መዓልቲ ጥፍኣት ንግብፂ
ኣብ ልዕሊ ግብፅን ደገፍታን ዝቐረበ ዋይ ዋይታ፥ ከተማ ድሕሪ ከተማ እናጠቐሰ፥ ሜምፊስ፥ ቴብስ፥ ፔሉሲየም፥ ጣኔዎስ፥ ብሓዊ ዝተቓፀላ ወይ ተማሪኸን ዝተወስዳ። ቅልፅም ፈርዖን ድሮ ብኣቦና ተሰቢሩ እዩ፥ ኣይፅገንን ከዓ፤ ኣብ ክንድኡ ድማ ሰይፊ ኣብ ኢድ ባቢሎን ይወሃብ።
30 1ቃል ኣቦና ናባይ መፀ፦
2ወዲ ሰብ፥ ተነበ እሞ ከምዙይ በል፦ እቲ ልዑል ኣቦ ኸምዙይ ይብል፦ “ኣእውዩ፥ ‘ወይለይ ነታ መዓልቲ!’” 3እታ መዓልቲ ቐሪባ እያሞ፥ መዓልቲ ኣቦና ቐሪባ እያ፤ መዓልቲ ደመና፥ ንህዝብታት ድማ ግዜ ጥፍኣት እያ። 4ኣብ ልዕሊ ግብፂ ሰይፊ ክመፅእ እዩ፤ ኣብ ግብፂ ቅቱላት ምስ ወደቑ፥ ኣብ ኵሽ ድማ ቅልውላው ክኸውን እዩ፤ ምስ ዘመትዋ፥ ሃብቲ ተወሲዱ፥ መሰረታት ድማ ክፈርስ እዩ። 5ኵሽ፥ ፉጥ፥ ሉድ፥ ኵላ ዓረብን ሊብያን፥ ህዝቢ ምድሪ ኪዳንን ድማ ምስኣቶም ብሰይፊ ክወድቁ እዮም። 6ኣቦና ኸምዙይ ይብል፦ “እቶም ንግብፂ ዝድግፉ ክወድቁ እዮም፥ ሓይሊ ትዕቢታ ድማ ክወርድ እዩ፤ ካብ ሚግዶል ክሳዕ ኣስዋን ኣብ ውሽጣ ብሰይፊ ክወድቁ እዮም፥ ይብል እቲ ልዑል ኣቦ። 7ኣብ ማእኸል ዝባደማ ሃገራት ክባድማ እየን፥ ከተማታታ ድማ ኣብ ማእኸል ዝዓነዋ ከተማታት ክኾና እየን። 8ኣብ ግብፂ ሓዊ ምስ ኣንደድኩ፥ ኵሎም ረዳእታ ድማ ምስ ተሰባበሩ፥ ኣነ ኣቦ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
9በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ሃዲኣ ዘላ ኵሽ ከፍርሑ፥ ልኡኻት ካባይ ብመራኽብ ክወፁ እዮም፤ በታ መዓልቲ ግብፂ ድማ ቅልውላው ክሕዞም እዩ፤ ብርግፅ ይመፅእ ኣሎሞ።”
10እቲ ልዑል ኣቦ ኸምዙይ ይብል፦ “ብኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ንጭፍራ ግብፂ ከጥፍኦ እየ። 11ንሱን እቲ ምስኡ ዘሎ ሰራዊቱን፥ እቶም ካብ ኵሎም ህዝብታት ዝጨከኑ፥ ነታ ሃገር ከጥፍእዋ ክምፁ እዮም፤ ኣብ ልዕሊ ግብፂ ኣስይፍቶም ክመዝዙ፥ ነታ ምድሪ ድማ ብቕቱላት ክመልእዋ እዮም። 12ንወሓዝቲ ኒል ከንፅፎም፥ ነታ ምድሪ ድማ ናብ ዓመፀኛታት ክሸጣ እየ፤ ነታ ሃገርን ኣብኣ ንዘሎ ዅሉን ብኢድ ጓኖት ከባድማ እየ። ኣነ እቲ ኣቦ ተዛሪበ ኣለኹ።”
13እቲ ልዑል ኣቦ ኸምዙይ ይብል፦ “ነቶም ጣዖታት ከጥፍኦም፥ ኣብ ሜምፊስ ዘለዉ ከንቱ ምስልታት ድማ ከብቅዖም እየ። ኣብ ምድሪ ግብፂ ድሕሪ ሕዚ መስፍን ኣይህሉን እዩ፤ ኣብ ኵላ እታ ሃገር ድማ ፍርሒ ክዝርግሕ እየ። a a v13 ሜምፊስ ናይ ታሕተዋይ ግብፂ ጥንታዊት ርእሰ ኸተማ ነበረት፤ ብእብራይስጢ ህዝቅኤል ከዓ ኖፍ ተባሂላ ትፅዋዕ። 