ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ተስኢ፥ ብርሃንኪ መፂኡ እዩ

ፀልማት ገና ንምድሪ ይኸድና፥ ብርሃን ግና ኣብ ሓንቲ ኸተማ በሪቑ እዩ፥ እቲ ምንቅስቓስ ድማ ይግልበጥ፦ ኣወዳት ናብ ገዛ ተፂዒኖም፥ ኣግማል ካብ ሳባ፥ ደቂ ባዕዲ ነቲ ዘፍረስዎ ቕፅሪ ይሃንፅዎ። ደገታት ከቶ ኣይዕፀዋን። ኣቦና ዘይዓርብ ብርሃን እዩ እሞ፥ ፀሓይ ኣየድልን።

ምዕራፍ 60።

ተስኢ፥ ኣብርሂ፥ ብርሃንኪ መፂኡ እዩ እሞ፥ ክብሪ ኣቦና ኸዓ ኣብ ልዕሊኺ በሪቑ እዩ። ፀልማት ንምድሪ፥ ግብ ዝበለ ፀልማት ከዓ ንህዝብታት ክኸድኖም እዩ እሞ፥ ኣቦና ግና ኣብ ልዕሊኺ ክበርቕ እዩ፤ ክብሩውን ኣብ ልዕሊኺ ክረአ እዩ። ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ፥ ነገስታት ከዓ ናብ ነፀብራቕ ወጋሕታኺ ክመፁ እዮም።

ኣዒንትኺ ናብ ዙርያኺ ኣልዕሊ እሞ ርኢ፤ ኵሎም ተኣኪቦም ናባኺ ይመፁ ኣለዉ፤ ኣወዳትኪ ኻብ ርሑቕ ይመፁ፥ ኣዋልድኪ ኸዓ ኣብ ሕቘ ተፂዒነን ይመፃ። ሽዑ ኽትርእዪ፥ ከተንፀባርቒ ኢኺ፤ ልብኺ ክሽበርን ክርህብን እዩ፥ ፅጋብ ባሕሪ ናባኺ ስለ ዝግልበጥ፥ ሃብቲ ኣህዛብ ናባኺ ስለ ዝመፅእ። ብዝሒ ኣግማል ክኸድነኪ እዩ፥ ናእሽቱ ኣግማል ምድያምን ኤፋን፤ ኵሎም እቶም ካብ ሳባ ዘለዉ ክመፁ እዮም፥ ወርቅን ዕጣንን ተሸኪሞም፥ ምስጋና ኣቦናውን ክነግሩ እዮም።

ኵሎም መጓሰ ቄዳር ናባኺ ክእከቡ እዮም፥ ደዓውል ነባዮት ከገልግላኺ እየን፤ ኣብ መሰውእየይ ተቐባልነት ረኺበን ክስውዓ እየን፥ ኣነ ኸዓ ነቲ ኽቡር ቤተይ ከኽብሮ እየ።

እዞም ከም ደበና ዝበርሩ፥ ከም ርግቢ ኸዓ ናብ መሳዅትዮም ዝኸዱ፥ መን እዮም? ብሓቂ ደሴታት ይፅበያኒ እየን፥ መራኽብ ተርሴስ ከዓ ኣቐዲመን፥ ነወዳትኺ ምስ ብሩሮምን ወርቆምን ካብ ርሑቕ ከምፅኣ፥ ስለ ስም ኣቦኺ፥ እቲ ቅዱስ እስራኤል፥ ንሱ ስለ ዘኽበረኪ እዩ።

ደቂ ባዕዲ ቅፅርኺ ክነድቑ እዮም፥ ነገስታቶም ከዓ ከገልግሉኺ እዮም፤ ብቍጥዓይ መቒዐኪ ኔረ፥ ብፀጋይ ግና ራሕሪሐልኪ። ደገታትኺ ኵልሻዕ ክፉት ክኾኑ እዮም፤ ለይትን መዓልትን ኣይዕፀዉን፥ ሃብቲ ኣህዛብ ናባኺ ምእንቲ ኽመፅእ፥ ነገስታቶም ድማ እናተመርሑ ክምፅኡ እዮም። እቲ ዘየገልግለኪ ህዝብን መንግስትን ክጠፍእ እዩ እሞ፤ እቶም ኣህዛብ እቶም ፈፂሞም ክባድሙ እዮም።

