፥ ብኣቦና ዝተላእከ። ዓመት ሞገስ ኣቦናን መዓልቲ ፍትሒ ኣቦናን ክእውጅ፥ ንዅሎም ዝሓዝኑ ኸፀናንዕ፥ ነቶም ኣብ ፅዮን ዝሓዝኑ ክቕልቦም፥ ኣብ ክንዲ ሓሙዅሽቲ ኣኽሊል ፅባቐ፥ ኣብ ክንዲ ሓዘን ዘይቲ ሓጐስ፥ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂ ኸዓ ኽዳን ምስጋና ክህቦም፤ ከምዙይ ድማ ዓበይቲ ኣእዋም ፅድቂ፥ ተኽሊ ኣቦና ተባሂሎም ክፅውዑ እዮም፥ ንሱ ምእንቲ ክኸብር።

ናይ ጥንቲ ዑናታት ክሃንፁ እዮም፤ ካብ ጥንቲ ዝባደማ ቦታታት ከዓ ከተንስኡ እዮም፤ ነተን ንብዙሕ ወለዶ ዝባደማ ዝዓነዋ ከተማታት ክሃንፅወን እዮም። ጓኖት መጓሰኹም ክጓስዩ እዮም፤ ደቂ ባዕዲ ከዓ ሓረስቶትኩምን ሰራሕቲ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ክኾኑ እዮም። ንስኻትኩም ግና ካህናት ኣቦና ተባሂልኩም ክትፅውዑ ኢኹም፤ ኣገልገልቲ ኣቦና ክትስመዩ ኢኹም። ሃብቲ ኣህዛብ ክትበልዑ ኢኹም፥ ብሃብቶም ከዓ ክትምክሑ ኢኹም። ኣብ ክንዲ ሕፍረትኩም ዕፅፊ ግዲ ክትቕበሉ ኢኹም፥ ኣብ ክንዲ ውርደት ከዓ ብርስትኹም ክትሕጐሱ ኢኹም፤ ስለዙይ ኣብ ምድሪኹም ዕፅፊ ግዲ ክትወርሱ ኢኹም፥ ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ከዓ ክኾነልኩም እዩ።

“ኣነ ኣቦኹም ንፍትሒ ኣፍቅር እየ እሞ፤ ንዘረፋን ንዓመፅን ድማ እፀልእ። ብሓቅነተይ ንህዝበይ ዓስቢ ክህቦም፥ ምሳታቶምውን ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክኣቱ እየ። ደቆም ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክፍለጡ እዮም፤ ዘርኦምውን ኣብ ማእኸል ህዝብታት ክፍለጡ እዮም፤ ዝርእይዎም ኵሎም ከዓ ንሳቶም እቶም ኣቦና ዝባረኾም ዘርኢ ምዃኖም ክእመኑ እዮም።”

ብኣቦና ኣዝየ ክሕጐስ እየ፤ ነፍሰይ ብኣቦና ብሓጐስ ክትሰራሰር እያ። ክዳን ምድሓን ኣልቢሱኒ፥ ካባ ፅድቂ ከዲኑኒ እዩ እሞ፤ ከምቲ መርዓዊ ርእሱ ኸም ካህን ዝሽልም፥ ከምታ መርዓት ከዓ ብስልማታ እትሽለም። b b v10 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፥ መርዓዉት ከምቲ ካህናት ኣብ ኣገልግሎት ቤተ መቕደስ ዝገብርዎ፥ ኣብ መርዓኦም ዝተሸለመ መጠምጠምያ ርእሲ ይገብሩ ነበሩ። ከምቲ ምድሪ ብቝላ እተብቍል፥ ከምቲ ገነት ከዓ ነቲ ዝተዘርአ ዘብቍል፥ ከምኡ ኸዓ እቲ ልዑል ኣቦ ኣብ ቅድሚ ኵሎም ኣህዛብ ፅድቅን ምስጋናን ከብቍል እዩ።