ኢዱ ኣይሓፀረትን
ናይ ኣቦና ምስማዕ ዝኾነ ጉድለት የብሉን፤ እቲ ኣብ መንጎ ዝፈሊ ሓጢኣት እዩ። እቲ ህዝቢ ባዕሉ ይገልፆ፥ ፍርቂ መዓልቲ ንመንደቕ ሃሰስ እናበሉ፥ ዘይመፅእ ፍትሒ እናተፀበዩ። ዝኣቱ ስለ ዘይነበረ ድማ፥ ንሱ ተዓጢቑ ነቶም ዝምለሱ ቤዛ ኾይኑ ይመፅእ።
59 1እንሆ፥ ኢድ ኣቦና ንምድሓን ኣይሓፀረትን፤ እዝኑ ኸዓ ንምስማዕ ኣይከበደን። 2በደላትኩም ግና ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ ኣቦኹምን ፈለዩ፤ ሓጢኣትኩም ድማ ገፁ ኻባኻትኩም ሰወሮ፤ ስለዙይ ኣይሰምዐን። 3ኣእዳውኩም ብደም፥ ኣፃብዕትኹም ድማ ብሓጢኣት ረኺሰን እየን እሞ፤ ከናፍርኩም ሓሶት ተዛረባ፤ ልሳንኩም ክፍኣት ተዛረበ። 4ንፍትሒ ዝፅውዕ የለን፤ ብቕንዕና ዝማጐት ከዓ የለን። ብኸንቱ ይውከሉ፥ ሓሶት ይዛረቡ፤ መከራ ጠኒሶም ክፍኣት ይወልዱ። 5እንቍላሊሕ ኣትማን ይፍልፍሉ፥ ድር ሳሬት ከዓ ይኣልሙ፤ ካብ እንቍላሖም ዝበልዐ ይመውት፤ ሓደ እንተ ተሰብረ ኸዓ መንደላይ ተመን ይወፅእ። 6ድሮም ክዳን ክኸውን ኣይኽእልን፤ በቲ ዝሰርሕዎ ድማ ነብሶም ክኽደኑ ኣይኽእሉን። ግብርታቶም ግብሪ ዓመፅ እዩ፤ ኣእዳዎም ከዓ ግፍዒ መሊአን። 7ኣእጋሮም ናብ ክፉእ ይጐዩ፤ ንፁህ ደም ንምፍሳስ ከዓ ይቕልጥፉ። ሓሳባቶም ሓሳብ ዓመፅ እዩ፤ ጥፍኣትን ብርሰትን ኣብ ኵሉ መንገዶም ኣሎ። 8መንገዲ ሰላም ኣይፈልጡን፤ ኣብ መገዶም ከዓ ፍትሒ የለን። ንመገዶም ኣጣዊዮምዎ፤ ብእኡ ዝኸይድ ሰላም ኣይፈልጥን። 9ስለዙይ ፍትሒ ካባና ረሓቐ፤ ፅድቂ ኸዓ ኣይበፅሐናን። ብርሃን ተፀቢና፥ እንሆ ግና ፀልማት፤ ነፀብራቕ ተፀቢና፥ ኣብ ጣቓ ግና ንኸይድ። 10ንመንደቕ ከም ዕዉራት ሃሰስ ንብል፤ ከም ዓይኒ ዘይብሎም ሃሰስ ንብል። ፍርቂ መዓልቲ ኸም ድንግዝግዝ ንዕንቀፍ፤ ኣብ ማእኸል ሓያላት ከም ምዉታት ኢና። 11ኵላትና ኸም ድብታት ነጓዝም፥ ከም ርግቢ ኸዓ ብዙሕ ነስቆርቁር። ፍትሒ ተፀቢና፥ የለን ግና፤ ምድሓን ተፀቢና፥ ካባና ግና ረሓቐ። 12ምትሕልላፍና ኣብ ቅድሜኻ በዚሑ እዩ እሞ፤ ሓጢኣትና ድማ ኣባና ይምስክር። ምትሕልላፍና ምሳና ኣሎ፥ ዓመፅናውን ንፈልጥ ኢና፦ 13ኣንፃር ኣቦና ዓሊና ክሒድናዮ፥ ንኣቦና ኻብ ምስዓብ ንድሕሪት ተመሊስና፥ ግፍዕን ምዕፃይን ተዛሪብና፥ ካብ ልቢ ናይ ሓሶት ቃላት ፀኒስና ኣውዚምና።