ክብሪ ሊባኖስ ናባኺ ክመፅእ እዩ፥ ፅሕድን ሑዳን ጽሕልን ብሓንሳእ፥ ነቲ ስፍራ መቕደሰይ ምእንቲ ኼፀባብቕዎ፤ ኣነ ኸዓ ነቲ ስፍራ ኣእጋረይ ከኽብሮ እየ። ደቂ እቶም ዝገፍዑኺ ናባኺ እናሰገዱ ክመፁ እዮም፤ ኵሎም እቶም ዝነዓቑኺ ኣብ ኣእጋርኺ ክሰግዱ እዮም። ከተማ ኣቦና፥ ፅዮን ናይ ቅዱስ እስራኤል ኢሎም ክፅውዑኺ እዮም።

ዝተሓደግክን ዝተፀላእክን፥ ዝሓልፍ ዘይብልኪ ኔርኪ ክነሳ፥ ናይ ዘለኣለም ኩርዓት ክገብረኪ እየ፥ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝቕፀል ሓጐስ። ፀባ ኣህዛብ ክትሰትዪ ኢኺ፥ ጡብ ነገስታት ከዓ ክትፀብዊ ኢኺ፤ ኣነ ኣቦኺ መድሕንኪን ተበዳሒኽን፥ ሓያል ያእቆብ፥ ኣቦኺ ከም ዝኾንኩ ኽትፈልጢ ኢኺ። ኣብ ክንዲ ኣስራዚ ወርቂ ኸምፅእ፥ ኣብ ክንዲ ሓፂን ብሩር ከምፅእ፥ ኣብ ክንዲ ዕንፀይቲ ኣስራዚ፥ ኣብ ክንዲ እምኒ ድማ ሓፂን ከምፅእ እየ። ንሰላም ሹምኪ፥ ንፅድቂ ኸዓ ኣስራሒኺ ክገብሮ እየ። ኣብ ምድርኺ ድሕሪ ደጊም ዓመፅ ኣይስማዕን እዩ፤ ኣብ ውሽጢ ወሰንኪ ኸዓ ጥፍኣትን ዕንወትን ኣይስማዕን። ንቅፅርኺ ግና “ምድሓን”፥ ንደጌታትኪ ኸዓ “ምስጋና” ክትሰምይዮም ኢኺ።

ብቐትሪ ፀሓይ ድሕሪ ደጊም ብርሃንኪ ኣይኸውንን እዩ፤ ወርሒ ኸዓ ብርሃና ኣይህበክን። ኣቦና ግና ናይ ዘለኣለም ብርሃንኪ፥ ኣቦኺ ድማ ክብርኺ ክኸውን እዩ። a a v19 ራእይ ነዝ ተስፋ እዙይ ይደግሞ፦ እታ ሓዳስ ኢየሩሳሌም ፀሓይ ኮነ ወርሒ ኣየድልያን እዩ፤ ክብሪ ኣቦና ብርሃና እዩ እሞ፥ ኢየሱስ እቲ በጊዕ ከዓ መብራህታ እዩ (ራእይ 21፥23)። ፀሓይኪ ድሕሪ ደጊም ኣይዓርብን እዩ፤ ወርሕኺ ኸዓ ኣይጐድልን። ኣቦና ናይ ዘለኣለም ብርሃንኪ ክኸውን እዩ እሞ፥ መዓልቲታት ሓዘንኪ ኸዓ ክውዳእ እዩ። ህዝብኺ ኵሎም ፃድቃን ክኾኑ እዮም፤ ኣነ ምእንቲ ኽኸብር ድማ፥ ነታ ምድሪ ንዘለኣለም ክወርስዋ እዮም፤ ንሳቶም ጨንፈር ተኽለይ፥ ግብሪ ኣእዳወይ እዮም። እቲ ዝነኣሰ ሽሕ ክኸውን እዩ፥ እቲ ዝንእስ ከዓ ሓያል ህዝቢ ክኸውን እዩ። ኣነ ኣቦኺ እየ፤ እታ ጊዜ ምስ ኣኸለት፥ ቀልጢፈ ኽፍፅሞ እየ።