14ንጳትሮስ ከባድማ፥ ንጣኔዎስ ሓዊ ከንድደላ፥ ኣብ ቴብስ ድማ ፍርዲ ከውርድ እየ። b b v14 ቴብስ ናይ ላዕለዋይ ግብፂ ዓባይ ኸተማ ነበረት፤ ብእብራይስጢ ህዝቅኤል ከዓ ኖ ተባሂላ ትፅዋዕ። 15ኣብ ልዕሊ ፔሉሲየም፥ ዕርዲ ግብፂ፥ ቍጥዓይ ከፍስስ፥ ንጭፍራ ቴብስ ድማ ከጥፍኦ እየ። 16ኣብ ግብፂ ሓዊ ከንድድ፤ ፔሉሲየም ቅልውላው ክሕዛ እዩ፥ ቴብስ ክትሰንጠቕ እያ፥ ናብ ሜምፊስ ድማ ብመዓልቲ ፀላእቲ ክወርዱ እዮም። 17መንእሰያት ሄሊዮጶሊስን ፒበሰትን ብሰይፊ ክወድቁ እዮም፥ እተን ከተማታት ባዕለን ድማ ናብ ምርኮ ክኸዳ እየን። 18ኣብ ታህጲንሄስ ኣብኡ ንኣርዑት ግብፂ ምስ ሰበርክዎ፥ እታ መዓልቲ ክትፀልም እያ፥ ሓይሊ ትዕቢታ ድማ ኣብ ውሽጣ ክውዳእ እዩ። ደመና ኽትኸድና እያ፥ ኣዋልድ ከተማታት ድማ ናብ ምርኮ ክኸዳ እየን። 19ከምዙይ ኣብ ግብፂ ፍርዲ ከውርድ እየ። ሽዑ ኣነ ኣቦ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”
ኣቦ ንቅልፅም ፈርዖን ይሰብሮ
20ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት፥ ኣብ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ኣብ መበል ሸውዓተ መዓልቲ፥ ቃል ኣቦና ናባይ መፀ፦
21ወዲ ሰብ፥ ንቅልፅም ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ሰቢረዮ ኣለኹ፤ ሰይፊ ንምሓዝ ምእንቲ ኽጥንክር፥ ንፈውሲ ኣይተኣስረን ወይ ኣይተጠቕለለን። 22ስለዙይ እቲ ልዑል ኣቦ ኸምዙይ ይብል፦ “እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ እየ። ንኽልቲኡ ቅልፅማቱ፥ ነቲ ፅኑዕ ኾነ ነቲ ስቡር ክሰብሮ፥ ነታ ሰይፊ ኸዓ ካብ ኢዱ ከውድቃ እየ። 23ንግብፃውያን ኣብ ማእኸል ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፥ ኣብ ሃገራት ድማ ክበትኖም እየ። 24ነእዳው ንጉስ ባቢሎን ከደልድል፥ ሰይፈይ ድማ ኣብ ኢዱ ከንብር እየ፤ ነእዳው ፈርዖን ግና ክሰብሮ እየ፤ ፈርዖንውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ባቢሎን ከም ዝመውት ሰብ ክግዕር እዩ። 25ነእዳው ንጉስ ባቢሎን ከደልድሎ እየ፤ ኣእዳው ፈርዖን ግና ክወድቓ እየን። ሽዑ ሰይፈይ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ምስ ኣንበርኩ፥ ንሱ ድማ ናብ ምድሪ ግብፂ ምስ ዘርግሖ፥ ኣነ ኣቦ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። 26ንግብፃውያን ኣብ ማእኸል ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፥ ኣብ ሃገራት ድማ ክበትኖም እየ። ኣነ ኣቦ ምዃነይ ድማ ክፈልጡ እዮም።”