14ስለዙይ ፍትሒ ንድሕሪት ተመለሰ፤ ፅድቂ ኸዓ ርሑቕ ደው ኢሉ፤ ሓቂ ኣብ ኣደባባይ ተዓንቂፉ እዩ እሞ፥ ቅንዕና ክኣቱ ኣይኽእልን። 15ሓቂ ተሳኢኑ፥ ካብ ክፉእ ዝርሕቕ ድማ ይዝመት። ኣቦና ኸዓ ረአዮ፤ ፍትሒ ብዘይምህላዉ ድማ ኣጕሃዮ። 16ሓደ እኳ ከም ዘይነበረ ረአየ፤ ዝማለድ ሰብ ብዘይምህላዉ ኸዓ ተገረመ፤ ስለዙይ ቅልፅሙ ምድሓን ኣምፅአ፤ ፅድቁ ኸዓ ደገፎ። a a v16 ኣቦና ዘድሕን ሰብ ከም ዘይነበረ ረአየ፤ ስለዙይ ቅልፅሙ ለኣኸ — ንሱ ኸዓ ሓይሊ ምድሓኑ እዩ። ዮሃንስ ነቲ ቅልፅም ኣቦና ኢየሱስ ምዃኑ ይገልፅ (ዮሃንስ 12፥38)። 17ፅድቂ ኸም ድርዒ ተኸድነ፤ ቝራዕ ርእሲ ምድሓን ከዓ ኣብ ርእሱ ደፍአ፤ ክዳን ሕነ ተኸድነ፥ ቅንኣት ከዓ ኸም ኩታ ተጐልበበ።
18ከም ግብሮም፥ ከምኡ ኽፈዲ እዩ፤ ንተፃረርቱ ቍጥዓ፥ ንፀላእቱ ኸዓ ፍዳ፤ ነተን ርሑቓት ደሴታት ዝግብአን ክህበን እዩ። 19ስለዙይ ካብ ምዕራብ ንስም ኣቦና፥ ካብ ምብራቕ ፀሓይ ከዓ ንኽብሩ ክፈርሑ እዮም፤ ብንፋስ ኣቦና ዝድፋእ ብርቱዕ ውሒዝ ኮይኑ ክመፅእ እዩ እሞ። 20ሽዑ ተበጃዊ ናብ ፅዮን፥ ናብቶም ኣብ ያእቆብ ካብ ሓጢኣቶም ዝምለሱ ክመፅእ እዩ፥ ይብል ኣቦና። b b v20 ጳውሎስ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባ ምምላስ ኢየሱስ ጠቒስዋ — ሮሜ 11:26። እቲ ውሉድ ኣቦና ኽእክብ ናብ ፅዮን ዝመፅእ ተበጃዊ፥ ኢየሱስ እዩ።
21ኣነ ኸዓ፥ “እዙይ ምስኣቶም ዝገብሮ ኪዳነይ እዩ” ይብል ኣቦና፦ “እቲ ኣባኻ ዘሎ መንፈሰይ፥ ኣብ ኣፍካ ዘንበርክዎ ቃላተይ ድማ፥ ካብ ኣፍካ፥ ካብ ኣፍ ደቅኻ፥ ካብ ኣፍ ደቂ ደቅኻ እውን ኣይፍለን እዩ” ይብል ኣቦና፥ “ካብ ሕዚ ጀሚሩ ንዘለኣለም።”