ትዕቢት ቅድሚ ውድቀት
ፈርዖን መን ይዳረጎ ተባሂሉ ይሕተት፥ ደሓር ድማ ኣሶር ይርኣዮ፦ ኣዕዋፍ ኣብኡ ኽሳዕ ዝሰፍራ ነዊሕ ዝግባ፥ ኣእዋም ኤደን ዝቐንኡሉ፥ ብምኽንያት ትዕቢቱ ዝተቖረፀ፥ ፅላሉ ዝተሓደገ፥ ጉንዱ ድማ ናብ ጕድጓድ ዝተሰደደ። እቲ ንፅፅር ባዕሉ እቲ ቁም ነገር እዩ።
31 1ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት፥ ኣብ ሳልሳይ ወርሒ፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ቃል ኣቦና ናባይ መፀ፦
2“ኦ ወዲ ሰብ፥ ንፈርዖን ንጉስ ግብፅን ነቲ ህዝቡን ከምዙይ በሎም፦ ብዕቤትካ መን ይወዳደረካ? 3ኣሶር ኣብ ሊባኖስ ዝግባ ነበረ፥ ምልኩዕ ጨናፍርን ናይ ዱር ፅላልን ነበሮ፤ ብቑመቱ ልዕል ኢሉ፥ ርእሱ ኣብ ማእኸል ደመና ነበረ። 4እቲ ማያት ዓቢ ገበሮ፤ እቲ መዓሙቝ ነዊሕ ገበሮ፤ ሩባታቱ ኣብ ዙርያ እታ ዝተተኽለላ ቦታ ይውሕዙ ነበሩ፤ መስኖታቱ ድማ ናብ ኵሉ ኣእዋም በረኻ ሰደደ። 5ስለዙይ ቑመቱ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ኣእዋም በረኻ ልዕል በለ፤ ጨናፍሩ በዝሐ፤ ጨናፍሩ ድማ ብሰሪ እቲ ብዙሕ ማያት እናተጋፍሐ ነውሐ። 6ኣብ ጨናፍሩ ኵሎም ኣዕዋፍ ሰማይ ሰፈሩ፤ ኣብ ትሕቲ ጨናፍሩ ኵሎም ኣራዊት በረኻ ወለዱ፤ ኣብ ፅላሉ ድማ ኵሎም ዓበይቲ ህዝብታት ነበሩ። 7ብዕቤቱ ምልኩዕ ነበረ፥ ጨናፍሩ ነዋሕቲ ነበራ፤ ሱሩ ድማ ናብ ብዙሕ ማያት ወሪዱ ነበረ። 8እቲ ኣብ ገነት ኣቦና ዘሎ ኣእዋም ዝግባ ክወዳደርዎ ኣይከኣሉን፤ ኣእዋም ፅሕዲ ንጨንፈሩ ክወዳደራ ኣይከኣሉን፤ ኣእዋም ሑዳ ድማ ከም ጨናፍሩ ኣይነበራን። ኣብ ገነት ኣቦና ዝነበረ ኦም፥ ብፅባቐ ኸማኡ ዝኸውን ኣይነበረን። 9ብብዙሕ ጨናፍሩ ምልኩዕ ገበርክዎ፤ ኵሎም ኣእዋም ኤደን፥ እቶም ኣብ ገነት ኣቦና ዝነበሩ ድማ ቐንኡሉ።’”
10ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣቦ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ልዕል ስለ ዝበለ፥ ርእሱ ኣብ ማእኸል ደመና ስለ ዝገበረ፥ ልቡ ድማ ብቑመቱ ስለ ዝዓበየ፥ 11‘ናብ ኢድ እቲ ናይ ኣህዛብ ሓያል ኣሕሊፈ ሃብክዎ፤ ንሱ ኸዓ ብርግፅ ገበሮ፤ ብሰሪ ክፍኣቱ ሰጐጕክዎ። 12ደቂ ባዕዲ፥ እቶም ኣብ ኣህዛብ ኣዝዮም ጨካናት፥ ቘሪፆም ሓደግዎ። ጨናፍሩ ኣብ ኣኽራንን ኣብ ኵሉ ሽንጥሮን ወደቐ፤ ጨናፍሩ ኣብ ኵሉ ለሰታት እታ ምድሪ ተሰቢሩ ወደቐ፤ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ድማ ካብ ፅላሉ ወፂኦም ሓደግዎ። 13ኣብ ልዕሊ እቲ ዝወደቐ ጉንዱ ኵሎም ኣዕዋፍ ሰማይ የዕርፉ፤ ኣብ ጨናፍሩ ድማ ኵሎም ኣራዊት በረኻ ይነብሩ፤ 14ብዙሕ ማይ ዝረኽቡ ኣእዋም ልዕል ከይብሉ፥ ርእሶም ኣብ ማእኸል ደመና ኸይገብሩ፥ ማይ ዝሰትዩ ዅሎም ከዓ ልዕል ልዕል ከይብሉ እዩ። ኵሎም ናብ ሞት፥ ናብ መዓሙቝ ምድሪ፥ ኣብ ማእኸል ደቂ ሰብ፥ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ኣሕሊፎም ተዋሂቦም እዮም እሞ።’”
15እግዚኣብሄር ኣቦ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ ናብ ሲኦል ዝወረደላ መዓልቲ፥ ነቲ መዓሙቝ ኣብኸኽዎ፤ ምእንታኡ ድማ ከደንክዎ፤ ንሩባታቱ ዓገትኩ፤ እቲ ብዙሕ ማያትውን ተዓግተ፤ ምእንታኡ ንሊባኖስ ኣፀለምክዎ፤ ኵሎም ኣእዋም በረኻ ድማ ብሰሪኡ ደረቑ። 16በቲ ናይ ውድቀቱ ድምፂ ንህዝብታት ኣንቀጥቀጥክዎም፤ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ናብ ሲኦል ምስ ደርበኽዎ። ሽዑ ኣብ መዓሙቝ ምድሪ፥ ኵሎም ኣእዋም ኤደን፥ እቶም ብሉፃትን ዝበልፁን ኣእዋም ሊባኖስ፥ ኵሎም ማይ ዝሰትዩ፥ ተፀናንዑ። 17ንሳቶም ድማ ምስኡ ናብ ሲኦል፥ ናብቶም ብሰይፊ ዝተቐተሉ ወረዱ፤ እቶም ሓይሉ ዝነበሩ፥ ኣብ ፅላሉ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዝነበሩ እዮም።’
18“ካብ ኣእዋም ኤደን ብኽብርን ብዕቤትን ዝመሰለካ መን እዩ? ኮይኑ ግና ምስ ኣእዋም ኤደን ናብ መዓሙቝ ምድሪ ክትውረድ ኢኻ፤ ኣብ ማእኸል እቶም ዘይተገረዙ፥ ምስቶም ብሰይፊ ዝተቐተሉ ክትድቅስ ኢኻ። እዝ ፈርዖንን ኵሉ ህዝቡን እዩ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣቦ።”